#Article 1: ኣስመራ (158 words)


ኣስመራ ዝዓበየትን ርእሰ ከተማን ኤርትራ እያ። ኣስታት 579 ሽሕ ዝኸውን ህዝቢውን ይቅመጥዋ። ካብቶም ቀንዲ ኢንዱስትርያዊ ፍራያት ዐለባ፡ ዝተዐሸገ ስጋ፡ ቢራ፡ ሳእኒን ኣሕልታትን ይርከብዎም።ከምኡ ውን ኣብ ዩ.ኔ.ስ.ኮ(U.N.E.S.O)  ተመዝጊባ ዘላ ከተማ እያ።

ኣስመራ ኣብ መበል ዐሰርተው ክልተ ክፍለ ዘመን ካብ ኣርባዕተ ማይቤት እያ ተመስሪታ ። ከም ዝዝንተው ፈለማ ገዛ ጉርቶም፣ ገዛ ሸለለ፣ ገዛ ሰረንሰር ን ገዛ አሰምዐ ዝተባህሉ ኣርባዕተ ማይ ቤት ይነብሩ ነይሮም ። ዝተጠቅሱ ማይ ቤታት 
ካብ መታሕትን ካብ ስግር መረብ ምላሽን ብዝመጹ ዝነበሩ ጸላእቲ ብቀጻሊ ይውረሩ ነበሩ።ነዚ ንምክልካል ድማ ኣንስቲ ኣርባዕቲአን ዓዲ ብሓባር ክሰምራ ተሰማምዓ።እቲ ሓሳብ ውን ንሰብኡተን ነገርኦም ። እቶም ሰብኡት ውን በዚ ተሰማሚዖም ነቲ ሓሳብ ናይ ኣንስቶም ኣብ ግብሪ ኣውዓልዎ። ሳልእን ውን ስለ ዝሰመሩ ኣርባዕተ ኣስመራ ኢሎም ነታ ሓዳሽ ዓዲ ሰየምዋ።  እቲ ምስኡ ጠቢቑ ዝዓበየ ብ ኢጣልያውያን ዝኸተመ ክፍሊ ኸኣ ኣስመራ ተባሂሉ ክፅዋዕ ጀመረ ። እታ ጥንታዊት ክፋል ግና ክሳብ ሕጂ ደቀባት ይሰፍርዋን ኣርባዕተ ኣስመራ ተባሂላ ትጽዋዕን ኣላ ። ኣስመራ ብ 1889 ወረርቲ ሓይሊ ጥልያን ኣትዮም ኣኸቲሞም ቀይሕ ባሕሪ ናብ ከተማ ምጽዋዕ ዝበጽሕ መገዲ ባቡር ተሰሪሑላ




#Article 2: ባዮሎጂ (120 words)


ባዮሎጂ ብዛዕባ ህይወት ዘለዎም ነገራት ዘፅንዕ ናይ ምርምር ክፋል እዩ። ነዚ ፅንዓት ዘካይድ ሰብ ባዮኦልጂስት ተባሂሉ ይፅዋዕ። መብዛሕቱ ግዜ ባዮሎጂ አብ ክልተ ይምቀል። እቶም ክልተ ጨንፈራትውን ቦታኒ (ብዛዕባ ተኽልታት ዘጽንዕ) ከምኡውን ዙሎጂ (ብዛዕባ እንስሳታት ዘፅንዕ) እዮም። እዞም ክልተ ጨንፈራት ከአ ደጊም ናብ ዝተፈላለዩ ጨንፈራትን ፍሉይ ናይ ምርምር ክፋላት ይምቀሉ። 
 
ይኹን እምበር ከም አናቶሚ (ህይወት ናይ ዘለዎም ነገራት ንድፊ ዘጽንዕ ጨንፈር) ን ጀነቲክስ (አብ ልዕሊ ውርሰ ባህሪ ድግበር ፅንዓት) ዝአመስሉ መብዛሕትኦም ጨናፍር ባዮሎጂ ንእንስሣ ይኹን ን አታኽልቲ ብዘየገድስ ንክልቲኦም ክፋል ህይወት የፅንዑ። 
  
ባዮሎጂስትታት መብዛሕትኡ ግዜ ጽንዐቶም ንምክያድ ካብ ጨንፈር ፅንዓት ናቶም ዝተፈልየ ናይ ምርምር ክፋላት ዝጥቀሙሉ ዘዴታትን ሐደስቲ ፍልጠታትን ይጥቀሙ። ንአብነት ተጠቐስና፡ ህይወት አብ ዘለዎም እንስሳታትን አታኽልትን ዝካየዱ ውህደታት ንምርዳእ ክሕግዞም ምእንቲ ፊዚክስ ን ኬሚስትሪ አብ ዝተባህሉ ናይ ምርምር ጨንፈራት ይውከሉ።




#Article 3: መርበብ ቋንቋ ኣደ ትግርኛ (175 words)


መርበብ ቋንቋ ኣደ ትግርኛ፡  ብዕለት ፲/፲፩/፳፻፫ ብወግዒ ተኸፊቱ። ማትስ ቨነርሆልም፡ ሓላፊ መርብብ ቋንቋ  ኣደ ናይ ኵለን ቋንቋታት፡ እንቋዕ ኣሐጐሰና! ብምባል ከፊቱዎ። ኣብ ዘረባኡ፡ እቲ ንትግርኛ ማዕረ እተን ካልኦት ፳ ቋንቋታት ንምግባር እተገብረ ጻዕሪ ብቐሊል ዚግመት ኣይኰነን። ብዝሒ ፊደላት ግእዝ ጸገማት ኣምጺኡ ነይሩ ኢዩ። መፍትሒ ክሳዕ ዚርከበሉ'ውን ግዜ ወሲዱ ኢዩ። ኣብ'ዚ ምብጻሕና ኣዝዩ ዜሕጕስ ኢዩ።   

ምስ'ተን ካልኦት ቋንቋታት ሓዊስካ፡ መርበብ ቴማ ቋንቋ ኣደ ሓንቲ ካብተን ብሉጻት መርበባት ኤውሮጳ ኰይና ኣላ፡  ኢሉ። 

መምህር ምንያ ጸጋይ፡ ነቶም ዕድመኦም ኣኽቢሮም ዝመጹ ኣጋይሽ ምስ'ቲ መርበብ ኣላልይቶም። 

ነዚ መርበብ ምስ ረኣኹሞ፡ ርእይቶታትኩም ክትሰዱልና ተስፋ ንገብር። ሕጂ'ውን መሊስና መርሓባ!!

መበል ፲፫ በዓል ነጻነት ኤርትራ፡ ካብ ሓሙስ ፳ ግንቦት ክሳዕ ቀዳም ፳፪ ግንቦት ብዝተፈላለየ ንጥፈታት ስፖርትን ካልእን ከቢሩ ቀንዩ። 

ሓሙስን ዓርብን ቅድድም ጕያ እግሪ ንቘልዑን መንእሰያትን ኣብ ዱቭቦ ተኻይዱ። እቶም ዝሰዓሩ ከኣ ብልጫ ተዓዲሎም። እዚ ብቅድድም ጕያ እግሪ ወለዲ ተዛዚሙ።

ቀዳም ምሸት ንዅሉ ሕዝቢ ኣብ ሊሊሆልመን ካብ ሰዓት ፲፮.** ጀሚሩ ክሳዕ ዚወግሕ ዓቢ በዓል ተገይሩ። ኣብዚ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ተኻይዱ። ካልኣይ ደረጃ ንዝወድኡ ተመሃሮ ፍሉይ ኣቀባብላ ተገይሩሎም። ንኣሽቱ ተመሃሮ ጥዑም መዛሙር ዘሚሮም። ቍሩብ ዕብይ ዝበሉ ተመሃሮ ከኣ መዛሙር ዘሚሮም፡ ተዋስኦ  ኣርእዮም፡ መደረታት ከኣ ኣስሚዖም።




#Article 4: ርሑስ ክረምቲ (135 words)


ርሑስ ክረምቲ:

ዝኸበርኩም ተኸታተልቲ መርበብና

እንሆ ዓመት ትምህርቲ ፪፬፬፫-፪፬፬፬ ተወዲኡ፥ ክረምቲ ኣትዩ፥ ኣብያተ ትምህርቲ ተዓጽየን።

ተመሃሮ ነናይ ሓደ ዓመት ፍልጠት ወሲኾም።

ገለ ካብኣቶም ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ፈጺሞም። ዝኣከብኩሞ ፍልጠት ንባዕልኻትኩምን ንኣከባቢኹምን ንሃገርናን ንዓለምናን ዚጠቅም ይግበሮ!

ተባሂሎም ተመሪቖም።

መርበብ ቋንቋ-ኣደ፡ ኣብ ምእታው ቀውዒ፡ ትምህርቲ-ሓዘል መደባቱ ሒዙ ኪመጽእ እናኣተስፈወ፡ 

ሰናይ ዕረፍቲ ይምነየልኩም። ብሰላም የራኽበና!!!

ኣብ ሃገርና 

ምዕጻው ኣብያተ ትምህርቲ ብኸመይ ይብዓል ነበረ?

ኣብ ፵ታትን ፶ታትን 

ናይ መንግስቲ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ብፍላይ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ከም ኣስመራ፡ ኵለን ብሓባር ኣብ ሓደ ዓቢ ሜዳ ተሰሪዐን፡ በብጽሒተን ብምልዓል፡ ገለ ቤት ትምህርቲ ብመዝሙር፡ ገለ ብትርኢት ምውስዋስ ኣካላት፡ ከምኡ ድማ ብጕያ፡ ብዝላ፡ ብጕስጢ፡ ወዘተ.. ናይ ሓባር ውድድር ብምግባር፡ ይብዓል ነበረ። ነናይ ክፍሎም ብሉጻት ተመሃሮ ኸኣ ካብ ኣመሓደርቲ ብልጫታቶም ይወስዱ ነበሩ።

ኣብቲ በዓል ኵሎም ተመሃሮ ብሓባር ዚዝምሩዋ ዝነበሩ መዝሙር:

ወላዲትና ዓድና

ኣብዛ ዓለም ብመላኣ

ንዓናሲ የልቦን ከምኣ

ግሩም ጸሓይ ኣብ ዋዒኣ ጥዑም'ውን ኣየራ




#Article 5: ራብዓይ ኣኼባ መርበብ ቋንቋ ኣደ (190 words)


ራብዓይ ኣኼባ መርበብ ቋንቋ ኣደ ካብ ዕለት ፪፱-፫፩ ነሓሰ ኣብ ታሊን፡ ርእሲ ከተማ ኤስቶኒያ፡ ተኻዪዱ። እዚ ኣኼባ'ዚ ካብ ምሉእ ሽወደን ዝመጹ መምህራን ቋንቋ ኣደን ሓለፍቶምን ፰፭ ተኻፈልቲ ነይሮምዎ። ብዝሒ መርበብ ቋንቋ ኣደ ክሳዕ ሕጂ ፴ በጺሑ ኣሎ።

ኣብዚ ናይ ሰለስተ መዓልታት ኣኼባ'ዚ፡ ምልውዋጥ ዝተዋህለለ ተኽእሎታት ተኻዪዱ። ሓለፍቲ መርበባት ዝገበሩዎ ሓደስቲ ምዕባለታት ኣርእዮም። ኣብ ርእሲ'ዚ ብዛዕባ ዘሎ ኵነታትት ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ኣብ ኵሉ ደረጃታት፡ ካብ መዋእለ ሕጻናት ጀሚርካን መምህራን ቋንቋ ኣደን ተዘትዩ። ሓለፍቲ ቋንቋ ኣደ፡ ብዛዕባ ምምሕያሽ ኵነታት ትምህርቲ ቋንቋ ኣደን መምህራን ቋንቋ ኣደን ዘሎዎም ሓሳባት ኪዛተይሉን ናብ ሃገራዊ  ምምዕባል ትምህርቲ ኬቕርቡዎን ለበዋ ቀሪቡሎም። 

ኣብ ርእሲ'ዚ፡ ብዛዕባ ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ብርሑቕ'ውን ተዘትዩ። ብዛዕባ'ዚ መምህራን ቋንቋ ኣደ ማታር ጃይተህን ምንያ ጸጋይን ሓበሬታ ሂቦም።

ተኻፈልቲ ኣኼባ፡ ቅድሚ ኣኼባ ምጅማሮም፡ ነቲ ከተማ ዘይሮሞን ብዛዕባ እቲ ከተማ ዚኣክል ሓበሬታ ተዋሂቡዎምን።

እቲ ኣኼባ ዕዉት ነይሩ። ጻዕሪ ትካል ሃገራዊ ምምዕባል ትምህርቲ፡ ተመሃሮ ሰብ ብዙሕ ቋንቋ ኰይኖም ትምህርቶም ብግቡእ ዜሳልጡሉን ኪዀኑ፡ መምህራን ቋንቋ ኣደ ኸኣ፡ እቲ ዜድልዮም ተወሳኺ ትምህርቲ ወሲዶም ናብ ዝሓሸ ዓይነት ኣሰራርሓ ዚሰግሩሉ መንገዲ ምድላይን ኢዩ። 

መርበብ ቋንቋ ኣደ ትግርኛ ኣብ'ዚ ኣኼባ'ዚ ዚካፈል ዘሎ ንሳልሳይ ግዚኡ ኢዩ።

ስእላዊ መግለጺ ገለ ካብ'ቲ ዝነበረ ንጥፈታት፡-

ኣንበሳን ድብን ወዓግን ወኻርያን
 
ኣንበሳን ድብን
 
ነብርን ወኻርያን
 
ኣቦን ወድን ኣድጎምን
 
በቃቕ ኣንጭዋ




#Article 6: ትምህርቲ ትግርኛ ብርሑቕ (172 words)


ትምህርቲ  ትግርኛ ብርሑቕ:

ኣብ ሽወደን፡ ኵሉ ቈልዓ ቋንቋ ኣደኡ ኪምሃር መሰል ኣሎዎ። ግን ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ገለ ተመሃሮ ኪምሃሩ ዕድል ኣይረኸቡን። ነዚ መፍትሒ ንምፍጣር፡ 
ትካል ምምዕባልን ምምሕያሽን ትምህርቲ ዝሓለፈ ዓመት ንፈተነ ተባሂሉ፡ ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ብርሑቕ ብሾብዓተ ቋንቋታት ተዋሂቡ። ሓንቲ ካብ'ዘን ቋንቋታት እዚኣተን ትግርኛ ኢያ። ኣብዚ ፈተነ’ዚ ዝተኻፈሉ ኣብ ክሪስትያንስታድ ዚርከቡ ተመሃሮ ኢዮም። ከምቲ ተሓሲቡዎ ዝነበረ፡ ንዕብይ ዝበሉ ተመሃሮ፡ ብኮምፕዩተር እናተሓገዙ ኪምሃሩ ኢዩ። ግን ኣብኡ ዚርከቡ ተመሃሮ ካብ ደቂ ፮ ዓመት ክሳዕ ፮ይ ክፍሊ ዚምሃሩ ኢዮም ነይሮም። ካብቶም ዝተመዝገቡ ፪፯ ተመሃሮ ፩፱ ተኻፊሎሞ። ነቲ ነገር ንምቅላል፡ መምህር ኣብ ወርሒ ሓደ ግዜ እናኸዶም፡ ዝተረፈ ግዜኦም ከኣ ብወለዶም እናተሓገዙ ኪምሃሩ ጸኒሖም። እዚ ቀዳማይ ፈተነ’ዚ ዝሓለፈ ሰሙን ተዛዚሙ። 
  
 
ኣብቲ መዛዘሚ መዓልቲ፡ ኣኼባ ስድራ-ቤት ተገይሩ። ነቲ ዝሓለፈ ትምህርቲ ገምጋም ተገይሩሉ። ስድራ-ቤታት በቲ ዝተዋህበ ትምህርቲ ሕጉሳት ከም ዝዀኑ ገሊጾም። ግን ሓደ ግዜ ኣብ ወርሒ ኣዝዩ ውሑድ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ ኪረኽቦም ዚኽእል መምህር ኪግበረሎም፡ እቲ ዝጸንሐ መምህር ከኣ፡ ኪህቦም ዝጸንሐ ኣመሃህራ መታን ከይቋረጾም፡ ገለ ገለ መዓልታት እናመጸ ሓገዙ ኬወፍየሎም ሓቲቶም። 
 
ስድራ-ቤታትን ኣካየድቲ ስራሕን በቲ ዝቐረበ ሓሳባት ተሰማሚዖም፡ ተመሳጊኖም ተፈላልዮም። ቀጻሊ ትምህርቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ኪጅመር ኢዩ።




#Article 7: ብመምህር ፍስሃየ ባህታ (325 words)


ብመምህር ፍስሃየ ባህታ (ወዲ ዓዲ):

ኣንበሳ እቲ  ንጉስ እንስሳ ተባሂሉ ዚጽዋዕ  እንስሳ በረኻ ኢዩ። ቀደም፡ ኣንበሳ ኣብ ኣፍሪቃ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ እስያን ኣብ ገለ ቦታታት ኤውሮጳን'ውን ይነብር ነበረ።   ኣብ'ዚ ዘለናዮ እዋን ግን፡ ኣናብስ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ውሽጢ  እቲ ከይበርስ ተባሂሉ ዝተሓዝአ፡ ሃድን ከኣ ዘይፍቀዶ ቦታታት ጥራይ ኢዮም ዚርከቡ። 
 
 

ተባዕታይ ኣንበሳ እቲ ዝሓየለን ግርማ ዘሎዎን እንስሳ ኢዩ። ሓደ ኣንበሳ፡ ኣብ'ቲ ብጹሕ ዕድመኡ፡ ምስ'ቲ ጽቡቕ ጸጕሩ፡ ኣዝዩ ግርማ ዝመልኦ ትርኢት ኣሎዎ። ሓደ ንእሽቶ -  እቲ 'ሽደን' ኢልና እንጽውዖ'ውን ጸጕራም ኢዩ። ኣንበሳ ኣብ ግዜ እርጋኑ፡ ሕብሩ እናቐየረ፡ ማለት እናጸለመ'ውን ይኸይድ'ዩ። 

ተባዕታይ ኣንበሳ ንውሓቱ ( ካብ ርእሱ ክሳብ ጭራኡ) 2,5 ሜ. ኣቢሉ ይበጽሕ። ቍመቱ  ( ካብ ርእሱ ክሳብ እግሩ)  ከኣ ካብ 1,2 ሜ. ንላዕሊ ኢዩ። ኣንስተይቲ ኣንበሳ (ዋዕሮ) ግን ካብኡ ትንእስ። ክብደቶም ካብ 125 - 250 ኪ.ግ. ኢዩ።
 

ኣናብስ፡ ደቂ ክልተ ዓመት ምስ ኰኑ ኪወልዱ ይኽእሉ። ምልኦ ዋዕሮ ካብ 105 ክሳዕ 112 መዓልታት ኢዩ። ካብ ክልተ ክሳብ ሓሙሽተ ኰራኵር ክትወልድ ትኽእል። ኣብ ከክልተ ዓመት ትወልድ። እዋን ሕርሳ ምስ ኣኸለ፡ ሓደ ምቹእ ቦታ ትመርጽ። እዚ ቦታ'ዚ ጸላእቲ ብቐሊል ዘይረኽቡዎን ጥቓ ማይ ዘሎዎን ኪኸውን ትመርጽ።

ደቃ ኪውለዱ ከለዉ፡ ዓይኖም ኣይርእን'ዩ። ጸጕሮም ከኣ ነቝጣ ነቝጣ ኢዩ። ንኽልተ ኣዋርሕ ካብ ጡብ ኣዲኦም ጥራይ ኢዮም ዚምገቡ። ደቂ ሽዱሽተ ሰሙን ምስ ኰኑ፡ ናብቲ ዚብላዕ ዘሎዎ ቦታ ምስ ኣዲኦም ይስዕቡ። 

ኰራኵር ኣናብስ፡ ሓደ ዓመት ከይገበሩ ኣስናኖም ስለ ዘይድልድል ባዕላቶም ስጋ ኪምንጭቱ ኣይክእሉን ኢዮም። ስለ'ዚ መግቢ ካብ ኣደኦም ኢዮም ዚጽበዩ። ቀስ ብቐስ ግን ከመይ ጌርካ ከም ዚህደን ይምሃሩ እሞ፡ ደቂ 15 ኣዋርሕ ኣቢሎም ምስ ኰኑ፡ ባዕላቶም ነኣሽቱ እንስሳታት ኪሃድኑ ይጅምሩ። ደቂ ክልተ ዓመት ምስ ኰኑ፡ ኣደኦም መሊሳ መላእ ስለ እትኸውን ኪገድፉዋ ኣሎዎም። ገለ ካብተን ኣንስትዮ ደቃ ኪጸንሓ ይፍቀደለን። እቶም ተባዕትዮ ግን ካብቲ ዕስለ ኬልግሱ ይግደዱ።

ኣናብስ ኣብ ግዜ ጸሓይ ዕራርቦ ኢዮም ዚሃድኑ። ኣብ እዋን ቀትሪ ግን ይድቅሱ። ኣናብስ ብለይቲ ናይ ምርኣይ ክእለት ኣሎዎም። ስለ'ዚ ከኣ ብጸልማት ኪሃድኑ ኣይጽገሙን። ተባዕታይ ኣንበሳ ባዕሉ ኣይሃድንን ኢዩ። ምስ ክብደቱ ኣነጻጺርካ ልቡ ንእሽቶ ኢያ። ስለ'ዚ ቍሩብ ምስ ጐየየ ቀልጢፉ ይደክም። እተን ዚሃድና ኣንስትዮ ኢየን። ነቲ ዝተሃድነ ብቐዳምነት ኪበልዖ ዚጅምር ግን እቲ ተባዕታይ ኢዩ። ንሱ፡ በሊዑ ምስ ጸገበ ነተን ኣንስትዮን ደቀነን ኪበልዑ ይፈቕደሎም።




#Article 8: ኣነባብራ (100 words)


ኣነባብራ ኣናብስ ከም ሓደ ዓቢ ስድራ-ቤት ኰይኖም ኢዮም ዚነብሩ። ሓንቲ ጕጅለ ወይ ዕስለ ካብ 20 - 30 ዚዀኑ ኣናብስ ይህልዉዋ። ሓደ ተባዕታይ ጥራይ ከኣ ይህሉዋ።  ኣብ ገሊአን ጕጅለታት ግን ክሳብ ኣርባዕተ ተባዕትዮ ኪርከቡ ይኽእሉ። እዚኣቶም ግን ወይ ኣሕዋት ወይ ከም ኣሕዋት ኰይኖም ዚነብሩ ኢዮም። እቲ መራሒ ግን ኵሉ ግዜ ሓደ ኢዩ። እቶም ካልኦት ናቱ ተኣዘዝቲ ኢዮም።

ኣንበሳ ነቲ ሕዙእ ቦታ ናይ'ታ ወገኑ ኣጽኒዑ ይሕዝ። ካልእ ተባዕታይ ኣንበሳ ኣብ'ቲ ቦታኡ ኪኣቱ ኣይፍቀደሉን። እተን ዋዕሮታት እንተዀና'ውን ካልኦት ዋዕሮታት ኪኣትወአን ኣይፈቕዳን። እንተ ኣትዮሞም ግን ዓቢ ባእሲ ይልዓል። ክሳዕ ዚዳኸሙ ከኣ ይቃለሱ። ሽዑ እቲ ዝሰዓረ ነታ ዕስለ ይውንና፡ እቲ ዝተሳዕረ ኣንበሳ ከኣ ካብኣ ይስጐጕ።




#Article 9: ዓለም-ለኻዊ መዓልቲ ቋንቋ ኣደ ፪፬፬፮ (249 words)


፪፩ የካቲት ዓለም-ለኻዊ መዓልቲ ቋንቋ ኣደ ኢዩ። እዚ መዓልቲ እዚ ብ፩፱፱፱ ብዩነስኮ (UNESCO) ዝተሓንጸጸ ኢዩ። ዕላማኡ፡ ኣብ ዓለም ምሉእ ዘሎ ሰብ ቋንቋኡ ኪጥቀምን ብቋንቋኡ ኪጥቀም ዕድል ኪረክብን ንምትብባዕ ኢዩ።

በዚ ምኽንያት፡ ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት፡ ገለ ቋንቋታት ንኸይጠፍኣ ንምክልኻል፡ ብቛንቋ ኣደኻ ክትምሃር ምእንቲ ኪክኣልን ኣብ መንጎ ብዙሓት ባህልታት ምርድዳእ ኪህሉን ብዜመልክት ዝተፈላለየ መደባት ከቢሩ ይውዕል። 

እዚ ትካል'ዚ ንሻብዓይ ግዜኡ ኢዩ ዜብዕሎ ዘሎ። ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ሽወደን፡ ብዝተፈላልየ መገዲ ከቢሩ ውዒሉ። ከም ኣብነት፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዩልስታ ብዓቢ ድምቀት ከቢሩ ኣምስዩ። 

እዚ በዓል'ዚ ብክልት፫ ተማሃሮ ኢዩ ተኸፊቱ። ሓለቓ ቤት ትምህርቲ ዩልስታ፡ ኤልሳቤጥ ከኣ ነቲ ኣብኡ ዝነበረ ተዓዛቢ፡  እንቋዕ ብደሓን ምጻእኩም። ቤት ትምህርትና፡ ካብ ዝተፈላለየ ወገናት ዓለም ዝመጹን ዝተፈላለየ ቋንቋታት ዚዛረቡን ተመሃሮ ዝሓቘፈ ቤት ትምህርቲ ብምዃኑ ብዙሕ የሐብነናን የሐጕሰናን፡ ስል ዝዀነ ከኣ፡ ነዛ መዓልቲ እዚኣ ከነኽብራ ይግባእ ድሕሪ ምባላ ነቲ መድረኽ ነቶም ነቲ በዓል ዚመርሓ ዝነበራ ተመሃሮ ኣተሓላሊፋትለን። 

ነቲ በዓል ተመሃሮ ጥራይ ዘይኰኑ፡ ወለዶምን ናእሽቱ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን እውን ተኻፊሎሞ። እዚ ብብዙሓት ስድራ-ቤታት ዝደመቐ በዓል፡ ነታ ቤት ትምህርቲ ብፍላይን፡ ንሽወደን ድማ ብሓፈሻኡን፡ ብዝሐ ባህላውያን ገይሩወን ኣምስዩ። ተመሃሮ፡ ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ግጥምታት ነቢቦም።

ነፍሲ ወከፍ ጕጅለ ተመሃሮ ነናይ ሃገሮምን ባህሎምን ሳዕስዒታት ኣብ ዘርአዩሉ እዋን፣ በቶም ጕጅለ ጥራይ ከይተወሰነ፡ ካብ ካልኦት ጕጅለታት'ውን ዘዘሊሎም ናብ ስዕስዒት እናተሓወሱዎም፣ ሓደ ዓቢን ናይ ሓባርን ባህሊ መሲሉ ኣምስዩ። 

ቋንቋ ትግርኛ'ውን ሓንቲ ካብዘን ቋንቋታት እዚኣተን ኰይና ኣምስያ። ተመሃሪት ልዋም ተስፋይ ነዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ግጥሚ ነቢባቶ።ትዕግስቲ ኣብራሃን ልዋም ፍትዊን ከኣ ናብ ቋንቋ ሽወደን ተጒመናኦ። ተመሃሮ ትግርኛ፡ ብቛንቛ ትግርኛ ኪዛረቡን ኪነቡን ከለው፡ ባህላዊ ሳዕሲዒቶም ኪስዕስዑ ከለውን ክትርኢ ኣዝዩ የሐጕስ። ብዝያዳ ንኺምዕብል ግን ሓገዝ ወለዲ የድልዮ።

ወረጃን ሓጎስ ዝመልኦን ምሸት! ኣገናዕ!!!




#Article 10: ብልዋም ተስፋይ (132 words)


ብልዋም ተስፋይ:

ሓደ ግዜ ወኻርያን ራዛን ጐረባብቲ ነበራ። ሓደ መዓልቲ ወኻርያ ንራዛ ኣብ ግዜ ምሳሕ ዓደመታ። ራዛ ከኣ ክትምሳሕ መጸት። ጐራሕ ወኻርያ፡ ጽቡቕ ምሳሕ ኣብ ሓደ ገፊሕን ጸፊሕን ሸሓኒ ቀረበትላ። መስኪነይቲ ራዛ ኣፋ ነዊሕ ስለ ዝዀነ ንምብላዕ ጸገማ። ጐራሕ ወኻርያ ንበይና ንዅሉ እቲ መግቢ በልዓቶ። 

ዝገበረቶ ከየሕፈራ ኸኣ ንራዛ እናላገጸት፡ ፍቕርቲ ጐረበተይ ብዙሕ ስለ ዘይበላዕኪ ሕዝንቲ ኢየ በለታ። 

ራዛ ዘረባኣ ምስ ሰምዐት፡ ኣይኰነን ኣነ ጽቡቕ ምሳሕ በሊዐ፡ የቐንየለይ መሓዛይ። ንስኺ ከኣ ጽባሕ ኣብ ገዛይ ምሳይ ክትምስሒ ዓዲመኪ ኣለኹ በለታ።

ንጽባሒቱ ጐራሕ ወኻርያ ከም ውዕላ ናብ እንዳ ገረቤታ ከደት። ራዛ ከኣ ጽቡቅ ምሳሕ ኣብ ሓደ ነዊሕ ዝኽሳዱ ጥርሙዝ ቀሪባ ኣዳልያ ጸንሓታ። 

መኣዲ ምስ ተቐረበ ራዛ ኣጸቢቓ በልዐት። ወኻርያ ግና ኣፋ ኣልሚጻ ተረፈት። ሽዑ ወኻርያ በደላ ተፈለጣ። ርእሳ ኣድኒና ኣውን ከደት። ራዛ ከኣ ብልባ ከምዚ ኢያ ዝገበርክኒ ኢላ ስቕ በለት።

እዚ እንተረሲዕኩም ሞት ትረስዕኩም።




#Article 11: ብዮሃና ፍስሃየ (117 words)


ብዮሃና ፍስሃየ:

ሓደ መዓልቲ ሓንቲ ማንቲል ካሮቲ ክትደሊ ወጺኣ። 

ሽዑ ሓደ ጐብየ ረኺባ።

ጐብየ - እንታይ ትደልዪ ኣለኺ?

ማንቲለ - ኣይግድሸካን ኢዩ!

ጐብየ - ካሮቲ ምሽ! ክትቅልጥፊ ኣለኪ!

ማንቲለ - ንስኻ ትቕልጥፍ ማለት ድዩ?  ክንወዳደር ጽባሕ ሰዓት ሰለስተ ኣብዚ ንራኸብ።

ጐብየ - ሕራይ!

ንጽባሒቱ ንግሆ ጐብየ ተሲኡ ስፖርት ጌሩ፡ ማንቲለ ግን ደቂሳ ስለ ትስዕር መሲሉዋ። ሰዓት ሰለስተ ምስ ኮነ ተራኺቦም። ማንቲለ ኩለን ትፈልጠን ማንቲለታት ኣምጺኣተን፡ መታን ምስ ደኸመት ክሕግዛኣ። ኩለን ማንቲለታት ድሕሪ ስንጽሮታትን ገረብን ተሓቢአን መታን ጐብየ ከይርእየን።

ተዅላ ነቲ ቅድድም ጀሚሩሎም።

ተዅላ - ሰለስተ! ክልተ! ሓደ! ንቐሉ!

ሽዑ ነቒሎም። ኩለን ማንቲለታት እታ ሓንቲ ማንቲለ ክትመጽእ እናተጸበያ በብተራ ጐየን። ጐብየ ስቕ ኢላ ጐያ ጐያ። ኩለን ማንቲለታት በብተራ ምስ ጐየያ እታ ሓንቲ ጠፊኣ። ሽዑ ጐብየ ሓሊፋተን ከይዳ። ስዒራ!




#Article 12: ድርብ ቋንቋነት (209 words)


ድርብ ቋንቋነት:

ዝበዝሑ ህዝብታት ዓለም ሰብ ድርብ ወይ ብዙሕ ቋንቋ ኢዮም። 

ድርብ ወይ ብዝሐ-ቋንቋ ንውልቀ-ሰብ ይኹን ንሕብረተ-ሰብ ኣዝዩ ጠቓሚ ኢዩ። ካብ ሓደ ሃገር ናብ ካልእ ሃገር ዝቐየሩ ስድራቤታት፡ ቋንቋ ኣደኦም ምስ ዚዕቅቡ ምስ ሃገሮም ርክቦም ኪቕጽሉ ዝቐለል ይዀነሎም። ካብ ከምዚኦም ዓይነት ስድራ-ቤታት ዝተወልዱ ቈልዑ፡ ቋንቋ ስድራኦም ኪዛረቡ ዚኽእሉ ምስ ዝዀኑ፡ ባህሊ ስድራ-ቤቶም ንኺቕበሉ ዝዓበየ ዕድል ኣሎዎም። 

ድርብ ቋንቋ ዘሎዎም ሰባት፡ ጥቕሚ ብዝሐ-ባህልታት ብቐሊሉ የስተ ማቕሩ፡ ሰፊሕ ኣረኣኣያ ዓለም ኪፈጥሩ ከኣ ይኽእሉ።

ቋንቋ ኣደ፡ ንርክብ ኣብ መንጎ ስድራቤታትን ኣዝማድን፡ ንቘልዑ ከኣ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም መንነትን ዝምድናን ርግጸኛታት ኪዀኑን ኣዝዩ ጠቓሚ ኢዩ። 

ኵሎም ቘልዑ ክልተ ወይ ዝያዳ ቋንቋታት ኣብ ሓደ ግዜ ኬጽንዑ ይኽእሉ ኢዮም። ግን ንኽልቲኡ ቋንቋታት ብማዕረ ዚኽእሉዎ ሳሕቲ ኢዩ።

ቈልዓ፡ ንኽልቲኡ ቋንቋታት ብዝለ ዓለ ደረጃ መታን ኬማዕብሎ፡ ሓገዝ ስድራ-ቤትን ቅድመ ትምህ ርትን ቤት ትምህርትን የድሊ። ምስቲ ቘልዓ ርክብ ዘሎዎም ዓበይቲ፡ እቲ ቘልዓ ቋንቋ ኣደኡ ንኺጥቀም ብዝተፈላለየ መንገዲ ኬተባብዑዎን ኪድግፉዎን ኣድላዪ ኢዩ።
 

ቋንቋ ውሑዳን ብምጥቃም- ኣብ ስድራ-ቤታት ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ቦታ መጻወቲ፡ ኣብ ቅድመ ትምህርቲ፡ ኣብ ክፍልን ኣብ ስራሕን - ስድራ ቤታትን መምህራንን ነቲ ቘልዓ ብዝሐ ቋንቋ ምህላው ባህርያዊ ከም ዝዀነ ብጭቡጥ ኬርእዩዎ ይኽእሉ። ድርብ-ቋንቋነት ብዙሕ ኣወንታዊ ነገራት ስለ ዘሎዎ፣መብዛሕትኦም ክልተ ወይ ሓያለ ቋንቋ ዘሎዎም ስድራ-ቤታት ነዞም ቋንቋታት’ዚኣቶም ኬልግሱዎም ኢልካ ምሕሳብ ብፍጹም ዘይክኣል’ዩ።

እቲ ዝተረፈ ሕብረተ-ሰብ፡ ሰባት ብብዙሕ ቋንቋታት ምዝራቦም ብኣወን ታዊ ዓይኒ ምስ ዚርእዮ፣ ምዕባሌ ክልተ ቋንቋ ይቐልል።




#Article 13: ንምዕባለ ቋንቋ ሽወደን ውላደይ (201 words)


ንምዕባለ ቋንቋ ሽወደን ውላደይ:

ብኸመይ ክድግፎ እኽእል?

እቲ ጽቡቕ መሰረት መማዕበሊ ቋንቋ ሽወደን ናይ ሓደ ቈልዓ፡ ጽቡቕ ምትሕብባር ኣብ መንጎ ቅድመ-ትምህርትን ቤት-ትምህርትን ወለድን'ዩ። ቅድመ-ትምህርትን ቤት-ትምህርትን ኣብ ናይቲ ቈልዓ ምምዕባል ቋንቋ ሽወደን ዓቢ ሓላፍነት ኣሎዎ። ስድራቤት’ውን ብዝተፈላለየ መንገዲ፡ ብዝያዳ ኸኣ ኣብ ናይ’ቲ ቈልዓ ስራሕ ትምህርቲ፡ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ብምትብባዕ፡ ኪሕግዙ ይኽእሉ። ዋላ እቶም ወለዲ  ቋንቋ ሽወደን ብዙሕ ዘይክእሉ እንተዀኑ’ውን፣ ኣብ ናይ’ቲ ተመሃራይ ዕዮ-ቤት ኪሕግዙ ይኽእሉ። 

ብዙሓት ወለዲ፡ ደቆም ምስኣቶም ዚጻወቱ ሽወደናውያን መሓዙት እንተዘይብሎም ከመይ ገይሮም ቋንቋ ሽወደን ኪምሃሩ ይኽእሉ ዚብል ሕቶ ኣሎዎም። ወለዲ ኪሓስቡለን ዘሎዎም ብውሑድ ክልተ ነጥብታት ኣለዋ። እታ ቀዳመይቲ፡ እቲ ቈልዓ ብዝተፈላለየ መንገዲ ሽወደን ዚዛረቡ ሰባት ኪረኽበሉ ዚኽእል ዕድላት ኪርከበሉ፤ እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ከኣ፡ እቲ ቈልዓ ምስ ካልኦት መሓዙትን ዓበይትን - ቋንቋኦም ሽወደን ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ - ቋንቋ ሽወደን ኪጥቀመሉ ዚኽእል ዕድላት ኪረክብ ኢዩ። ንኣብነት ወለዲ እቲ ቈልዓ፡ ሽወደን ዚዛረቡ ቈልዑ ኣብ ዚርከቡዎ ምንቅስቓሳት ከም ኵዕሶ እግሪ፡ መዝሙር፡ ሳዕስዒት ወዘተ… ኪካፈል ኬተባብዑዎ የድሊ። 

እታ ካልኣይቲ፡ ነቲ ቈልዓ፡ ኣየናይ ቅድመ-ትምህርትን ቤት-ትምህርትን ከም ዚሰማምዖ ኣብ ግምት ምእታው ኢዩ። እቶም ወለዲ፡ እቶም ኣብ ቅድመ-ትምህርትን ቤት-ትምህርትን ዘለዉ መምህራን፡ ሰፊሕ ፍልጠትን ንቕሓትን ናይ ምዕባለ ድርብ ቋንቋ፡ ትምህርቲ ካልኣይ ቋንቋን ቈልዑ ንኻልኣይ ቋንቋ ከመይ ከም ዚምሃሩን ዚፈልጡ ኪዀኑ ኪጠልቡ መሰል ኣሎዎም። ከምኡ’ውን ወለዲ፡ መምህራን ንናይ ደቆም ቋንቋ ኣደን ሽወ ደንን ብዜማዕብል መንገዲ ዚሰርሑ ኪዀኑ ኪጠልቡ መሰል ኣሎዎም።




#Article 14: ውላደይ ኣብ ቅድመ-ትምህርቲ ምዝራብ እንተ (113 words)


ውላደይ ኣብ ቅድመ-ትምህርቲ ምዝራብ እንተ:

ኣቋረጾ፡ እንታይ ክገብር?

ቍሩብ ጽንሕ በል እሞ ተዓዘብ። ኣብ ገለ እዋን፡ ቈልዑ ኣብ’ቲ ቋንቋ ኣደኦም ዘይዝውተሮ ቅድመ ትምህርቲ ምስ ጀመሩ፡ “እዋን ስቕታ” ተባሂሉ ዚጽዋዕ ተረኽቦ የጋጥም ኢዩ። እቲ ቈልዓ ኸኣ ንነዊሕ እዋን ብሽወደን ሓንቲ ቃል እኳ ኣየውጽእን። ኣብ’ዚ እዋን”ዚ፡ ብኻልእ ኵነታቶም፡ ቅሱናት፣ ብኻልእ ኣገባብ ድማ ሓሳባቶም ዚገልጹ - ንኣብነት ንዝደለዩዎ እናኣርኣዩን እናኣመልከቱን -  ኣብ ቤቶም ከኣ ብቋንቋ ኣደኦም ምዝራብ እንተ ዘየቋሪጾም፣ ጸገም የለን ማለት’ዩ። ቅልጡፍ ምልክት እኳ እንተ ዘይተራእየ፡ ኵሉ ግዜ ፍልጠት ናይ’ቲ ሓዲሽ ቋንቋ እናኣዋህለሉ ኢዮም ዚኸዱ። ቈልዑ ድሕሪ’ቲ “እዋን ስቕታ”፡ እኹል ፍልጠት ናይ’ቲ ሓዲሽ ቋንቋ ምስ ኣዋህለሉ ኢዮም ኪዛረቡ ዚጅምሩ። ብዝዀነ ነኣሽቱ ቈልዑ፡ ቋንቋ ኣደኦም ኣብ ቤት ትምህርቲ ቅቡልን ዚዝረበሉን ምዃኑ ምስ ተዓዘቡ ኢዮም ፍዅስ ዚብለሎም።




#Article 15: ውላደይ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ንቋንቋ-ኣደ (252 words)


ውላደይ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ንቋንቋ-ኣደ:

ከም ዓይነት ትምህርቲ ኪምሃሮዶ?

ምርምር ከም ዜርእዮ፡ ብቛንቋ ኣደኦም ምንባብን ምጽሓፍን ተማሂሮም ዝጸንሑ ሰብ ድርበ-ቋንቋ ቈልዑ፡ ነቲ ቋንቋኦም ምምዕባሉን ምዕቃቡን ይቐለሎም። ኵሎም ቈልዑ በቲ ዝሓየለ ቋንቋኦም ኬንብቡን ኪጽሕፉን እንተ ዚምሃሩ እቲ ዝበለጸ ምዀነ። እዚ ኸኣ ቋንቋ ኣደኦም’ዩ። ብሓደ ቋንቋ ምንባብን ምጽሓፍን ምኽኣል፡ ካልእ ቋንቋ ከተንብብ ንምምሃር ዝቐለለ ይኸውን። ቈልዑ ኣብ ሓደ እዋን ሓያለ ቋንቋታት ምንባብን ምጽሓፍን ኪምሃሩ’ውን ይኽእሉ’ዮም። ኣብቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዚውሃብ ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ፡ ቈልዓ ብቛንቋ ኣደኡ ምንባብን ምጽሓፍን ናይ ምምሃር ተኽእሎ ኣሎዎ። ንኣብነት ደብዳበ ብምጽሓፍን፡ መጻሕ ፍቲ ይኹን ካልኦት ጽሑፋት ብምንባብን፡ ርክብ ምስ መበቈል ሃገሩ ኪቕጽልን ኬዛይድን ይኽእል። 

ቈልዓ ኣብ ቤት ትምህርቱ መሰል ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ኣሎዎ። ሓደ ጕጅለ ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ንምምስራት፡ ኣብ ዞባኦም ብውሑድ ሓሙሽተ ተመሃሮ ኪህልዉ ኣሎዎም። ሓደ ቋንቋ ዘሎዎም ቈልዑ ኣብ በበይነን ኣብያተ ትምህርቲ ዚምሃሩ እንተ ዀይኖም፣ ኣብ’ቲ ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ዚውሃበሉ ግዜ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ይእከቡ። እቲ ትምህርቲ ብነጻ ድሌት’ዩ ዚውሃብ፤ ስለዚ ወለዲ ውላዶም ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ኪምሃር ዚደልዩ እንተዀይኖም፡ ንቤት ትምህርቲ ኬመልክቱ ኣሎዎም። እቲ ቈልዓ ቋንቋ ሽወደን ኣጸቢቑ ዘይመልኽ ምስ ዚኸውን፡ ብቛንቋ ኣደኡ ሓገዝ ትምህርቲ ኪረክብ መሰል ኣሎዎ። እዚ ማለት ድማ፡ እቲ ቈልዓ ኣብ በበይኑ ዓይነታት ትምህርቲ ብመምህር ቋንቋ-ኣደኡ ሓገዝ ይረክብ ማለት ኢዩ። መምህር፡ ንትሕዝቶ ናይ’ቲ መማህ ርቱ ዚምሃሩዎ ትምህርቲ፡ ብቛንቋ ኣደኡ የረድኦን ኣብ መጽናዕቱ ይሕግዞን።  ነቲ ቈልዓ ሓገዝ ትምህርቲ ብቛንቋ ኣደኡ ዜድልዮ እንተ ዀይኑ እቲ ቤት ትምህርቲ ይውስን።  

ቋንቋ ኣደ ብኻልእ ኣገባብ’ውን ክትምሃሮ ይክኣል’ዩ። ንዚውሃቡ ኣገልግሎታትን እንታይ ማለት ምዃኖም ንምፍላጥን ንቤት ትምህርቲ ኪሕተት ይክኣል። 

ንገለ ጕጅለ ቋንቋታትን ኣብ ገለ ቦታታትን ብመልክዕ ድርበ-ቋንቋዊ ክፍልታት ወይ ናብ ሓደ ቋንቋ ዘድሃበ ነጻ ቤት ትምህርቲ፡ ድርበ- ቋንቋዊ ትምህርቲ ንምምራጽ ተኽእሎ ኣሎ።




#Article 16: ገለ መግለጽታት ቃላት (178 words)


ገለ መግለጽታት ቃላት:

ካልኣይ ቋንቋ - እቲ/እቶም ድሕሪ ቀዳማይ ቋንቋ ዚውሃብ/ቡ ቋንቋ/ታት ኢዩ/ዮም። ኣብ መንጎ ቀዳማይን ካልኣይን ቋንቋ ዘሎ ዶብ ንምፍላይ ኵሉግዜ ቀሊል ኣይኰነን። ገና ብቘልዓኡ ተወሳኺ ቋንቋ ንዝተማህረ ቈልዓ ብዚምልከት፡ እቲ ቘልዓ ክልተ ቀዳሞት ቋንቋታት ኣሎዎ ኪብሃል ይክኣል።
 

ቀዳማይ ቋንቋ - እቲ/እቶም መጀመርታ እቲ ቘልዓ ዚምሃሮ/ም ቋንቋ/ ታት ኢዩ/ዮም።
 

ቋንቋ ሃገር - እዚ ኣምር’ዚ፡ ምስ’ቲ ብ1977 ኪትኣታተው ዝጀመረ ጽገና ቋንቋ-ሃገር ዝተባህለ ተተሓሒዙ ዝቘመ’ዩ። ትምህርቲ ቋንቋ-ሃገር ሕጂ ትምህርቲ ቋንቋ-ኣደ ተባሂሉ ይጽዋዕ ኣሎ። ሓደ ካብ ወለዲ ወይ መጕ ዚት፡ ቋንቋ-ኣደኦም ዘይሽወደን ምስ ዚኸውን፣ እሞ መዓልታዊ ምስ ውላ ዶም በቲ ቛንቋ’ቲ ዚዛረቡ ምስ ዚዀኑ፣ ቈልዑ ትምህርቲ ቋንቋ-ኣደ ኪወስዱ መሰል ኣሎዎም።
 

ቋንቋ ብዙሓን - እቲ ዝዓበየን ዓብላልን ቋንቋ ናይ’ታ ሃገር። ኣብ ሽወ ደን ቋንቋ ሽወደን’ዩ ቋንቋ-ብዙሓን።
 

ቋንቋ ውሑዳን - እቶም ብገለ ክፋላት ናይ’ቲ ህዝቢ ዚዝረቡ ቋንቋታት። ኣብ ሽወደን ሓሙሽተ ወግዓውያን ቋንቋታት-ውሑዳን ውሽጢ-ሃገር ኣለዉ፡- ፊንላንዳዊ፡ ዪዲሽ፡ መአንኬሊ፡ ሮማኒ ቺብ፡ ሳሚ። ካልኦት፡ ሓደስቲ እታው ዚዛረቡሎም፡ ኣዝዮም ብዙሓት ቋንቋታት-ውሑዳን፡ ከም ዓረብ፡ ዳንማርክ፡ ኩርድ፡ ፐርስያዊ፡ ቱርኪ፡ ሶማል ዝኣመሰሉ ድማ'ለዉ። 
 

ቋንቋ ኣደ - ሰፊሕ ኣምር ኰይኑ፣ ኣውራ ግን እቲ/ቶም ኣብ ቤት ዚጽ ናዕ/ንዑ ቀዳማይ/ሞት ቋንቋ/ታት ማለት’ዩ።

 

ድርብ ቋንቋነት - ንኽልተ ወይ ዝያዳ ቋንቋታት፡ ብድምር ንምግላጽ እንጥቀመሉ’ዩ።




#Article 17: ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ (144 words)


ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ:

ትምህርቲ ብቛንቋ ኣደ ኣብ መባእታ፡ ሳላ'ቲ ኣብ ሜዳ ንጡፍ ዓውደ መጽናዕቲ ድሕሪ ምግባር ኪካየድ ዝጸንሐ ኣመሃህራ፡ ድሕሪ ናጽነት ክንሰርሐሉ ዋላ ሽግር ኣየጋጠመን። ካብ 93 - 95 ተሰሪሑሉ። ደሓር ዋሕዲ ሰብ ኣጋጢሙ፡ ደስኪሉ ምስ ጸንሐ፡ ብቛንቋ ኣደ መምህራን ዚዀኑ ንምስልጣን፡ ዓስራይ ክፍሊ ዝወድኡ ዜድሊ ክእለትን ጠባይን ዘማልኡ ተመሃሮ ብምምራጽ፡ ናብዚ ተቐቢልና ነቲ ኣብ መባእታ ዚጠቕሞም ኣገባብ ኣመሃህራ እናመሃርና፡ ምስኡ ድማ ንማትሪክ ንምድላው ዚጥቀሙሉ ትምህርቲ እናሃብና፡ ክንዕወተሉ ክኢልና። ኣብ ርእሲ ካልእ ትምህርቶም፡ (ብፊደላት ላቲን ነንቛንቋኦም) ናይ'ቲ ኪምህሩሉ ዚዳለዉሉ ዘለዉ ቋንቋ ኣደ ይምሃሩ። 

ኣብዚ እዋን'ዚ ምስልጣን መምህራን ኣብ ክልተ ኣብያተ ትምህርቲ ተኸፊሉ፡- 

እቲ ሓደ ተመሃሮ 10ይ ክፍሊ ወዲኦም ዚኣትዉዎ ኣብ ማይ ነፍሒ ዚርከብ በቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ኣገባብ ዚምሃሩ፡ ዝተፈላለዩ ቋንቋ ኣደ ዚምህሩ መምህራን ዚስልጥኑሉ፡ 

እቲ ካልኣይ ድማ ብሄሮም ኰነ ቋንቋ ኣዲኦም ብዘየገድስ፡ 11 ክፍሊ ወዲኦም ዚኣትዉዎ ኣብ ኣስመራ ዚርከብ ቤት ትምህርቲ ኢዮም።

ንዝሓትተናዮ ምኽሪ መም. መብርህቱ ከምዚ ይብል፡-

ሓጋይ - ክረምቲ

ሓግዙኒ ሊቃውንቲ!




#Article 18: ኣስዒቡዎ ዘሎ ምግጫው-ትርጉም ኣብ ወጻእን ኣብ ሃገርናን (237 words)


ኣስዒቡዎ ዘሎ ምግጫው-ትርጉም ኣብ ወጻእን ኣብ ሃገርናን:

እዘን ክልተ በቀማምጣአን ኣንጻር ዝዀና ክፍለ-ዓመታት'ዚኣተን፣ ኣዋርሓተን ማዕዶ-ማዕዶ፡ ኵነታት ኣየረን ዘይቃረብ ዘይቃዶ፣ ገገዛእ-ርእሳተን ዝኸኣላ በበይነን ምዃነን ንምዝኽኻር ጥራይ ክጽሕፍ። 

ሓጋይ ኣብ ሃገርና ዝሑል፡ ብርሃን መዓልቲ ዚሓጽረሉ፣ ጸልማት ለይቲ ዚነውሐሉ፣ ኣብ ኣዋርሕ ታሕሳስ፡ ጥሪ፡ የካቲት የጋጥም። ክረምቲ ድማ፡ ምዉቕ፡ (ብዘይካ እቲ ዝናብ ኣብ ዚወርደሉ እዋን ዚቕልቀል ግዜያዊ ዛሕሊ) ብርሃን መዓልቲ ዚነውሐሉ፣ ጸልማት ለይቲ ዚሓጽረሉ፣ ኣብ ኣዋርሕ ሰነ፡ ሓምለ፡ ነሓሰ የጋጥም። 

ፈጺሞም ዘይራኸቡ፡ በብሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝተፈላለዩ፣ ምስ ዙረት ዓለምና ኣብ ዙርያ ጸሓይ ኣነጻጺርካ'ሞ፣ ኣብ'ቶም ቀዳሞት ዝረአኻዮም ከዋኽብቲ ከይተረፉ'ውን ኣብ'ቶም ካልኦት ዘይትርእየሉ፣ ንጹር ትርኢትን ኵነትን ዝሓዘሉ ክፍለ-ዓመታት ኢዮም።  ኣብዚ እንፈላለ ኣይመስለንን።

ፍልልይሲ ብገለ መጺኡና'ሎ!!

ብኣቀማምጣ ሓደ ሃገር ኣብ ዓለምና - 

(ደቡባዊ ዶ ሰሜናዊ ንፍቀ-ክቢ)፧

ዶስ ብመስርዕ ኣዋርሕ ፧

ወይስ ብዅነታት ኣየር ፧

ንዚብሉ ሕቶታት ንምምላስ፣ 

ኣብ ክልቲኣተን ንፍቀ-ክብታት ዘለዋ ሃገራት፣ ሳመረንን ዊንተረንን (summer - winter) ኣንጻር ምዃኑ ዚስሕቶ ኣሎ ኢለ ኣይኣምንን። እዚ ምስ ዑደት ምድሪ ኣብ ዙርያ ጸሓይን፡ ምስ ምቕናን ዘንጋን ዝተተሓሓዘ ምዃኑ'ውን ንምዝኽኻር ደኣ እምበር፣ ምጡን ትምህርቲ ጂዎግራፍ ንዘሎዎስ ምርድኡ ኣይጽግምን። ንኣብነት ሳመር ኣብ ኤውሮጳ፡ ዊንተር ኣብ ኣውስትራልያ ይኸውን ማለት'ዩ። ኣብ ኤውሮጳ ሙቐት ዝበዝሐሉን ሰዓታት መዓልቲ ዝነውሐሉን፣ ኣብ ኣውስትራልያ ድማ፡ ዝቘረረን ሰዓታት ለይቲ ዝነውሐሉን እዋን-ዓመት ምዃኑ'ዩ። 

ሃገርና፡ ከም ሃገራት ኤውሮጳ፡ ኣብ ሰሜናዊ ንፍቀ-ክቢ ትርከብ። ኤውሮጳውያን ንሳመር ኪገልጹዎ ከለዉ፡- ሙቐት ዝበዝሐሉን ሰዓታት መዓልቲ ዝነውሐሉን፣ ነዋርሕ ሰነ፡ ሓምለ፡ ነሓሰ ዘጠቓለለን'ዩ ይብሉ። እሞ፡ ኣብ ሃገርና'ውን ሽዑ ሳመር ምዃኑ'ዩ። ግን ከኣ፡ እዘን ኣዋርሕ'ዚኣተን ኣብ ሃገርና ወርሓት ክረምቲ ንብለን። ምስ'ቶም ደቂ ዞባና (ሰሜናዊ ንፍቀ-ክቢ) ሳመርና'ዩ ክንብል ጸኒሕና፣ ምስ ደቂ ሃገርና ክረምትና'ዩ ንብል ማለት'ዩ። ገና ሕጂ'ውን መገድና ኣይሰሓትናን።




#Article 19: ሓሙሻይ ጕባኤ ቴማ ቋንቋ ኣደ (223 words)


ሓሙሻይ ጕባኤ ቴማ ቋንቋ ኣደ:

ሓሙሻይ ኣኼባ መርበብ ቋንቋ ኣደ ካብ ዕለት 28-30 ነሓሰ ኣብ ኣቢስኮ ተኻዪዱ።  ኣቢስኮ ኣብቲ ሰሜናዊ ጫፍ ሽወደን ትርከብ። ኣብዚ እቶም ሳመ ዚብሃሉ፡ ሰበኽ ሳግም ሽወደና ውያን ይነብሩ። እዚ ኣኼባ'ዚ ካብ ምሉእ ሽወደን ዝመጹ መምህራን ቋንቋ ኣደን ሓለፍቶምን 80 ዚዀኑ ተኻፈልቲ ነይሮምዎ። ብዝሒ መርበብ ቋንቋ ኣደ ክሳዕ ሕጂ 30 በጺሑ ኣሎ። ንኺበዝሕ መደብ ኣሎ።

ኣብ'ዚ ናይ ሰለስተ መዓልታት ኣኼባ'ዚ፡ ምልውዋጥ ዝተዋህለለ ተኽእሎታት ተኻዪዱ። ሓለፍቲ መርበባት ዝገበሩዎ ሓደስቲ ምዕባለታት ኣርእዮም። ኣብ ርእሲ'ዚ ብዛዕባ ዘሎ ኵነታትት ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ኣብ ኵሉ ደረጃታት፡ ካብ መዋእለ ሕጻናት ጀሚርካን መምህራን ቋንቋ ኣደን ተዘትዩ። 

ወከልቲ ሃገራዊ ምምዕባል ትምህርቲ ማይ በየርን ማትስ ቨነርሆልምን ብዛዕባ እዚ መርበብ ቋንቋ ኣደ በጺሑዎ ዘሎን፡ ዚህቦ ጥቕምን ብዙሓት በጻሕቲ ከም ዘሎዉዎን ብዛዕባ እቲ ተሓሲቡ ዘሎ ባጀታዊ ምምሕያሻትን ኣብ ምንታይ ኪውዕል ከምዚዀነን ሓቢሮም። ሓደ ካብኡ፡ መምህራን ቋንቋ ኣደ፡ ፍልጠቶም ሓፍ ንኼብሉን ብቛንቋ ኣደ ዝዀነ ዓይነት ትምህርቲ ኪምህሩ ኪኽእሉን ዝተፈላለየ ኮርስታት ኪወሃቦም ኢዩ።

ብተወሳኺ፡ ተኻፈቲ፡ ብዛዕባ ላፕላንድን (ሰሜናዊ ወገን ሽወደን) መነባብሮ ኣብኡ ዚነብሩ፡ ሳመ ዚብሃሉ ህዝብን ሓበሬታ ተዋሂቦም። እዞም ህዝቢ እዚኦም ብምጕሳይ ሸውዓተ ቀርኑ ዚነብሩ ሰበኽ ሳግም ኢዮም።

እቲ ኣኼባ ዕዉት ነይሩ። ትካል ሃገራዊ ምምዕባል ትምህርቲ፡ ኣብ ምምዕባል ፍልጠት ተመሃሮን መምህራንን ዚውዕል ካብ መንግስቲ ብዙሕ ገንዘብ ተሰሊዑሉ ኣሎ። በቲ ዚግባእ ኪጥቀሙሉ ምዃኖም ድማ ሓቢሮም። መምህራን ቋንቋ ኣደ፡ ነዚ ዚመጽእ ዘሎ ዕድላት ኪከታተሉዎን ኪጥቀሙሉን ዓቢ ትጽቢት ይግበረሎም።

መርበብ ቋንቋ ኣደ ትግርኛ ኣብ'ዚ ኣኼባ'ዚ ዚካፈል ዘሎ ንራብዓይ ግዚኡ ኢዩ።

ስእላዊ መግለጺ ገለ ካብ'ቲ ዝነበረ ንጥፈታት፡-




#Article 20: ሶፍትዌር ምህንድስና (205 words)


ሶፍትዌር ምህንድስና

፫ ሓምለ ፳፻፱

                                                                
ክዊክሶርት / Quicksort  

ኣብ ስነ-ኮምፒተር እቲ ክዊክሶርት ኣገባብ ሓደ ካብቶም ዝቀልጠፉ ኣገባባት እዩ
ሓደ ዓውዲ (Array) ንምስራዕ።
እቲ ዓውዲ ዘይስሩዕ ቁጽሪታት ወይ ከኣ ካልእ ትሕዝቶ ክህልዎ ይኽእል።

መፍትሒ ናይ ክዊክሶርት እቲ ክልሰ-ሓሳብ „መቀለ ድሓር ሰፈነ“ (= divide and conquer) እዩ። ቅድም ነቲ ዓቢ ሽግር ኣብ ንኣሽቱ ሽግራት ትመቅሎ፣ ድሓር ነቶም ንኣሽቱ ሽግራት ንምፍታሕ ይቀልል እዩ። ሽዑ ስጉም ብስጉም ነቲ ዓቢ ሽግር ትፈትሖ ማለት እዩ። ስለዚ ከኣ እዚ ኣገባብ „መቀለ ድሓር ሰፈነ“ ይበሃል፥ 

ሓደ ባእታ ካብቲ ዓውዲ ትወስድ (ኣየናይ ባእታ ከምትወስድ ኣገዳሲ ኣይኮነን) ነቲ ዓውዲ ምእንቲ ኣብ መኣከሉ ክትመቅሎ። 
ድሓር ነቶም ካልኦት ካብቲ ቀንዲ ባእታ ዝንእሱ ባእታታት ኣብ ጸጋም ትገብሮም፣ 
ነቶም ካልኦት ካብቲ ቀንዲ ባእታ ዝዓበዩ ባእታታት ኣብ የማን ትገብሮም። 
ድሓር ልክዕ ነዚ ዕማም ትደግሞ፣ ነቲ ሓድሽ ዝወጸ ክፋል ናይቲ ዓውዲ ትመቅሎ፣ ሽዑ ነቲ ሓድሽ ክፋል ትሰርዖ።
ድሓር ሙሉእ ዓውዲ ምስ ሰርዓኻ፡ እቶም ባእታታት ኣብቲ ዓውዲ (ትሕዝቶ ዓውዲ) ኩሎም ተሰሪዖም ኣለው። 

እዚ’ቲ ቀንዲ ሽጣራ ናይቲ ክዊክሶርት ኣገባብ እዩ።
ነቲ ክልሰ-ሓሳብ „መቀለ ድሓር ሰፈነ“ ኣብ ብዙሕ ዝተፋላለዩ ነገራት ኣብ ውሽጢ ሶፍትዌር ወይ ስነ-ኮምፒተር ይጥቀምሉ እዩ።

ኣብ ውሽጢ’ቲ ፕሮግራም ወይ ኮውድ ሕሳባዊ ፍልጠት ከኣ ክህልወካ ኣለዎ።
ስነ-ሎምፒተር ብዘይ ሕሳብ ሙት እዩ።

መብርሂ ናይ ክዊክሶርት፥

እቲ ዝስዕብ ኣገባብ (= function) ነቲ ቀንዲ ባእታ ይደሊ፣ 
ነቲ ዓውዲ (files[ ]) ከኣ ይመቅሎ፥

ቀንዲ ባእታ = Pivot 




#Article 21: ነብርን ወኻርያን (3977 words)


ኣሰላሙዓለይኩም ወራሕመቱላሂ ወበረካትሁ!!

ዓቒዳ/እምነት

ፍትዋት ሙእሚኒን የሕዋተይ ሎምዓንቲ መሰረታውያን ዓንድታት እምነት (ኢማን) ኣብ እስልምና ክንርኢ ኢና፣ እቶም እምነ-ኩርናዕ እስልምና ዝኾኑ ሽዱሽተ ዓንድታት እምነት እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፥
እምነት ብሓደ ኣላህ
እምነት ብመላእኽቱ
እምነት ብመጻሕፍቱ
እምነት ብልኡኻቱ (ነቢያቱ) 
እምነት ብመወዳእታ መዓልቲ (ብህይወት ድሕሪ ሞት)
ከምኡ ድማ እምነት ብቕድመ-ድንጋጌ (ሕማቕን ጽቡቕን ኩሉ ብፍቓድ ኣላህ ከም ዝፍጸም ምእማን ዝብሉ ኢዮም፣) ቀጺልና ሓደ ብሓደ ንርኣዮም፥

እቲ ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ዘመሓላለፎ ቀንድን መሰረታውን ምህሮ “እምነት ኣብ ሓደነት ኣላህ” ኢዩ፣ እዚ ኣምር’ዚ ብኢስላማዊ ቛንቛ “ተውሒድ” ተባሂሉ ይፍለጥ፣ እምነ-ኩርናዕ ናይ ድሕነት ካብ ጀሃነም ድማ ኢዩ፣ ሓደነታዊ ኣምልኾ ኣላህ ክበሃል ከሎ ንኣላህ ብዘይ ዝኾነ ዓይነት ወሰኽ ንውልቁ ምምላኽ ማለት ኮይኑ፤ “ ኢስላማዊ ከሊማህ ” ተባሂሉ ድማ ይፍለጥ።

ኢስላማዊ ከሊማ ነቲ “ላኢላሃ ኢላ’ላህ” ዝብል ኣምር ዝውክል ኮይኑ፡ ብትግርኛ ክንትርግሞ ከለና፡ “ብዘይካ ሓደ ኣላህ ካልእ ኣምላኽ የለን” ማለት ኢዩ፣ እዛ ምዕርግቲ ሓረግ እዚኣ ዓንዲ ሕቖ ናይ እስልምና እያ፣ እዛ ከሊማ እዚኣ ከኣ ንእምነትን ክሕደትን ኣላህ ብንጹር እትፈሊ ዶብ’ያ ክትበሃል ትከኣል፣ በዛ ኢስላማዊት ከሊማ ብምእማን ኣብ ዓለምን ድሕሪ ሞት ዘሎ ህይወትን ዓወት ምጉንጻፍ ይከኣል፣ ነዚኣ ኣዝያ ውቕብቲን ረዛንን ሓረግ ምንጻግ ድማ ብዓቢኡ ነቲ ዘልኣለማዊ ህይወት ምኽሳርን ኣብ ገሃነም-እሳት ምንባርን የኸትል፡

እዛ ከሊማ ንእምነትን ክሕደትን እትፈላሊ ዶብ’ያ ካብ በልናያ፡ ብዘይ ኣፍልጦ “ለለ…” ናይ ዝበልካ ግን ኣይኮንን፣ ነቲ ሰረተ-እምነት ብንቕሓት ምቕባልን ኣብ ግብራዊ ህይወትካ ብምልኣት ምስዓብን የድሊ፣ ምኽንያቱ “መግቢ” “መግቢ” ኢልካ ብቃልካ ናይ ዝደጋገምካ ጥራሕ ጥምየትካ ኣይዕንገልን ኢዩ፣ ወይ ስም መድሃኒት ፈውስኻ ብቃልካ ብምጥቃስ ጥራሕ ካብ ሕማምካ ክትሓዊ ኣይትኽእልን ኢኻ፣ ብተመሳሳሊ እዛ ከሊማህ እዚኣ ጽቡቕ ጌርካ ክሳዕ ዘይተረዳእካያ እቲ ዘድሊ ለውጢ ኣብ ህይወትካ ከተምጻልካ ኣይትኽእልን ኢያ፣ ለውጢ ክመጽእ ዝኽእል ንሙሉእ ትርጉም ናይቲ ሰረተ-እምነት ብምጭባጥ ብቃልን መንፈስን ምስ እትትግብሮ ጥራሕ ኢዩ።

ሓዊ ከም ዘቃጽል ስለ እንፈልጥ ካብኡ ንርሕቕ፣ መርዚ ከምዝቐትል ስለ እንርዳእ ካብኡ ንኽልከል፣ ብተመሳሳሊ ንተውሒድ (ኣምልኾ ሓደ ኣላህ) ብግቡእ ብምርዳእ፤ ክሕደት፡ ኢ-ዚሄርነትን ብዙሐ-ዚሄርነትን ከነወግድ ንኽእል፣ ዝርዝራዊ ትርጉም ኢስላማዊ ከሊማህ ብቋንቛ ዓረብኛ “ኢላህ” ማለት እቲ ኣምልኾ ወይ መግዛእቲ ዝግበኦ ማለት ኢዩ፣ ኣላህ ድማ ውልቃዊ ስም ናይ ኣምላኽ ኢዩ፣ በቲ ደርማሳዊ ሓይሉን ዕብየቱን ተደሪኽና ብትእዛዙ መሰረት ብትሕትና ንሰግድን ንምብርኸኽን፣ ኢላህ ዝብል ኣምር ነቲ ዘይጽንቀቕ ሓይሊ ዘለዎ ጎይታ ዘመልክት ኮይኑ፡ ኩሉ ፍጡር ዘበለ ናብኡ ይጽጋዕን ይምርኮስን፣ ንዑኡ ግን ናይ ዝኾነ ኣካል ደገፍ ኣየድልዮን፣ ነቲ ኢላህ ዝብል ኣምር ዝእምቱ ኣብ ካልኦት ቋንቋታት’ውን ይንጸባረቁ ኢዮም።

ንኣብነት ብ ቋንቋ ፐርሺያ “ኩሑዳ”፡ ብህንዲ “ደቫ”፡ “ጋድ” ድማ ብእንግሊዘኛ።
ኣብ ታሪኽ ደቂስብን ጥንታዊ ቅርስታትን ተሞርኪስና ምስ እንምርምር፡ ኩሎም እቶም ዝሓለፉ ኣህዛብ ዘምልኽዎ ኣምላኽ ወይ ኣማልኽቲ ነይርዎም ኢዩ፣ ካብቲ ድሑር ዝበሃል ፍልማዊ ሕብረተሰብ ክሳዕ እዚ ሕጂ ዘለናዮ ኣመና ዝሰልጠነ ሕብረተሰብ። ነናቱ ዝኣምነሉ ኣምላኽ/ኣማልኽቲ ዘይነበሮ የለን፣ ንሓደ ነገር ኣምላኽካ ጌርካ ንዑኡ ምስጋድ ካብ ጥንቲ ምስ ውሽጣዊ ባህሪ ወዲሰብ ተተሓሒዙ ክኸይድ ዝጸነሐ ኢዩ፣ ከምኡ ክገብር ዝድርኾ ኣብ ውሽጣዊ መንፈሱ ገለ ነገር ከምዘሎ ኢዩ ብተመራመርቲ ዝሕበር።

ካብቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮ ተበጊስና ሓደ ሕቶ ክንሓትት ንኽእል፣ እቲ ጥንታዊ ወዲሰብ ዘምልኾ ኣምላኽ ንኽገብር ዝገብሮ ዝነበረ ውሽጣዊ ድሪኺት እንታይ ኮን ነይሩ ይኸውን?

ሎሚ ቦታ ወዲሰብ ምስቲ ተመራመርቲ መጀመርታን መወዳእታን ዘይብሉ ኢሎም ዝገልጽዎ ኣዝዩ ሰፊሕ ኣድማስ ብምንጽጻር እንተሪኢናዮ እቲ መልሲ ብሩህ ይኸውን፣ ወዲሰብ ይኹን ባህሪ ፍጹማት ኣይኮኑን፣ ሰብ ሓይሉ ውሱን፡ ድኹም፡ ድኻን በተኽን ኢዩ፣ ነታ ናብርኡ ጥራሕ ኣብ ኣዝዩ ብዙሕ ረቛሒታት ይሙርኮስ፣ እዞም ንናብርኡ ዘገድሱ መሰረታውያን ነገራት ንባዕሎም ኣብ ሓደ ግዜ ክርከቡ ኣይክእሉን፣ ምናልባት ሓደ-ሓደ እዋን ብቐሊልን ባህርያውን መንገዲ ኣብ ኢዱ ክኣትዉ ይኽእሉ ይኾኑ፣ ሓደ-ሓደ ግዜ ግን ኣመና ኢዮም ዝሕረምዎ፣ ክረኽቦም ዝቃለስ ኣገደስትን ጠቐምትን ነገራት ብርግጽ ኣለዉ፣ ይኹን’ምበር ኩሉ ኣብ ኢዱ ስለዘይኮነ ሓደ ግዜ ይዕወተሎም ሓደ ግዜ ድማ ይኸስሮም፣ ክከላኸሎም ዘይክእል ኣመና ጎዳእቲ ኣጋጣሚታት ውን ኣለዉ፣ ናይ ሙሉእ ዕድሚኡ ስራሕ ኣብ ሓጸርቲ ካሊእታት ክዓኑ ይኽእል፣ ዕድሉ ኣብ ዘይደልዮን ዘይተጸበዮን ሰዓት ብሃንደበት ሞት ተምጻሉ፣ ብዘይክኡ ሕማም፡ ስቅያትን ባህርያዊ ሓደጋታትን ንሓጎሱ ብምጽራር ይሻመዉዎ፣ ካብዚ ኩሉ ክናገፍ እኳ እንተተቓለሰ ምስ ዓወትን ውድቐትን ኢዩ ዝጋጠም።

ብዕብየቶምን ምዕሩግነቶምን ጥራሕ ዘርዕድዎ፡ ዓበይቲ እምባታት፡ ወሓይዝ፡ ገዘፍቲ እንስሳታትን ብዙሓት ካልኦት ነገራትን ኣለዉ፣ ብምንቅጥቃጥ መሬትን ማዕበላትን ይፍተን፣ ልዕሊኡ ቁሊሕ እንተበለ ድማ ደበናታት ሰማይ እናተኣኻኸቡን እናጸለሙን ከለዉ ይርእዮም፣ ከቢድ ድምጺ ነጎዳን ንጸልማት ዝቐድድ በርቅን ይዕዘብ፣ ዕልቕልቕ ዘኸትል ዝናብ ይመጾ፣ ናብ ጸሓይ፡ ወርሒን ከዋኽብትን ድማ የቃልብ፣ ወትሩ ከኣ ኣብ ርጉእን ቀጻልን ምንቅስቃስ ይረኽቦም፣ ማዕረ ክንደይ ዓበይቲ፡
ሓያላትን ውቁባትን ምኻኖም ይግንዘብ፣ ምስ’ቶም ዝዕዘቦም ኣካላት ባህሪ ብምውድዳር ናቱ ቦታን ዓቅምን ኣዝዩ ንእሽቶ ምዃኑ ኣጸቢቑ ይርዳእ፣
እዞም ክስተታት እዚኦም ብሓደ ሸነኽ፡ ንቕሓቱ ድማ ብኻልእ ሸነኽ ንድኹምነቱ፡ ትሑትነቱን ሓጋዚ ኣልቦነቱን የዘኻኽርዎ፣ ጥንታዊ ሓሳብ ኣምልኾ እምበኣር ካብዚ ምንጪ’ዚ እንተተበገሰ ዘይባህርያዊ ኣይኮነን፣ ኣብቲ መጀመርታ ምንጪ ሓይሊ ናይቶም ብዓይኑ ዝርእዮም ዝጠቕምዎን ዝጎድኡዎን ዓበይቲ ክስተታት ካብ ገዛእ ርእሶም ስለዝመስሎ፡ ነዐኦም ኣማልኽቱ ጌሩ ይወስዶም፣ ስለዝኾነ ንኣግራብ፡ እንስሳታት፡ ወሓይዝ፡ እምባታት፡ እሳት፡ ዝናብ፡ ኣየር (ንፋስ)ን ካልኦት ፍጥረታትን ከምልኽ ጀሚሩ፣ እዚ ብርግጽ እቲ ዝበኣሰ ዓይነት ድንቁርና ኢዩ ነይሩ፣ ምኽንያቱ ዝያዳ ክመራመር ምስ ጀመረ፤ እቶም ስልጣንን ሓይልን ኣለዎም ኢሉ ዝኣመነሎም ዓበይቲ ባህርይውያን ነገራት፤ ኣብ ካልእ ሓይሊ ከምዝሙርኮሱን ንገዛእ ርእሶም ክድግፉ ዓቕሚ ከምዘይብሎምን ከስተውዕል ኪኢሉ ኢዩ።

ምኽንያቱ እቲ ዓብን ሓያልን ዝበሎ እንስሳ ልክዕ ከምቲ ደቂቅ ጀርም ክመውት ከሎ ይርእዮ፣ ዓበይቲ ፈለጋት መሊኦም ዕልቕልቕ ክብሉ ከምዘይጸንሑ ምስ ግዜ ይነጽፉ፣ ፍርያምነት መሬት ኣብ ናታ ቁጽጽር ጥራሕ ዘይሙዃኑ፤ የግዳስ ኣብ ማይ ከምዝሙርኮስ፤ ማይ’ውን ንባዕሉ ኣብ ኣየር ከምዝሙርኮስ፤ ኣየር ድማ ከምኡ ኣብ ካልእ ጠንቂ ከምዝድገፍ ይበርሃሉ።

እቲ ኣብዚ ዝጠቐስናዮ ደረጃ ንቕሓት ዝበጸሐ ሓንጎል ወዲሰብ፤ እቶም ዝሓሰቦም ኣማልኽቲ ካብዘይኮኑ፤ ሓንጎሉ ናብ ካልኦት ተኽእሎታት ክጠውዮ ጀመረ፣ መለኮታዊ ባህሪ ዘለዎም ምስጢራውያን ሓይልታት ንዝተፈላለዩ ክስተታት ክቆጻጸሩ ስልጣን ከምዘለዎም ኣመነ፣ እዚ ካልእ ዓይነት ድንቁርና ብወገኑ ናብ ኣምልኾ ቁጽሪ ዘይብሎም ኣማልኽቲ ኢዩ ርዒሙ፣ “ኣምላኽ ጸሓይ”፡ “ኣምላኽ ወርሒ”፡ “ኣምላኽ ኣየር” ወ.ዘ.ተ.፣ ገሊኦም ድማ ነቲ ዝኣምኑሉ ኣምላኽ ዝውክል ቅርጻ ብምቕራጽ ነቶም ምልክታት ከምልኹ ጀመሩ፣ ገና ሕጂ’ውን እቲ ሓቂ ካብ ዓይኒ ወዲሰብ ተኸዊሉ ተረፈ።

ወዲሰብ ብትምህርትን ምዕባለን እናገስገሰ ክመጽእ ምስ ጀመረ፡ ንከባቢኡን ባህርያዊ ኩነታትን ኣጸቢቁ ክርዳእ ከኣለ፣ ንከባቢኡን ኣድማስን ብሓፈሻ ዝቆጻጸር ሓያል ሕግን ቁጽጽርን ከምዘሎ ድማ ኣመነ፣ ካብቲ ሕጊ ፈልከት ዘይብል ፍጹምን ምዕሩይን ምብራቕን ምዕራብን ጸሓይ፤ ኣብ ንፋሳት፡ ኣብ ዝናብ፡ ኣብ ምንቅስቓስ ከዋኽብትን ለውጥታት ወቕቲታትን፤ ኮታ ኣብ ኩሉ ስርዓታት ዝተፈላለዩ ሓይልታት ብዘደንቕ ውህደት ብሓባር ክዓዩ ከለዉ ተዓዘበ፣ እዚ ኣመና ዓቢን በሊሕን ሓይሊ፤ ንዝተፈላለዩ ጠንቅታት ኣድማስ ኣብ ሓደ ዝተደልየ እዋን ብሓባር ተዋሃሂዶም ብምስራሕ ዝተደልየ ውጺኢት ከተግብሩ ይገብሮም፣ ኩሉ ኣካላት ባህሪ ነቲ ሓደ ላዕለዋይ ሕጊ ተማእዚዙ ብምዕሩይ መንገድን ብዘይምቅይያርን ክኸይድ ዝገብሮ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ከም ዘሎ። ወላ ነቲ ኣብ ብዙሓት ኣማልኽቲ ዝኣምን ሰብ ብሩህ ኮነ።

ኣሰላሙዓለይኩም ወራሕመቱላሂ ወበረካትሁ!!

ዓቒዳ/እምነት 2ይ ክፋል.

እምባኣር ኩቡራት ሙእሚኒን የሕዋተይ ወዲ ሰብ ዋላኳ ነዚ ካብ ኩሉ ዝዓበየ ኣምላኽ ብዝተፈላለየ ኣስማት ይጸውዓዮ ዳኣ’ምበር ካብ ጸላም ድንቁርንኡስ ገና ኣይተላቐቐን።

ምኽንያቱ ምስቲ ዓቢ ኣምላኽ ነቶም ዝተፈላለዩ ነኣሽቱ ኣማልኽቲ ምምላኽ’ውን ኣይቛረጸን፣ እቲ መሎኮታዊ ንግስነት ምስቲ መሬታዊ ንግስነት ሓደ ኢዩ ዝኸውን ኢሉ ገመተ፣ ስለዝኾነ ከምቲ ሓደ መራሒ ዝተፈላለዩ ሚኒስተራት፡ እሙናት መሻርኽቲ፡ ኣማሓደርትን ሰራሕተኛታት ቤት ጽሕፈትን ዝህልውዎ፤ ከምኡ ድማ ኣብ ትሕቲ’ቲ ላዕለዋይ ኣምላኽ ዝዓዩ ዝተፈላለዩ ነኣሽቱ ኣማልኽቲ ኣለዉ በለ፣ ብዘይናቶም ፍቓድን ቡራኴን ድልየቱ ዝረክብ ኮይኑ ስለዘይስመዖ፡ ነዓኣቶም ድማ ብማዕረ ኣምለኾም፣ ፍልጠት እናወሰኸ ብዝኸደ ግን በቶም ብዙሓት ሰብ-ሰርሖ ነኣሽቱ ኣማልኽቲ ዝነበሮ ዕግበት እናጎደለ ከደ፣ ብኡ መጠን ቁጽሪ ናይቶም ዘምልኾም ኣማልኽቲ እናቐነሶም ከደ፣ ኣብ መወዳእታ ነቲ ሓደ ዓቢ ኣምላኽ ጥራሕ ኣትረፈ፣ እዚ ኣብ መወዳእታ ዝማዕበለ ኣምር ኣምላኽ እወንታዊ እኳ እንተመሰለ፡ ገና ተረፍመረፍ ካብ ሕሉፍ ባእታታት ድንቁርና ግን ሓቚፉ ይርከብ፣ ገለ ህዝብታት ኣምላኽ ምስሊ ሰብ ዝሓዘ ኢዩ ይብሉ፣ ገሊኦም ድማ ኣምላኽ ብ ናይ ሰብ መልክዕ ናብ ምሬት መጺኡ ነይሩ፣ ካልኦት ከኣ ኣምላኽ ንኣድማስ ምስ ሃነጸ ኣዝዩ ስለ ዝደኸመ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዕረፍቲ’ዩ ዘሎ ይብሉ።

ካልእ ጉጅለ ድማ ኣምላኽ ብሞንጎኝነት ቁዱሳት ሰባትን መላእኽትን እንተዘይኮይኑ ጾሎትን ምሕጽንታን ኣይሰምዕን፣ ገለ ድማ ባዕሎም ንዝቐረጽዎ ምስሊ ኣምላኽ ኣብ ቅድሚኦም ከይገበሩ ወይ ብእምሮኦም ነቲ ስእሊ ከይሓሰቡ ክጽልዩ ኣይክእሉን፣ ኣብዚ ብምህሮን ሓበሬታን ዝልለ ዘመን ድማ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሓሳባት ገና ብሰፊሑ እናተተግበሩ ይርከቡ ኣለዉ።

ብርግጽ እቲ ጥርዚ ናይ ኣፍልጦ ኣላህ ኢዩ፣ ኣላህ ንኩሎም ነቢያቱ ወይ ልኡኻቱ ብቐንዱ ተውሒድ ከስተምህሩ ኢዩ ልኢኽዎም፣ ኣፍልጦ ተውሒድ ሒዙ መጀመርታ ዝመጸ ኣቦና ኣዳም ነይሩ፣ ተመሳሳሊ መልእኽቲ ነናብ ህዝቦም ከብጽሑ ድማ ነቢይ ኑሕ/ኖህ፡ ኢብራሂም/ኣብራሃም፡ ሙሳ/ሙሴ፡ ዒሳ/ኢየሱስ ክርስቶስ (ናይ ኣላህ ሰላም ኣብ ልዕሊ ኩሎም ይውረድ) ካብ ኣላህ ተላኢኾም መጺኦም፣ ነዚ ትምህርቲ’ዚ ናይ መወዳእታ ቅርጹን መዕለቢኡን ከትሕዞ ድማ ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ደምዳሚ ወይ ዛዛሚ ነብያት ኣላህ ብሙዃን ናብ መላእ ዓለም መጺኡ፣ ጽሩይ፡ ሓቐኛን ፍጹምን ኣምር ኣላህ ድማ ኣመሓላሊፉልና ኣሎ፣ ወዲሰብ ከሓዲ ፈጣሪኡ ዝኸውን ንምህሮ ናይቶም ዝሓለፉ ነቢያት ብምውንዛፍ። ኣብ ናይ ውልቁ ግጉይ ትንተናታት፡ ግምታትን ኣድልዎ ዘለዎ ኣተሮጓጉማን ምስ ዝሙርኮስ ጥራሕ ኢዩ።

ትርጉም ላ ኢላሃ ኢላ’ላህ ኣዝዩ ሰፊሕ ኢዩ። ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገለጸ ግን “ብዘይካ ሓደ ኣላህ ካልእ ኣምላኽ የለን” ተባሂሉ ብሓጺሩ ክትርጎም ይኽእል፣ ስለዝኾነ ብዘይካ ኣላህ ሓደ’ኳ ፍጡር ወዲሰብ ይኹን ማተርያላዊ ነገር፡ ንክምለኽ ዝግበኦ መለኮታዊ ሓይልን ስልጣንን ዝውንን የልቦን፣ ኩሉ ፍጡር ዘበለ ጎደሎን ዘይሙሉእን ኢዩ፣ እቲ ክንኣምነሉ ዘለና ሓደ ኣምላኽ ግን ፍጹም ኢዩ፣ ንሱ መለኮታዊ መለለይታት ይውንን፣ ኣዛዚ ናይ ኩሎም ክስተታት ድማ ኢዩ።

ፈጣሪ ናይዚ ምዕሩግን ሰፊሕን ኣድማስ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ሓጋጊ ስርዓት ባህርን ተቖጻጻሪኡን ኣማሓዳሪኡን’ውን ኢዩ፣ ምስዚ ጎይታ ኩሉ እንርእዮን ዘይንርእዮን ዘበለ ፈጣሪ ዝዳረግ ሓደ’ኳ የለን፣ ኣብ ሞሎኮታውነቱ ዝኾነ መሻርኽቲ የብሉን፣ ነዚ ኣምላኽ’ዚ ኢና ንሕና ኣመንቲ እስልምና “ኣላህ” ንብሎ።

ብርግጽ ብዘይኩኡ ካልእ ኣምልኽ ብፍጹም የለን፣ ጽልዋ ተውሒድ ኣብ መነባብሮ ወድሰብ
እስከ ሕጂ ቀጺልና ጽልዋ ናይዛ መሰረት እምነት እስልምና ዝኾነት ሓረግ ማለት “ላ ኢላሃ ኢላ’ላህ” ነስተውዕል፣ ብኣ ዝኣመነ ኣብ ዓለማዊ ህይወቱን ኣብቲ ድሕሪ ሞት ዘሎ ዘልኣለማዊ ህይወትን ዕዉት ኢዩ፣ በንጻሩ ካብቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ወጻኢ ንካልእ ዘምለኸ ግን ክሳርኡ ኣብ ዓለም ጥራሕ ኣይኮነን።

ሓልዮቱን ኣገልግሎታቱን ንሓደ ጸቢብ ጉጅለ ጥራሕ ዝጠመተ ኣይኮነን። ኣጠማምቱኡ ዓቢ፡ ደረት ንቕሓቱን ፍልጠቱን ድማ ከምቲ ንግስነት ኣላህ/ ኣምላኽ ሰፊሕ ኢዩ፣ እዚ ብልጫ’ዚ እቶም ጠቕላላ ኣብ ኣምላኽ ዘይኣምኑ፡ ኣብ ብዙሓት ኣማልኽቲ ዝኣምኑን ኣብ ካልኦት ፍጡራት ኣካላት ዝኣምኑን ክረኽብዎ ዘይክእሉ ዓቢ ብልጫ ኢዩ።

ኩሉ ሓይሊ ምዃኑ ስለ ዝኣምን፡ ካብኡ ወጻኢ ረብሓታቱ ከይክልክሉሉ ወይ ከይጎድእዎ ዝፈርሖም ኣካላት የብሉን፣ ሽሻይ ዝህብን ዝኸልእን፡ ህይወት ዝሰኩዕን ህይወት ዝወስድን ሓደ ኣላህ ምዃኑ ኣንዳዕዲዑ ስለ ዝርዳእ፡ ብፍርሒ ዝሰግደሉን ዝመሻኸነሉን ሰብ ይኹን ካልእ ፍጡር የልቦን። 

ንጸሎት የእዳዉ ናብ ኣላህ ጥራሕ እንተዘይኮይኑ ናብ መላእኽቲ ይኹኑ ካልኦት ቅዱሳት ሰባት ኣይዝርግሕን፣ ዕብየት ናይ ኣላህ እንተዘይኮይኑ ናይዝኾነ ካልእ ኣይዓጦን ኢዩ፣ ንመላእኽቲ ይኹኑ ቁዱሳት ሰባት ንዖኦም ዝግባእ ክብሪ ዝህቦም’ኳ እንተኾነ፡ ምስ ኣላህን ልዕሊ ኣላህን ግን ኣይሰርዖምን ኢዩ፣ እዚ ርትዓዊ ኣረኣእያ’ዚ ብርግጽ ንተውሒድ ብምፍላጥን ምርዳእን ጥራሕ ክንረኽቦ እንኽእል ብልጫ ኢዩ።

ሓሶትን ምስሉይነትን ኣብ ጥቕኡ ኣየቕርብን፣ ገታር፡ ትዕቢተኛን ሓሳድን ሰብ’ውን ኣይከውንን፣ ስሰዐ፡ ሸፈጥ፡ ዓብላልነትን ቅድም ነዓይን ኩሉ ነዓይን ዝብል እኩይ ሓሳባት ኣብ ኣእምርኡ ቦታ የብሎምን፣ ኩሉ እቲ ዝውንኖ ናይ ኣላህ ምዃኑ፡ ኣላህ ድማ ኣብ ዝደለዮ እዋን ክወስዶ ከምዝኽእል ስለዝፈልጥ፡ ብዘለዎ
ጥዕና ይኹን ሃብቲ ኣይንየትን፣ በንጻሩ ኣብቲ ብርቂ ዝኾነ ሓደ ኣላህ ዘይኣምን ሰብ፤ ኣብ ዓለማዊ ህይወቱ ዓወት ምስ ዝረክብ፤ ዓወቱ ምስ ብልሑን ውልቃዊ ጻዕሩን ጥራሕ ኢዩ ዘተኣሳስሮ፣ ስለዝኾነ ድማ መን ከማይ ብምባል ብትዕቢት ኣይትሓዙኒ ኢዩ ዝብል።

ዝግንዘብ፤ ኣማኒ ተውሒድ ብሰናይ ተግባር ኢዩ ዝመላለስ፣ ከምቶም ኢ-ዚሄራውያንን ብዙሐ-ዚሄራውያንን ኣብ ዘይጭበጥ ትምኒት እናንሳፈፈ ኣይነብርን፣ ገለ ካብኣቶም ወዲ ኣምላኽ ንሓጥያትና ሓጺብዎ ኢዩ ይብሉ፣ ገሊኦም ድማ ሕሩያት ኣምላኽ ስለዝኾና ኣምላኽ ኣይቐጽዓናን ይብሉ፣ ገሊኦም ድማ እቶም ቁዱሳት ኢዮም እናበሉ ዘምለኽዎም ፍጡራት ሞንጎኛታት ብሙዃን ከድሕኑና እዮም ኢሎም ይሓልሙ፣ እቲ ትርጉም ዘይብሉ ተስፋታት ኣመና ብዙሕ ኢዮ፣ ድሒና ኢና፡ እከለ ክወሓሰና ኢዩ፡ ወ.ዘ.ተ. ስለ ዝብሉ ነቲ ተዓዛቢን ሰማዒን ኩሉ ዝኾነ ሓያል ኣላህ ኣይፈልጥዎን፣ ጽባሕ ንግሆ ኣብ መዓልቲ ፍርዲ ኣብ
ቅድሚ ጎይታ ቀሪቦም ን እምነቶምን ተግባራቶምን በብሓደ ክሕተትሉ ምዃኖም ይዝንግዑ፣ ስለዝኾነ ብቕይዲ በተኽነት ነብሶም ዝኣዘዘቶም ወትሩ ብምምላእ ጊላታት ድልየታቶምን ስምዒታቶምን ይኾኑ፣ ኣማኒ ሓደ ኣላህ (ተውሒድ) ግን ከምኡ ኣይገብርን።

ዝብሎን ዝገብሮን ዘበለ ኩሉ ከምዝሕተተሉ
ስለዝፈልጥ ብሓላፍነታዊ መንገዲ ኢዩ ዝንቐሳቐስ፣ እዚ ስነ-ምግባር እዚ ውጽኢት ተውሒድ ወይ ላ ኢላሃ ኢላ’ላህ ኢዩ።

በንጻሩ ብ ሓደ ኣላህ ዘይኣምን ሰብ ኣተሓሳስብኡ ኣዝዩ ጸቢብ እዩ፣ ሽግር ምስ ዘጋጥሞ ዓለም ከም ኣፍ ዑንቂ ትጸቦ፤ ዘልዕሎን ዝጭብጦን ኣይፈልጥን፤ ዝውስኾ እኳ እንተዘይብሉ ጸርጸር ይብል የማርር፤
ኣብ ሚዛን ኣጠማምትኡ፡ ካብቲ ተጻዋርነቱን ትዕግስቱን እቶም ጎኒፎሞ ዘለዉ ጸገማት ዝኸብዱ ስለ ዝመስሎ ነፍሰ-ቅትለት ይፍጽም፣ እታ ነብሱ ናቱ ዘይሙዃና ኣበይ’ሞ ኢልዎ!።

ሀ). ልዑል ፍቕሪ ህይወትን ክቱር ፍርሒ ሞትን
ለ).ካብ ኣላህ ወጻኢ ሞት ዘምጽእን ሞት ዝከላኸልን ኣካል ኣሎ ኢልካ ምሕሳብን ኢየን።

ይኹን’ምበር ሙሉእ እምነት ተውሒድ እንተልዩ እዘን ክልተ ምኽንያታት ፍጹም ቦታ የብለንን፣ ዝኾነ ሰብ ህይወቱ፡ ንብረቱን ካልእ ነገራትን ናይ ኣላህ ምዃኑ ተውሒድ ምስ
መሃሮ፡ ዓቀኑ ዚሓለፎ ፍቕሪ ህይወትን ፍርሒ ሞትን ንእለቱ ኢየን ዝጠፍኣሉ፣ ምእንቲ ኣላህ ዝድለ መስዋእቲ ክኸፍል ድማ ድሉው ይኸውን፣ ዝተራቐቐ ኣጽዋር ይኹን ዝሓየለ ሰብን እንስሳን ብዘይፍቓድ ኣላህ ህይወቱ ክወስዱ ከምዘይክእሉ ምስ ፈለጠ ድማ ካብታ ካልአይቲ ፍርሒ ይናገፍ፣ ዝኸበደ ሕማም
ይሕመም፡ ኩሎም ሓይልታት ተጠርኒፎም የጥቕዕዎ፡ ካብታ ኣላህ ዝወሰነሉ ዕለት ኣየጉድል ኣይውስኽ፣ በዚ ምኽንያት’ዚ ካብ ኣማኒ ሓደ ኣላህ ዝኾነ ሰብ ዝተብዕ ሓደ’ኳ የለን።

ድማ ተኣዛዝን ተምበርካኽን ሕጊ ኣላህ ከምትኸውን ይገብረካ፣ ሓደ ኣማኒ ተውሒድ፡ ንዑኡ ኣላህ ካብ ዝኾነ ካልእ እቲ ዝቐረበ ኢዩ፣ ጸልማት ጉልባብ ጌሩ ወይ ብሓደ ኩርናዕ ተኸዊሉ ሓጥያት እንተፈጸመ’ውን ካብ ሰብ እምበር ካብ ኣላህ ከምዘይሕባእ ይፈልጥ፣ ኣላህ ፈላጢ ሕቡእን ግሉጽን’ዶ ኣይኮነን!!!

ንዝኾነ ከተታልል ትኽእል ንኣላህ ምትላል ግን ብጥራሽ ኣይከኣልን፣ ስለዚ ሙስሊም ንሙዃን እቲ ዝዓበየን ቀንድን ቅድመ-ኩነት ኣብዛ ረዛን ኢስላማዊት ከሊማህ ማለት ኣብ “ላ ኢላሃ ኢላ’ላህ” ምእማን የድሊ፣ ኣብቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ከምዝረኣናዮ ሙስሊም ማለት ንፈጣሪኡ ስዩም ብምባል ዝተንበርከኸ ወይ ኢዱ ዝሃበ ማለት ኢዩ።

ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ነዚ ረዚን ምህሮ ኢዮም ኣመሓላሊፎም፣ ላ ኢላሃ ኢላ’ላህ ዝብል ኣምር እምነ-ኩርናዕ እስልምናን እምነትን ኢዩ፣
ካልኦት ትእዛዛትን ሕጊታትን እስልምና ኣብዚ መሰረት’ዚ እዮም ዝትከሉ፣ ብርግጽ እስልምና ዘይተንከፎ ኣርእስቲ የለን።

እንሻኣሏህ ይቕጽል…………………

ኣሰላሙዓለይኩም ወራሕመቱላሂ ወበረካትሁ!!
ኩቡራት ሙእሚኒን የሕዋተይ እቲ ካልኣይ ሩክኒ ሚን ኣርካን ኣል ኢማን እምነት ብመላእኽቲ እዩ!!

ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ብ ህላወ መላእኽቲ ኣላህ ክንኣምን እውን ኣዚዙና ኢዩ፣ ካብቶም ዝጠቐስናዮም ሽዱሽተ ዓንድታት እምነት፤ ድሕሪ እምነት ብሓደ ኣላህ፤ እዚ እምነት’ዚ ብካልኣይ ደረጃ ኢዩ ዝስራዕ።

ነቢይ ሙሓመድ ሰ,ዓ,ወ ብዘመሓላለፉልና ሓበሬታ መሰረት፡ መላእኽቲ ፍጡራት ኣላህ እዮም፣ ኣብ መሎኮታውነት ኣላህ ግና ዝኾነ ብጽሒት የብሎምን፣ መላእኽቲ ኣላህ እሙናት ኣምለኽቱን ኣተግበርቲ ትእዛዛቱን ጥራሕ እዮም፣ ዝተኣዘዝዎ ዕዮ ብምልኣትን ብጽፈትን የከናውኑ፣ ብዘይፍቓድ ኣላህ ሓንቲ እመት’ውን ትኹን ኣይንቀሳቐሱን፣ ብድልየቶም ዝኾነ ነገር ክገብሩ ሓንቲ ስልጣን የብሎምን፡፡

ናታቶም ውጥን ወይ ፕሮጀክታት ከቕርቡን ብዛዕባ ዝኾነ ሰብ ምስ ኣላህ ከማልዱን (ክምሕጸኑ) ፍቓድ ኮነ ክእለት የብሎምን፣ ነዓኣቶም ምምላኽን ምሕጽንታ ምቕራብን ንወዲሰብ ውርደትን ሕስረትን ጥራሕ ኢዩ፣ ምኽንያቱ ኣላህ ኣብታ ንኣዳም ዝፈጠረላ ቀዳመይቲ መዓልቲ ፡ መላእኽቲ ን ኣዳም ክሰግዱሉ ኢዩ ኣዚዝዎም።

ኣላህ ንወዲሰብ ካብኣቶም ንላዕሊ ንቕሓትን ፍልጠትን ኢዩ ሂብዎ፣ ወዲሰብ እቲ መላእኽቲ ዝሰገዱሉ ዝኸበረ ፍጥረት ክንሱ ከመይ ኢሉ ነቶም ዝሰገዱሉ ፍጡራት የምልኽ?፣ ብርግጽ ንሓደ ዘስተውዕል ሰብ ካብ ንመላእኽቲ ምምላኽ ዝዓቢ ወርደት ከቶ የልቦን፣ ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ን መላእኽቲ ከይነምልኾምን ምስ ኣላህ ከይነዛምዶምን ብጽኑዕ ኣጠንቂቖምና ኢዮም።

በቲ ነዓኣቶም ዝምልከት ብሉኡኽ ኣላህ ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ዝተዋህበና ሓበሬታ ብምቕባል ህላዌኦም ምእማን ጥራሕ ኢዩ እቲ ካባና ዝድለ፣ መላእኽቲ ኣላህ ሕሩያት ፍጡራቱ እዮም፣ ካብ ሓጥያት/ዘንቢ ነጻ እዮም ጥራሕ ዘይኮነ፡ በቲ ኣላህ ዝሃቦም ባህሪ ካብ ትእዛዛቱ ወጻኢ ክሕንግዱ ብፍጹም ኣይክእሉን፣ ነቢይና ሰ,ዓ,ወ ከም ዝሓበሩና መላእኽቲ ኣላህ ብኹሉ ሸነኻት ኣኽቢቦምና እዮም ዝርከቡ፣ ኣብ ዝተንቀሳቐስናዮ ቦታ ወትሩ የሰንዩና፣ ኩሉ እቲ እንፍጽሞ ሕማቕን ጽቡቕን ተግባራት ድማ እናተዓዘቡ ይስንዱ፣ ድሕሪ ሞት ኣብ መዓልቲ ፍርዲ ናይቲ ኣብ መሬት ከለና ዝገበርናዮ ሙሉእ ጸብጻብ ናይ ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ኣብ ቅድሚ ኣላህ የረክቡ፣ ኩሉ እቲ ዝተመዝገበ ብሙሉኡ ሚእቲ ካብ ሚእቲ ቁኑዕ ኮይኑ ድማ ክንረኽቦ ኢና።

ብዛዕባ ውሽጣዊ ባህርያት መላእኽቲ ዝተሓበርናዮ’ኳ እንተዘየለ፡ ገለ ብዛዕባ ክብሮምን መለለይታቶምን ግን ተጠቒሱልና ኣሎ፣ ከምቲ ኣቀዲሙ ዝተጠቕሰ ብሃለዋቶም ክንኣምን ድማ ንሕተት፣ ካብዚ ወጻኢ ብዛዕባ ፍጥረቶም፡ ዓይነቶምን መለለይታቶምን ክንፈልጠሉ እንኽእል ካልእ መንገዲ ወለሓደ የለን፣ ብቕርጻ ይኹን ብቅብኣ ወይ ብዝኾነ መልክዕ ብምስሊ ከነዳልዎም እንተፈቲንና ብኣጠማምታ እስልምና ዓቢ ሓጥያት ኢዩ።

ነቲ ዝተነገረና ብምስዓብ ክንኣምን ጥራሕ ኢዩ ዝግባእ፣ መላእኽቲ ዝበሃሉ የለዉን ኢላካ ምንጻግ ግን ኩፍር ወይ ክሕደት ኢዩ፣ ምኽንያቱ ሓደ እንነጽገሉ መርትዖ የብልናን ካልኣይ ድማ ከምኡ ብምባልና ን ኣስተምህሮ ንነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ዳርጋ ምንጻግ ኢዩ ዝቑጸር፣ ብሓጺሩ ብመላእኽቲ ኣላህ ንኣምነሉ ቀሊል ምኽንያት ልኡኽ ጎይታ ዝኾኑ ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ክንኣምን ስለ ዝኣዘዙና ኢዩ።

እቲ ሳልሳይ ድማ እምነት ብመጻሕፍቲ ኣላህ እዩ።

እቲ ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ክንኣምነሉ ዝኣዘዙና ሳልሳይ ዓንዲ እምነት ብመጻሕፍቲ ኣላህ ምእማን ኢዩ ነይሩ፣ ቅድሚ ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ኣላህ ናብ ዝተፈላለዩ ልኡኻቱ ቁዱሳት መጻሕፍቲ ልኢኹ እዩ፣ ልክዕ በቲ ንቁርኣን ዝሰደደሉ ኣገባብ ድማ እዩ ሊኢኽዎም፣ ገለ ካብቶም ኣላህ ዝለኣኾም መጻሕፍቲ ኣብ ቁርኣን ዝተጠቐሱ ኣለዉ ንሳቶም ድማ÷

እዞም ኣርባዕተ መጻሕፍቲ ኣላህ፡ ኣብ ቅዱስ ቁርኣን ብስም ዝተጠቕሱ እዮም፣ ናይቲ ኣላህ ናብ ካልኦት ነቢያቱ ዝለኣኾም ኣስማት መጻሕፍቲ ግን ኣብ ቁርኣን ኣይተሓበረን፣ ስለዝኾነ በቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍሊ ዓለም ዘለዉ ሃይማኖታውያን መጻሕፍቲ ኣፍና መሊእና ምንጮም ካብ ኣላህ እዩ ወይ ኣይፋሉን ኢልና ኪንዛረብ ኣይንኽእልን፣ ብሓፈሻ ግን ዝኾነ ይኹን ኣላህ ዝለኣኾ መጽሓፍ ካብ ኣላህ ክሳዕ ዝኾነ ቅኑዕ ኢዩ፣ መዝሙር ዳዊት፡ ቶራህ ናይ ሙሴን ወንጌል ናይ ኢየሱስን ግን ምስ ኣይሁድን ክርስትያንን ኣለዉ፣ እንተኾነ ኣላህ ኣብ ቁርኣን ከምዝሕብረና እቶም መጻሕፍቲ በቲ ኣላህ ዝለኣኾም መልክዕ መቦቆላዊ ትሕዝቶኦም ከምቲ ዝተላእኮ ኣይተዓቀበን፣ ምቅይያራትን ተወሰኽቲ ሓሳባትን ተገይርሎም ኢዩ፣ ስለዝኾነ እቲ መበቆላዊ ትሕዝቶ ቃል ኣምላኽ ምስቲ ድሒሩ ብሓንጎል ሰባት ዝተወሰኸ ስለዝተሓዋወሰ ብዙሕ ምግሕማጥ ኣልዎ።

እቲ ኣብቶም መጻሕፍቲ ዝተኻየደ ብልሽውናን ብከላን ኣዝዩ ግሉጽን መጠነ-ሰፊሕን ስለዝኾነ፡ ሎሚ ብዙሓት ኣይሁድን ክርስትያንን ነዚ ርኡይ ሓቂ ይቕበልዎ እዮም፣ እቲ መቦቆላዊ ጽሑፍ ዘይኮነ። ትርጉሙ ጥራሕ ኣብ ኢዶም ምህላዉ ይዛረቡ፣ እዚ ተተርጒሙ ዝተዳለወ ንባዕሉ ኣብ ነዊሕ ዘመናት ብዙሕ ለውጢ ከም እተገብረሉን ሕጂ’ውን እንተኾነ ኣብ ሓደ ከምዘይረገአ ተፈሊጡ ኣሎ፣ ነዞም መጻሕፍቲ ብጥንቃቐ ከነጽንዖም እንተፈቲና፡ ቃል ኣምላኽ ክኾኑ ዘይክእሉ ሑጥበ-ጽሑፋትን ጥቕስታትን ኣለዉ፣ ብሓፈሻ እቶም ጽሑፋት ብጣዕሚ ስለዝተሓዋወሱ፡ ኣብ መብዛሕትኡ ኣየናይ ካብ ኣምላኽ ኣየናይ ከ ብሰብ ዝተሓወሰ ምዃኑ ንምፍላይ የሸግር እዩ፣
ሓደ ሙስሊም ብመጻሕፍቲ ኣላህ ይኣምን ኢዩ ክበሃል ከሎ፡ በቲ ሕጂ ሒዞሞ ዘለዉ ትሕዝቶ ዘይኮነ፡ ኣላህ ብርግጽ ቅድሚ ቅዱስ ቁርኣን ጽፉፋት መጻሕፍቲ ሊኢኹ ምንባሩ ምቕባል ንማለት ጥራሕ እዩ፣ እቶም ካብ ኣላህ ናብ ዝተፈላለዩ ነብያት ዝተላእኩ መጻሕፍቲ ምንጮም ካብ ሓደ ኣላህ እዩ ነይሩ፣ እቲ ን መጻሕፍቲ ሙሴ፡ መዝሙር ዳዊትን ወንጌል ኢየሱስን ልኢኹ፣ ብተመሳሳሊ እቲ ነቶም ዝጠቐስናዮም መጻሕፍቲ ዝለኣኸ ሓደ ኣላህ ናይ መወዳእታን ዛዛሚን ኪዳኑ ዝኾነ ቅዱስ ቁርኣን ናብ መላእ ህዝቢ ዓለም ልኢኽዎ፣
ኣላህ ንቅዱስ ቁርኣን ከም መሎኮታዊ መጽሓፍ ምልኣኹ ሓድሽን ዘገርምን ፍጻሜ ኣይኮነን።

ቅዱስ ቁርኣን ንሓቐኛ መልእኽታት ናይቶም ዝጸነቱን ዝተበረዙን መጻሕፍቲ ደጊሙ ክኹልዕን ከረጋግጽን ኢዩ መጺኡ፣ ኣብ ሞንጎ ቁርኣንን እቶም ኣቀዲሞም ዝተላእኩ መጻሕፍቲ ኣላህን ዓበይቲ ፍልልያት ኣለዉ ኣሕጽር ኣቢልና ገለ ካብቶም ብቐንዲ ዝጥቐሱ ጥራሕ ንርአ÷

በንጻሩ ቁርኣን በቲ መቦቆላዊ ትሕዝቱኡን ቛንቁኡን ሓንቲ ንጽል ፊደል ከይጎደለቶ ልክዕ ከምታ ናብ ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ዝተላእካ ብኽብሪ ተዓቂቡ ይርከብ፣ ከም’ቶም ቀዳሞት ጽሑፋት ዝኾነ በደል ከይወርዶ ኣላህ ባዕለይ ክሕልዎ እየ ኢሉ ቃል ኣትይሉ እዩ።

ዝተመስከረ እዩ።

ቁዱሳት ጽሑፋት ወላ’ውን በቲ ዝተላእክዎ መልክዕ ተዓቂቦም እንተ ዝጸንሑ ነይሮም፡ ኣብዚ ግዜና በቲ ሓቐኛ መንፈሶምን ትርጉሞምን ተረዲእካ ኣብግብሪ
ምውዓሎም ኣመና መሸገረ ነይሩ፣ በንጻሩ ቁርኣን ዝተላእከሉ ቛንቋ ገና ብህይወት ዘሎ ቛንቋ እዩ፣ ሚልዮናት ኣህዛብ ይዛረብዎ፣ ካልኦት ሚልዮናት ድማ ይርድእዎን ይፈልጥዎን፣ ሎሚ ቛንቋ ዓረብኛ ዳርጋ ኣብ ሙሉእ ዓለም ዘለዋ ዩኒቨርሲታት ዘስተምህራሉ ቛንቋ ኢዩ፣ ዝኾነ ሰብ ክመሃሮ ይኽእል ኢዩ።

እቲ ንኽመሃሮ ግዜ ዘይብሉ ሰብ፡ ነቲ ቛንቋ ዝፈልጥ ሰብ ኣብ ዝኾነ ቦታ ኪረክብ ስለዝኽእል። እንተወሓደ ንቁርኣን ነቢቡ ክገልጸሉ ይኽእል ኢዩ።

ከምቲ ዝተጠቐሰ ዕላማ እቶም ጽሑፋት ንውሱን ግዜ’ምበር ንዘልኣለም
ክቕጽሉ ኣይኮኑን፣ ወላ’ቶም ዝተቐበልዎም ኣህዛብ ንዝተወሰነ እዋናት ክጥቐሙሎም ጥራሕ እዮም ተላኢኾም፣ በንጻሩ ቁርኣን ንመላእ ህዝቢ ዓለምን ንኩሉ ግዜን ዝተለኣኸ ቃል ኣምላኽ እዩ።
ንፍሉያት ኣህዛብ እናረቖሐ ዘይኮነ ንወዲሰብ ብሓፈሻ እዩ ዝዛረብ፣ ዘልኣለማዊ ሕጊ ሰብኣውነት ድማ ኢዩ።

ዝምህሩ ኣይኮኑን ኢልካ ምኽሓድ ርትዓውነት ዘይብሉን ስምዒታውን ዘረባ ኢዩ፣ ክብሪታት ወዲሰብ ንክጸንዕ ብርግጽ ዓቢ ኣበርክቶ ነይርዎም እዩ።
ይኹን’ምበር ልክዕ ከም ናይ ቅዱስ ቁርኣን ብኹሉ መዳያቶም ኣጠቓላሊ መልሲ ዝህቡ ኣይኮኑን፣ ገሊኦም ኣብ ሓደ ኣርእስቲ ጥራሕ ዘተኮረ ትምህርቲ ይህቡ፡ ገሊኦም ድማ ኣብ ካልእ ጉዳይ የተኩሩ፣ ኮታ ንኹሉ ግዜ ዝኸውን መምርሒን ስርዓትን ክውንኑ ብዙሕ ዝተርፎም ኣሎ፣ ቁርኣን በንጻሩ ዘይትንክፎ ጉዳይ ናይ
ህይወት የለን፣ ካብቲ ዝደቐቐ ክሳዕ እቲ ዝለዓለ ጉዳያት ህይወት ሓቚፉ ይርከብ፣ በዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱን ካልኦት እልቢ ዘይብሎም ምኽንያታትን ኣደናቒ ባህርያት ቁርኣንን እዩ ‘ምበኣር መላእ ህዝቢ ዓለም ናብኡ ክኣምን ብኣላህ ዝእዘዝ፣ ኩሉ’ቲ ናይ ቀደም ጽሑፋት ኣወንዚፉ ነዚ ደምዳሚ ኪዳን ኣላህ ዝኾነ ቁርኣን ክስዕብ ኣሎዎ፣ ምኽንያቱ ትሕዝቶ ናይቶም ዘይተበረዙ ቀዳሞት ጽሑፋት ኣላህ ደጊሙ ኣብ ቁርኣን ኣስፊርዎ ኢዩ።

ስለዚ ኣብ እስልምና ኣንቱእሚኑቢኪታቢሂ ወይ “ብመጻሕፍቱ ክትኣምን” ክበሃል ከሎ፡ ነቶም ኣላህ ዝለኣኾም መጻሕፍቲ ኣላህ ብርግጽ ከምዝለኣኾም ምምስካር ማለት ጥራሕ ኢዩ፣ ኩሎም እቶም ዝተላእኩ መጻሕፍቲ ኣላህ ቁኑዓት ሙዃኖም፤ ኣኣብ ዝተላኣኽዎ ወቕቲ ንዝነበሩ ኣህዛብ ጥራሕ ከም እተላእኩን፤ በቲ ቁርኣን ዝተላእከሉ ዕላማ ከምእተላእኩን ምምስካር ሓደ ካብ ዓንድታት እምነት (ኣርካን ኣል ኢማን) ኢዩ፣ ንቁርኣን ብዝምልከት ግን
ክንኣምን ጥራሕ ዘይኮነ ክንስዕቦ’ውን ንሕተት!!
ንቁርኣን ብዝምልከት፦

ኣሰላሙዓለይኩም ወራሕመቱላሂ ወበረካትሁ!!
ኩቡራት ሙእሚኒን የሕዋተይ እቲ ራብዓይ ሩክኒ ሚን ኣርካን ኣል ኢማን እምነት ብሉኡኻት እዩ!!

ዓቒዳ/እምነት 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል!!!

ኩቡራት ሙእሚኒን የሕዋተይ ኣብ’ቶም ዝሓለፉ ምዕራፋት ከምዝተጠቐሰ፡ ኣላህ ናብ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኣህዛብ ሉኡኻቱ ሰዲዱ እዩ፣ እቶም ዝተፈላለዩን ኣመና ብዙሓትን ዝኾኑ ነብያቱ ዘስተምሃርዎ ወይ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ግን ሙሉእ ብሙሉእ ሓደ ዓይነት መልእኽቲ እዩ ዝነበረ።

እቲ መልእኽቲ ድማ “እስልምና” ይበሃል። ማለት ንኣምልኾ ሓደ ኣላህ ስዩም ብምባል ኢድካ ምሃብ ጥራህ እዩ ነይሩ እቲ ምህሮታቶም፣ ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ነዚ ኣቦና ኣዳም ዝፈለሞ ምህሮ ቀጺልዎን ኣጠቓሊሉ ኣምጺእዎን እምበር ሓድሽ ትምህርቲ ኣየመሓላለፈን፣ ስለዝኾነ ልኡኻት ኣላህ መልእኽቶም ሓደ ስለ ዝነበረ፡ ኣላህ ባዕሉ ብኹሎም ክንኣምን ይእዝዘና፣ ንሓደ ኣሚንካ ንሓደ ካልእ ምኽሓድ ግን ጌጋ እዩ፣ ምኽንያቱ ብደቂቕ እንተ ኣስተውዒልናሉ ንሓደ ምእማን ነቲ ሓደ ምኽሓድ ማለት ንኹሎም ብጠቕላላ ከም ምንጻግ ማለት ኢዩ፣ ሕመረት ናይ’ዚ ኣምር ምእንቲ ኣጸቢቕና ክንርደኦ፡ እስከ ነዛ ንእሽቶ ኣብነት ንርአ÷

ዓሰርተ ሰባት ብፊደል ይኹን ብመንፈስ ፈጺሙ ዘይፍለ ሓንቲ ዓይነት ዓረፍተ-ነገር (ምሉእ ሓሳብ) ገበሩ ንበል። ንሓንቲ ካብዘን ዓረፍተ-ነገራት ቅንዕቲ’ያ ኢልና እንተተቐቢልና፡ ነተን ዝተረፋ ትሸዓተ ዓረፍተ-ነገራት ድማ ብርግጽ ክንቅበለን ኣለና፣ ምኽንያቱ እተን ዝተረፋ ትሸዓተ ምሉኣት ሓሳባት ካብታ ዝተቐበልናያ ምልእቲ ሓሳብ ዝፈልየን ወለሓንቲ የለን፣ ብተመሳሳሊ ንሓንቲ ካብተን ዓረፍተ-ነገራት እንተ ነጺግና ድማ ንኹሉ ከምዝነጸግና እዩ ዝቑጸር፣ ምኽንያቱ ኩለን እተን ዓረፍተ-ነገራት ሓንቲ ዓይነት ስለዝኾና።

ስለ’ዚ ኢዩ እምበኣር ኣብ ሃይማኖት እስልምና ብኹሎም ልኡኻት ኣላህ ምእማን ብጣዕሚ ኣገዳሲ ዝኸውን፣ ብኩሎም ነብያት እመን ዳኣ’ምበር። ፍልይ ኣቢልካ ንሓደ ነቢይ ኣይኣምነሉን’የ ምባል፤ ክሕደት ወይ ኩፉር ኢዩ ዝቁጸር፣ ኣብ ቅዱስ ቁርኣን ዕስራን ሓሙሽተን ነቢያት ብስም ተጠቒሶም ኣለዉ። ነዚኣቶም ብግቡእ ክንኣምነሎም ከለና፡ ነቶም ኣብ ቁርኣን ዘይተጠቐሱ ግን ኣላህ ሊኢኸዮም ኢየ ዝበለ ነቢያት ድማ ብድምዱሙ ሓቀኛታት ሉኻት ኣላህ ምንባሮም ንቕበል።

ክሎም ነቢያት ኣላህ ማዕረ እዮም ኢልና ኣለና፣ ከየበላለጽና ድማ ንኣምነሎምን ንቕበሎምን፣ ንማዕርነቶም ከየፍረስና ስለስተ ፍልልያት ግን ከነስተውዕል ንኽእል።

ክጠፍእ ከሎ፡ እቲ ዝተረፈ ድማ የእዳው ደቂ ሰባት ኣትይዎ ኢዩ። በንጻር’ዚ ቁርኣን ይኹን፡ ኣስተምህሮታት ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም)፡
መደረታቱ፡ ልምድታቱን ሞራላውነቱን ብግቡእ ተዓቂቡ ኣሎ። ስለዝኾነ ካብቶም ቀዳሞት ነብያት ብዝያዳ ገና ህይወት ለቢሱ ዘሎ ሰብኣዊ መንነት
(ፐርሰናሊቲ) ናይ ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ኢዩ። 

ብ ኣሰር እግሪ ናይዚ ናይ መወዳእታ ልኡኽ ኣላህ ዝኾነ ነቢይ ድማ ተኣማሚንካ ንሓደ ጎይታ ክትግዛእ ትኽእል።

ግዜ ዝኸይድ ሕግታትን መምርሒታትን እናሃበ ኢዩ ዝልእኮም ዝነበረ። ስለዝኾነ እቲ ቀጺሉ ዝመጽእ ነቢይ ወይ ልኡኽ ኣላህ ድማ ኣብቲ ዝጸነሐ ሕግታት ምቅይያራትን ምምሕያሻትን ይገብር ነበረ። ምኽንያቱ እቲ ግዜን እቶም ኣህዛብን ምስቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ብዙሕ ፍልልያት ኢዩ ዘለዎም። ነፍሲ-ወከፍ ስዒቡ ዝመጸ ነቢይ ነቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ሕግታት እናመሓየሸን እናጸረበን ክሳዕ ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ኣብጺሖሞ። ነቢይ
ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ድማ ነቲ ዘይተማለአ ሕግታት ብምጽፋፍ፡ ንኹሉ መዳያት ህይወት ሓደ ብሓደ ዝትንክፍ ጎደሎ ዘይብሉ ሃብታምን ውዱእን ስርዓት ብምቕራብ፡ ነቲ ናይ ነብያት ሰንሰለት ዛዚምዎ። 

ፍትዋት የሕዋተይ ብዘይወገንነት እንተ መርሚርናዮ፡ ኩሉ’ቲ ነዚ ህሉውን መጻእን ሕብረተሰባት ዘገድስ፡ ፍቕሪ፡ ሓልዮት፡ ምክብባርን ስኒትን ዘንግስ፡ ክስራሓሉ ዝኽእልን ዘልኣለማዊ ባህሪ ዘለዎን ስርዓታት ናይቶም ዝሓለፉ ነብያት ብምልኣት ኣብ እስልምና
ተጠቓሊሉ ኢና ንረኽቦ። ንነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ምኽታል እምበኣር ንኹሎም እቶም ዝሓለፉ ቀዳሞት ነብያት ከም ምኽታል ማለት እዩ።

ስለዚ ሓቀኛ ተምበርካኺ ኣላህ ወይ ሙስሊም ንሙኳን ኣብ ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ሙሉእ እምነት ክህልወና ይግባእ፣ እዚ ማለት ድማ፦
ሓቀኛ ልኡኽ ኣላህ ምዃኑ ምቕባል፣
ኣስተምህሩኡ ካብ ጌጋታትን ብልሽውናን ነጻን ፍጹምን ምዃኑ ምምስካር፣
ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ናይ መወዳእታን ዛዛሚን ናይቶም ሰንሰለታውያን ነቢያት ምዃኑን ብድሕሪኡ ዝኾነ ነቢይ ከምዘይመጽእን ምእማንን የድሊ።

እቲ ሓምሻይ እምነት ብመወዳእታ ማዓልቲ ማለት (ብየውም ኣልቅያማህ).

ኩቡራት ሙእሚኒን የሕዋተይ ኣብ እስልምና እምነት ብ መወዳእታ መዓልቲ ሓደ ካብ ዓንድታት ኢማን/እምነት ኢዩ፣ ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ብ “ህይወት ድሕሪ ሞት” ወይ ድማ ድሕሪ ሞት ትንሳኤ ከምዘሎ ክንኣምን ይእዝዙና።

ሓደ መዓልቲ ኣብቲ ኣላህ ዝወሰኖ ዕለት ዓለማዊ ህይወት ክፍጸም ኢዩ፣ ኩሉ ነገር ድማ ጠቕላላ ኪዓኑ ኢዩ፣ እዚ መዓልቲ’ዚ “ቅያማ” ወይ መወዳእታ መዓልቲ ተባሂሉ ይፍለጥ፣ ካብ ኣዳም ጀሚሩ ክሳዕ እታ መወዳእታ መዓልቲ ዝነበርና ኩላትና ደቂ ሰባት ዳግም ብህይወት ክንምለስ ኢና፣ ኣብ ቅድሚ ኣላህ ቀሪብና ድማ ግቡእ ፍርድና ንቕበል፣ እዚ ፍጻሜ “ሓሽር” ወይ ትንሳኤ ይበሃል።

ካብቲ ዝደቐቐ ክሳዕ’ቲ ዝለዓለ ዝፈጸምናዮም ተግባራት ብሙሉኦም ተሰኒዶም ስለዝጸንሑ፡ ንናይ መወዳእታ ፍርዲ ናብ ኣላህ ክንቀርብ ኢና፣ ስለዝኾነ ድማ እቲ ብሓደ ኣላህ ዝኣመነን ሰናይ ግብሪ ዘብዘሐን ሰብ ዝለዓለ ዓወት ብምጉንጻፍ ዓስቡ ይኽፈል፣ በንጻሩ እቲ ብዘይካ ኣላህ ንካልእ ዘምለኸን እከይ ተግባራቱን ሓጥያታቱን ዝበዘሐ ድማ ውርደትን መቕጻዕትን ይቕበሎ፣ ኣብቲ እዋን’ቲ ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ብውልቁ ተሓታታይ ኢዩ፣ ሓላፍነት ዝስከመሉ ሓደ’ኳ የልቦን።

ኩቡራት ሙእሚኒን የሕዋተይ ብእምነትናን ተግባርናን ዳኣምበር፡ ካልእ ሰብ ብዝፈጸሞ ሓጥያት ብፍጹም ኣይንሕተትን፣ ወዲ ሰብ ካብ ሓጥያት ነጻ ኮይኑ ኢዩ ዝፍጠር፣ እቲ ለዋህ፡ ደንጋጽን ሩህሩህን ኣላህ ኣቦና ኣዳም ዝሓጠዮ ሓጥያት ኣሰኪሙ ኣይፈጥረናን ኢዩ፣ ኣላህ ብለውሃቱ ንኣዳም ነቲ ዝገበሮ ሓጥያት ኣብ እዋኑ ይቕረ ስለዝበለሉ፤ ዝሰጋገር መቦቆላዊ ሓጥያት ዝበሃል ነገር የሎን፣ ስለዝኾነ ንድሕነሉ ወይ ንሳቐየሉ እንኮ ጠንቂ። እምነትናን ተግባራትናን ጥራሕ ኢዩ፣ መወዳእታ መዓልቲ እምበኣር እቶም ዕዉታት ናብ ናይ ዘልኣለም ህይወትን ፍሰሃን ዝርከባ ገነት ዝኣትዉላ መዓልቲ ክትከውን ከላ፡ እቶም ሓጢኣተኛታት፡ ገበነኛታትን ኣምለኽቲ ካልኦት ፍጡራት ዝኾኑ ድማ ናብታ ናይ ዘልኣለማዊ ስቅያት ዝርከባ ገሃነመ-እሳት ዝድርበዩላ ማዓልቲ ኢያ።

እቲ ሻድሻይ እነት ድማ እምነት ብ ኣልቕድር ቅድመ ድንጋገ ሕማቕ ይኹን ጹቡቕ ዘበለ ኩሉ ነገር ብፍቓድ ኣላህ ከምዝፍጸም ምእማን።

ሕማቕ ይኹን ጽቡቕ ዘበለ ኩሉ ነገር ብፍቓድ ኣላህ ኢዩ ዝፍጸም፣ ኣላህ ከጋጥም ዝወሰኖ ዝኾነ ነገር ድማ ካብ ምግጣም ዝዓግቶ ዝኾነ ሓይሊ የለን፣ ስለዚ በቲ ኣላህ ኣቀዲሙ ዝደንገጎ ኩሉ ምእማን ኣካል ኢስላማዊ እምነት ኢዩ፣ ኣላህ ነቶም ዛጊት ዘጋጠሙን ብሕጂ ዘጋጥሙን ገና ከይጋጠሙ ከለዉ ከምዝፈልጦም ምእማን የድሊ፣ ኩነታት ፍጡራቱ፡ ተግባራቶም፡ ዝጸንሕዎ ዕድመ ብንጹር ዝፈልጥ ኣላህ ጥራሕ ኢዩ፣ ስለዚ ዝኾነ ሰብ ብመሎኮታዊ ቅድመ-ድንጋገ ወይ ኣልቐድር እንተኣሚኑ፡ እዞም ዝስዕቡ ረብሓታት ኪጎናጸፍ ይኽእል÷

ስለዝፈልጥ፤ ኣቀዲሙ ብምድንጋጉ ክቅይሮ’ውን ስለ ዘይክእል፤ ንዘለዎ ብምቕባል ናይ ኣእምሮ ቅሳነትን ህድኣትን ኢዩ ዝረክብ፣
ጽሟቕ ትሕዝቶ ናይቶም ኣብዚ ምዕራፍ ዝተጠቕሱ ኣምራት ሽዱሽተ ዓንድታት እምነት ኣብእስልምና÷

ምእማን፣ ካብኣቶም ኣብ ቁርኣን ዝተጠቕሱ ኣርባዕተ መጻሕፍቲ ኣላህ እዞም ዝስዕቡ እዮም፦

ልኡኻት ከም ዝለኣኸ፤ እቶም ኩሎም ዝተላእኩ ነቢያት ነናብ ህዝቦም ከምዝለኣኾም፤ ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ግና ደምዳሚ/ዛዛሚ ነቢይነት ብሙዃን ናብ መላእ ህዝብታት ዓለም ከም እተላእከ፤ ተልእኹኡ ክሳዕ መወዳእታ መዓልቲ ዓለም ከምዝቕጽልን፤ ብድሕሪኡ ዝመጽእ ነቢይ
ከምዘየለን ምእማንን፣ ኣብ ቁርኣን ብስም ዝተጠቐሱ 25 ነቢያት ኣለዉ።

ብድሕሪ ሞት ህይወት ከምዘሎን ኩሉ ፍጡር በቲ ኣብ ዓለም ከሎ ዝፈጸሞ ተግባራት ፍትሓዊ ዓስቡ ከምዝኽፈልን ምእማን።

ወሏሁ ኣዕለም!!! 

ወሰላሙዓለይኩም ወራሕመቱላሂ ወበረካትሁ!!!




#Article 22: ጀርመን (112 words)


ጀርመን (ብጀርመንኛ፦ Deutschland)፣ ወግዓዊት ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ጀርመን (ብጀርመንኛ፦ Bundesrepublik Deutschland)፣ ኣብ ማእከላይ ሰሜናዊ ኤውሮጳ እትርከብ ብሰሜን ብወገን ምስ፣  ዴንማርክ፣ ብወገን ምብራቕ ምስ ፖላንድ፣ ብምብራቕ ምስ ሪፓብሊክ ቸክ፣ ብደብባዊ ምስ ኣውስትርያን ስዊዘርላንድ  ብምዕራብ ምስ  ፈረንሳን  በልጅምን   ሉዙንበርግን፤  ከምኡውን  ሆላንድ እትዳውብ ሃገር እያ። ርእሰ ከተማ በርሊን እያ። ብማእከላይ ከምኡውን ብምዕራብ ኣውሮፓ ኣብ ውሽጢ ዘላ ሃገር እያ። 357,022 ትርብዒት ኪሎ..ሜ  ትሽፍን ኮይይና ብሰሜን ብወገን ብባልቲክ ከምኡውን ብሰሜናዊ ባሕሪ ከምኡውን ደቡባዊ ብወገን ኣብ ዘለዎ Alps ጎቦ ኣብ መንጎ ትርከብ ። 

ጀርመን ብኣዝዩ ጸቡቕ ኣካያይዳ ዘለዎ፣ ንናእሽቱ መንእሰያት ኣብ ስራሕ ትምህርቶም ከድህቡ ዝጸቅጥ ተረርቲ ሕግታት ኣለዋ።
ኣብ ጀርመን ሓደ ትሕቲ 18 ዓመት ከም መኪና፣ ኣሰንበድቲ ፊልምታት ወልፍታት ሽጋራ ናይ ሓንቲ ስድራ ምስካም`ውን ንትሕቲ ዕድመ ህጻናት ኣይፍቀድን እዩ.




#Article 23: ኮምፒዩተር ሳይንስ (198 words)


ቁልጡፍ ሰራዒ / Quicksort   

ኣብ ስነ-ኮምፒተር እቲ ክዊክሶርት ኣገባብ ሓደ ካብቶም ዝቀልጠፉ ኣገባባት እዩ ሓደ ዓውዲ (Array) ንምስራዕ። እቲ ዓወይ ከኣ ካልእ ትሕዝቶ ክህልዎ ይኽእል።

መፍትሒ ናይ ክዊክሶርት እቲ ክልሰ-ሓሳብ „መቀለ ድሓር ሰፈነ“ (= divide and conquer) እዩ። ቅድም ነቲ ዓቢ ሽግር ኣብ ንኣሽቱ ሽግራት ትመቅሎ፣ ድሓር ነቶም ንኣሽቱ ሽግራት ንምፍታሕ ይቀልል እዩ። ሽዑ ስጉም ብስጉም ነቲ ዓቢ ሽግር ትፈትሖ ማለት እዩ። ስለዚ ከኣ እዚ ኣገባብ „መቀለ ድሓር ሰፈነ“ ይበሃል፥

ሓደ ባእታ ካብቲ ዓውዲ ትወስድ (ኣየናይ ባእታ ከምትወስድ ኣገዳሲ ኣይኮነን) ነቲ ዓውዲ ምእንቲ ኣብ መኣከሉ ክትመቅሎ። ድሓር ነቶም ካልኦት ካብቲ ቀንዲ ባእታ ዝንእሱ ባእታታት ኣብ ጸጋም ትገብሮም፣ ነቶም ካልኦት ካብቲ ቀንዲ ባእታ ዝዓበዩ ባእታታት ኣብ የማን ትገብሮም። ድሓር ልክዕ ነዚ ዕማም ትደግሞ፣ ነቲ ሓድሽ ዝወጸ ክፋል ናይቲ ዓውዲ ትመቅሎ፣ ሽዑ ነቲ ሓድሽ ክፋል ትሰርዖ። ድሓር ሙሉእ ዓውዲ ምስ ሰርዓኻ፡ እቶም ባእታታት ኣብቲ ዓውዲ (ትሕዝቶ ዓውዲ) ኩሎም ተሰሪዖም ኣለው።

እዚ’ቲ ቀንዲ ሽጣራ ናይቲ ክዊክሶርት ኣገባብ እዩ። ነቲ ክልሰ-ሓሳብ „መቀለ ድሓር ሰፈነ“ ኣብ ብዙሕ ዝተፋላለዩ ነገራት ኣብ ውሽጢ ሶፍትዌር ወይ ስነ-ኮምፒተር ይጥቀምሉ እዩ።

ኣብ ውሽጢ’ቲ ፕሮግራም ወይ ኮድ ሕሳባዊ ፍልጠት ከኣ ክህልወካ ኣለዎ። ስነ-ኮምፒተር ብዘይ ሕሳብ ሙት እዩ።

መብርሂ ናይ ክዊክሶርት፥

እቲ ዝስዕብ ኣገባብ (= function) ነቲ ቀንዲ ባእታ ይደሊ፣ 
ነቲ ዓውዲ (files[ ]) ከኣ ይመቅሎ፥

ቀንዲ ባእታ = Pivot 




#Article 24: መጽሓፍ ቅዱስ (406 words)


መጽሓፍ ቅዱስ ብእኩባት ቀንዲ ሃይማኖታዊ ጽሑፋት ናይ እምነት ኣይሁዳውያንን ክርስትናን ዝቖመ እዩ። ኣብ ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ እታ ቀዳመይቲ ዝበዝሐት ዝተሸጠት መጽሓፍ እያ።

ትሕዝቶን መስርዕን መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝተፈላለየ ስለ ዝኾነ፥ ሓንቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ የላን። ታናኽ (እብራይስጢ፡ תַּנַךְ, አደማምጻ  ወይ ; ካልእ አጸሓሕፋ ታናክ)፥ መጽሓፍ ቅዱስ ናይቶም ቀንዲ ኣይሁዳውያን ኣብ 24 መጽሓፍቲ ይምቀል። ሳምራውያን ዝበሃሉ ውሑዳት ክፋል ኣይሁድ ግና 5 መጽሓፍቲ ጥራይ ኣለዎም። እተን 24 ጽሑፋት ኣይሁዳውያን ኣብ 39 መጽሓፍቲ ተመቒለን ንናይ ክርስትያን ብሉይ ኪዳን የቑማ። ቁጽሪ ምሉእ ጽሕፋት ናይ ክርስትና መጽሓፍ ቅዱስ፥ ካብ 66 መጽሓፍቲ ናይ ወንጌላውያን፥ ክሳዕ 81 መጽሓፍቲ ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ይፈላለ።

መጽሓፍ ኣይሁድ ታናኽ፥ ኣብዘን ዝስዕባ ሰለስተ ክፋላት ይምቀል። (1) ቶራ (እብራይስጢ፡ תּוֹרָה፡ ሕጊ) ሓሙሽተ መጽሓፍቲ ሕጊ ኮይኑ፥ መጀመርታ ታሪኽ እስራኤላውያንን ሕጎምን፥ ኪዳን ምስ ኣምላኽ እስራኤልን ይሕዝ። (2) ነቪይም (እብራይስጢ፡ נְבִיאִים፡ ነብያት) ናይ ጥንቲ ታሪኽ እስራኤልን ይሁዳን ስራሕ ነብያትን ይሕዝ። (3) ከቱቪም (እብራይስጢ፡ כְּתוּבִים፡ ጽሑፋት) ግጥምታትን ናይ ፍልጠት ጽሑፋትን፥ ከም በዓል መዝሙር ዳዊትን እዮብን ይሕዝ።

ናይ ሃይማኖት ክርስትና መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ክልተ ይምቀል። ቀዳማይ ብሉይ ኪዳን ኮይኑ 39 መጽሓፍቲ ናይ እብራይስጢ ጽሑፋት ይሕዝ፡ ካልኣይ ከኣ ሓድሽ ኪዳን ኮይኑ 27 መጽሓፍቲ ድማ ኣለዎ። ወንጌላት፥ እተን ቀዳሞት ኣርባዕተ መጽሓፍቲ ሓድሽ ኪዳን፥ ብዛዕባ ህይወት ክርስቶስ የዘንትዋ። ንሰን መሰረት እምነት ክርስትና እየን።

ወላ'ኳ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ኣይሁድ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ክርስትና 'ተሃለዋ፥ መስርዐን ዝተፈልየ አዩ። እቲ ናይ ኣይሁድ ጽሑፍ ብምምላስ ህዝቢ እስራኤል ናብ የሩሳሌምን ናብ ቤት መቕደስን ይውዳእ፥ መወዳእታ መጽሓፍ ብሉይ ኪዳን ክርስትና ግና ትንቢት ሚልክያስ እያ።

ካብቲ ኣብ ቀደም ዝተጻሕፈ እሞ ክሳዕ ሕጂ ጸኒሑ ዝተረኽበ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ክርስትና፥ ኣብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን ብቛንቃ ግሪኽ ዝተጻሕፈ እዩ። ክሳዕ ሕጂ ዝጸንሐ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይሁድ ከኣ ብቛንቃ ግሪኽ ዝተቶርጎመ ካብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን ኣትሒዙ ዝጸንሐ እዩ። ዝነውሐ ዝጸንሐ ምሉእ ጽሑፍ: ክፋል ናይቲ ቀንዲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይሁድ ተባሂሉ ዝሕሰብ፥ ማለት ልክዕ ናይ መጀመርታ ቃላት ዝሓዘ፥ ክሳዕ ፍርቂ ክፍለ ዘመን ይግምገም።

ድሕሪ ምምስራት ሃይማኖት ክርስትና ብቀዳማይ ክፍለ ዘመን፥ ኣብተን ቀዳሞት ሰለስተ ክፍለ ዘመናት፥ ሽማግለታት ኣብያተ ክርስትያናት ናይ ወንጌል ጽሑፋትን መልእኽትታት ሃዋርያትን ኣኪቦም ነዚ ሕጂ ሓድሽ ኪዳን ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ክርስትና ኣቖሙ። ብኸምዚ ዝተገልጸ መሰረት ብሉይ ኪዳንን ሓድሽ ኪዳንን ብሓደ ሓቢሩ መጽሓፍ ቅዱስ ይበሃል። ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ክርስትያናዊ ሃይማኖታት ኣይኖት ጽሑፋት ከም ቀንዲ ቅዱሳት ጽሑፋት ተቐጺረን ኣብ ብሉይ ኪዳን ክጽምበራ ከም ዘለወን ክርክር ኣሎ። ወንገላውያን ነቲ ናይ እብራይስጢ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ከም ቀንዲ (ቀኖና) ይቕበልዎ። ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንን ግና መጽሓፍቲ ካልኣይ-ቀኖና ብሉይ ኪዳን ከምኡ'ውን እኩባት መጽሓፍቲ ኣይሁድን ከም ቀንዲ ጽሑፋት ይቕበልወን። 
ንሓድሽ ኪዳን ዘቑማ መጽሓፍቲ እዘን ዝስዕባ እየን፤ ኣርባዕተ ወንጌላት፡ ግብሪ ሃዋርያት፡ መልእኽትታት ከምኡ'ውን ትንቢት የውሃንስ እየን።




#Article 25: ኣፍሪካን ትራይፓኖሶሚያሲስ (314 words)


ኣፍሪካን ትራይፓኖሶሚያሲስ ወይ ኣደቃሲ ሕማም፡ ንሰባትን ካልኦት እንስሳታትን ዜጥቅዕ ሕማም ፓራሳይት/ጽግዕተኛ እዩ።  ትራይፓኖሶማ ብሩሰይብዚብሃል ጽግዕተኛ ጅር/ስፒሽስ ዚስዕብ እዩ።  ሰባት ዘጥቅዑ፡ ክልተ ዓይነታት ኣለዉ፥ ትራይፓኖሶማ ብሩሰይ ጋምቤንስ (T.b.g) ከምኡውን ትራይፓኖሶማ ብሩሰይ ሆደሴንስ (T.b.r.) እዮም።  T.b.g፡ ንልዕሊ 98% ናይቲ ዝርኤ ሕማማት ዜስዕብ እዩ። ክልቲኦም ፓራሳይታት፡ መብዛሕቱ ግዜ፡ ብመንከስቲ እተለኽፈት ጽንጽያ ጸጸ ዝምሓላለፉ ኮይኖም፡ ኣብ ገጠራት ድማ ኣዝዮም ግኑናት እዮም።  

ኣብቲ መባእታዊ ደረጃ’ቲ ሕማም፡ ረስኒ፡ ሕማም ርእሲ፡ ሰሓን ቃንዛ መላግቦን የጋጥም።  እዚ ድማ ድሕሪ መንከስቲ ኣብ ውሽጢ ሓደ ክሳዕ ሰለስተ ሳምንታት ክርኤ ይጅምር። ድሕሪ ሳምንታት ክሳዕ ኣዋርሕ ድማ ዕግርግር፡ ዘይምርጋእ/ዘይምውህሃድ፡ ድንዛዘን ድቃስ ምስኣንን ዚኣመሰለ ዜጋጥም ካልኣይ ደረጃ ይጅምር። ነጸርታ፥ ኣብ ቅምሶ ደምወይ ኣብ ሱር ዕያገነዳ (ሊይምፍ ኖድ) ኣብ ዝርከብ ፈሳሲ ንዘሎ ፓራሳይት ብምርካብ ይካየድ። መርፍእ ሽምጢ (ፈሳሲ ካብ ሽምጢ ብምውሳድ ዚግበር መርመራ)፡ ኣብ መንጐ’ቲ ናይ መባእታን ካልኣይን ደረጃ ሕማም ዘሎ ፍልልይ ንምርእይ መብዛሕቱ ግዜ ኪግበር የድሊ እዩ።

ምክልኻል ብርቱዕ ሕማም፡ T.b.g እንተሎ ንምፍላጥ መርመራታት ደም ብምግባር፡ ነቶም ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ክፍልታት ህዝቢ ዚግበር ነጸርታ ዜጠቓልል እዩ። እቲ ሕማም ኣብ ዝጀመረሉ ፈለማ እዋንን ምልክታት ጸገማት መትኒ ከርኢ ቅድሚ ምጅማሩን ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ነቲ ሕማም ንምሕካም ዚቐለለ ይኸውን። ኣብ መባእታ ደረጃ ንዚርከብ ሕማም ዚግበር ሕክምና፡ ብመድሃኒትፐንታሚዲን ወይ ሱራሚንይኸውን። ኣብ ካልኣይ ደረጃ ንዚርከብ ሕማም ዚግበር ሕክምና፡ ንT.b.g ተባሂሉ ዚውሰድ ንኢፍሎርኒቲን ወይ ንኒፉርቲሞክስ ከምኡውን አፍሎርኒቲን ዜጣመረ መድሃኒት ዜጠቓልል እዩ። መላርሶፕሮል ንኽልቲኡ ዚሰርሕ እኳ እንተኾነ፡ ከቢድ ጐድናዊ ሳዕቤናት ስለዘለዎ፡ ንT.b.r.ጥራይ ብፍላይ ዜገልግል እዩ።

እዚ ሕማም’ዚ፡ ኣብ 36 ሃገራት ዚርከቡ ከባቢ 70 ሚልዮን ንዚኾኑ ኣብ ሓደጋ ዚርከቡ ክፍልታት ህዝቢ ኣብ ዘለውዎ ገለ ከባቢታት ትሕተ-ሳህራ ኣፍሪቃብቐጻሊ ዜጋጥም እዩ። ኣብ 2010፡ ንኣስታት 9,000 ሰባት ሞት ከስዕብ ከሎ፡ ካብቲ ኣብ 1990 ዝነበረ 34,000 መጠነ-ሞት ግን ጐዲሉ እዩ። ከባቢ 30,000 ዚኸውን ህዝቢ ድማ ኣብዚ እዋን’ዚ ተለኺፉ ይርከብ፣ ኣብ 2012 ድማ ካብቲ ዝነበረ መልከፊታት፡ ኣብ ልዕሊ ሓደስቲ 7000 ኣጋጢሙ። ካብዚ ዘጋጥመ ሕማማት፡ እቲ ልዕሊ 80%፡ ኣብ ደሞክራስያዊ ሪፓፕሊክ ኮንጐዜጋጠመ እዩ።  ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን፡ ሰለስተ ዓቢ ለበዳታት ኣጋጢሙ፣ እቲ ቀዳማይ ካብ 1896 ክሳዕ 1906 ኣብ ዘሎ ግዜ ብቐንዱ ኣብ ዩጋንዳ  ከምኡውን ኣብ ተፋሰስ ኮንጐ ዜጋጠመ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ክልተ ድማ ኣብ 1920ን 1970ን ኣብ ሓያለ ሃገራት ኣፍሪቃ ዜጋጠመ እዩ። ከም ላም ዝኣመሰሉ ካልኦት እንሳታት፡ ነቲ ሕማም ክስከሙን በቲ ሕማም ክልከፉን ይኽእሉ እዮም። 




#Article 26: ሕማም ቫይረስ ኢቦላ (372 words)


ሕማም ቫይረስ ኢቦላ (EVD) ወይ ምድማይን ረስንንg ዜስዕብ ኢቦላ (EHF፡ ብቫይረስ ኢቦላ ዚስዕብ ሕማም ደቂ ሰባት እዩ። ምልካፍ’ቲ ቫይረስ’ቲ ካብ ዘጋጠመሉ እዋን፡ ካብ ክልተ መዓልታት ክሳዕ ሰለስተ ሳምንታት ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ረስኒ፣ ቊስሊ ጐሮሮ፣ቃንዛ ጭዋዳ ከምኡውን ሕማም ርእሲ ዝኣመሰሉ ምልክታት የርኢ። ብፍላይ ድማ ዕግርግር-ምባል፣ ተምላስ ከምኡውን ውጽኣት ቀጺሉ የጋጥም፣ ስራሕ ጸላም ከብዲ ከምኡውን ኲሊትከምዚጐድል ድማ ይገብር። ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ገለ ሰባት፡ ጸገማት ምድማይ ከጋጥሞም ይጅምር እዩ።

እዚ ቫይረስ፡ ንደም ወይ ፈሳሲ ኣካልናይ ዝተለኽፈ እንስሳ (መብዛሕቱ ግዜ ኣህባይ ወይ መንካዕ ፍረታትብምትንካፍ ኪመጽእ ይኽእል።  ኣብ ንቡር ከባቢ፡ ብመገዲ ኣየር ከምዚመሓላለፍ ዝተሰነደ ነገር የለን።. መንካዕ ፍረታት፡ ንሰን ከይተለኽፋ ንቫይረስ ብምጻር ከመሓላልፋ ከምዝኽእላ ይእመን። እቲ ሕማም ድማ ኣብ ሰብ መልከፍቲ ምስኣጋጠመ ኣብ መንጐ ሰባት ኪመሓላለፍ ይኽእል። እቶም ካብቲ ሕማም ዝደሓኑ ደቀ-ተባዕትዮ፡ ንኸባቢ ክልተ ኣዋርሕ ዚኸውን ብመገዲ ዘርኢ ተባዕታይ ኣቢሎም ነቲ ሕማም ከመሓላልፉ ይኽእሉ እዮም። ነጸርታ ሕማም ንምክያድ፡ ፈለማ ከም ዓሶ፡ ሸሮኽ ከምኡውን ካልእ ምድማይን ረስንን ዜስዕብ ቫይረስንዝኣመሰለ ተመሳሳሊ ምልክታት ናይ ካልእ ሕማማት ተለሊዩ ከምዚእለ ይግበር።  ነቲ ነጸርታ ንምርግጋጽ ድማ ቅምሶታት ደም ብምውሳድ፡ ጸረ-ነፍሳት’ቲ ቫይረስ፡ RNA’ቲ ቫይረስ ወይ ባዕሉ’ቲ ቫይረስ እንተልዩ መርመራ ይግበረሉ።

ምክልኻል፡ ካብ ዝተለኽፉ ኣህባይን ሓሰማታትን ናብ ሰባት ንዝህሉ ምልባዕ’ቲ ሕማም ከምዚጐድል ምግባር ዜጠቓልል እዩ። እዚ ድማ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ እንሳታት መልከፍቲ ንኸይስዕቡ ብምክትታል ከምኡውን እቲ ሕማም ኣብ ዝተረኽበሉ እዋን ንዕኦም ብምቕታል ነቲ ረሳታቶም ብግቡእ ብምእላይን ኪግበር ይከኣል። ንስጋ ብግቡእ ከምዚበስል ምግባርን ስጋ ኣብ ዝትሓዘሉ እዋን በጃ ኽዳን ምውዳይን፡ , ከምኡውን ኣብ ከባቢ’ቲ ዝሓመመ ሰብ ኣብ እትኾነሉ እዋን በጃ ኽዳን ምውዳይን ኣእዳው ምሕጻብን ሓጋዚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ቅምሶታት ናይቲ በቲ ሕማም ካብ ዝሓመሙ ሰባት ዝወጽእ ፈሳሲ ኣካልን ትሹታትን፡ ብፍሉይ ጥንቃቐ ክትሓዝ ይግባእ።

  
ፍሉይ ሕክምና ናይቲ ሕማም እኳ እንተዘየለ፡ ነቶም ዝተለኽፉ ሰባት ንምሕጋዝ ዚግበር ጻዕርታት፡ ንፍወሳ ኦኣርኤስ (oral rehydration therapy)(ብውሑድ ሽኮርን ጨውን ዝተዳለወ ማይ ከምዝሰትዩ ምግባር) ወይ ብመትኒ ዚውሃብ ፈሳሲየጠቓልል። እዚ ሕማም’ዚ፡ ልዑል መጠነ ሞትኣለዎ፥ ካብቶም በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ድማ ካብ 50% ክሳዕ 90% ይሞቱ። ሕማም ኢቦላ ቫይረስ፡ ፈለማ ኣብ ሱዳን ከምኡውን ደሞክራስያዊ ረፑብሊክ ኮንኮ ተራእዩ። እዚ ሕማም’ዚ፡ ኣብ ትሮፒካዊ ከባቢታት ትሕተ-ሳህራ ኣፍሪቃ ኣብ ዝህሉ ለበዳታት ከም ልሙድ የጋጥም። ካብ 1976 (ፈለማ ካብ ዝተራእየሉ እዋን) ክሳዕ 2013፡ ኣብ ዓመት ትሕቲ 1,000 ሰባት በቲ ሕማም ይልከፉ ነይሮም። እቲ ክሳዕ ሕጂ ዘጋጠመ ዝዓበየ ለበዳ፡ እቲ ኣብዚ እዋን ንጊኒ፡ ሴራ ላዮን፡ ላይበርያ ከምኡውን ብመጠኑ ንናይጀርያዜጥቅዕ ዘሎ ለበዳ ኢቦላ ምዕራብ ኣፍሪቃ 2014እዩ። ክሳዕ ነሓሰ 2014፡ ልዕሊ 1600 ሕሙማት ተለኺፎም ኣለዉ። ክታበት ንምምዕባል ቀጻሊ ጻዕርታት ይግበር እኳ እንተሃለወ፡ ዝተረኽበ ነገር ምንም የለን። 




#Article 27: ስይስቲሰርኮሲስ (Cysticercosis) (379 words)


ስይስቲሰርኮሲስ (Cysticercosis) ፡ ኣብ  ሓቢ ስጋ ሓሰማ (ታኒያ ሶልዩም (Taenia solium)) ብዚርከብ ውልዶ ቅርጺ ኣካል ብዘለዎ (ስይስቲሰርኩስ) ዚስዕብ  ረኽሲ ቲሹ   እዩ።  ሰባት፡ ንዓመታት ዚኣክል ውሑድ ዝኾነ ምልክታት ከርእዩ ወይ ምልክታት ከየርእዩ ይኽእሉ እዮም፣ ኣብ ቆርበትን ጭዋዳታትን ድማ ቃንዛ ዘይብሉ ኣስታት ካብ ሓደ ክሳዕ ክልተ ሰንቲሜተር ዚበጽሕ ተሪር ሕበጥ ከማዕብሉ ይኽእሉ እዮም፣ ሓንጐሎም ዝተጠቕዐ እንተኾይኑ ድማ ምልክታት ሕማም ስነ-መትኒ ክህልዎም ይኽእል እዩ። እዚ ሕበጥ’ዚ፡ ድሕሪ ኣዋርሕ ወይ ዓመታት፡ ኣዝዩ ኣቐንዛዊ ይኸውን፣ ቀጺሉ ኣዝዩ ብምሕባጥ ድማ ኪሓድጐ ይኽእል። ኣብ ዝምዕብላ ዘለዋ ሃገራት ድማ ሓደ ካብቶም ንወቕዒ ምንፍርፋር ዜስዕቡ ግኑን ሕማም እዩ። 

መብዛሕቱ ግዜ፡ እንቛቑሖ ሓቢ ንዘለዎ ምግቢ ብምብላዕ ወይ ማይ ብምስታይ ዚመጽእ እዩ። ዘይተኸሸነ ኣሕምልቲ፡ እቲ ቀንዲ ምንጪ እዩ።  እዚ እንቛቑሖ ሓቢ፡ ካብቲ ብቴንያሲስ (taeniasis) ዝፍለጡ ዓበይቲ ሓሰኻታት ኣብ እተለኽፈ ሰብ ኣብ ዚወጽእ ቀልቀል ይርከቡ። ቴንያሲስ፡ ጽቡቕ ገይሩ ካብ ዘይተኸሸነ ስጋ ሓሰማ ንዝርከብ ሲይስት (ፍሕ) ብምብላዕ ዚመጽእ ዝተፈልየ ዓይነት ሕማም እዩ። እቶም እዚ ሓቢ ምስ ዘለዎ ሰብ ዝቕመጡ ሰባት፡ ስይስቲሰርኮሲስ ንኽሕዞም ኣብ ዝዓበየ ሓደጋ ይርከቡ። ነጸርታ ድማ ብኣስፒሬሽን ካብ ሲስይት (ፉሕ) ብምውሳድ ኺካየድ ይከኣል። ኣብ ሓንጐል ንዘጋጥም ሕማም ንምንጻር ድማ ንስእሊ ኮምፕዩተር ውሽጣዊ ኣካላት (CT) ወይ ስእሊ ማግኔታዊ መቓልሕ (MRI) ብምጥቃም ስእልታት ሓንጐል ምውሳድ ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ። ኣብ ፈሳሲ ሓንጐልን ዓንዲ ሕቖንን ደምን ዝርከብ ልዑል ቊጽሪ ናይቶም ብኦሲኖፊሊስ (eosinophils)  ዝፈለጡ ጸዓዱ ዋህዮታት ደም ድማ ሓበርቲ ምልክታት እዮም።

ውልቃዊ ጽሬት ከምኡውን ንጽሕና ብምጥቃም፡ ረኽሲ ብዚግባእ ኽትከላኸሎ ይከኣል እዩ። እዚ ድማ ንስጋ ሓሰማ ብዚግባእ ምኽሻን፣ ጽሬቱ ዝሓለወ ዓይኒ ምድሪ ምጥቃምን ብሉጽ ኣገልግሎት ዝስተ ማይ ምህላውን የጠቓልል። ንቴንያሲስ ምሕካም፡ እቲ ሕማም ንኸይላባዕ ኣገዳሲ እዩ። ንስርዓተ-መትኒ ዘየጥቅዐ ሕማም ምሕካም ግን ኣየድልይን እዩ።  ነቶም ሕማም መትኒ (ኔውሮስይስቲሰርኮሲስ) ዘለዎም ሰባት ንምሕካም፡ ብመድሃኒታት ፕራዚክዋንተል (praziquantel) ወይ ኣልበንዳዞል (albendazole) ኪኸውን ይኽእል። እዚ ድማ ኣዝዩ ነዊሕ ግዜ ኪወስድ ይኽእል እዩ።  ኣብ ግዜ ሕክምና ንዘጋጥም ነድሪ ኣካላት ዝፍውስ ስተሮይድ (Steroid) ከምኡውን  ንሕማም ምንፍርፋር ዚፍውስ መድሃኒታት ከድሊ ይከኣል እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ነቲ ዘጋጠመ ሲይስት ንምእላይ መጥባሕቲ ይግበር እዩ። 

 
ሓቢ ስጋ ሓሰማ፡ ብፍላይ ኣብ እስያ፡ ኣፍሪቃን ደቡብ ኣሜሪካን ግኑን እዩ። ኣብ ገለ ቦታታት ድማ ክሳዕ 25% ናይቲ ህዝቢ ከምዘጥቅዕ ይእመን። ኣብ ምዕቡል ዓለም ድማ እዚ ሕማም’ዚ ኣዝዩ ፍሉጥ ኣይኮነን። ኣብ ዓመተ 2010፡ ኣብ ምሉእ ዓለም፡ ካብቲ ኣብ 1990 ዝነበረ 700 ሞት ወሲኹ፣ ኣብ ኣስታት 1,200 ሰባት ድማ ሞት ኣስዒቡ። ስይስቲሰርኮሲስ፡ ንሓሰማን ላምን ይለክፍ እኳ እንተኾነ፡ መብዛሕቶም ነዊሕ ከይጸንሑ ስለዝሞቱ፡ ምልክታት ሳሕቲ የርእዩ። እዚ ሕማም፡ ኣብ መላእ ታሪኽ ንደቂ ሰብ እናጥቅዐ ዚርከብ ዘሎ እዩ። እዚ ድማ ሓደ ካብቶም ዝተረስዑ ትሮፒካዊ ሕማማት እዩ።




#Article 28: ሕማም ዕቡድ ከልቢ (467 words)


ሕማም ዕቡድ ከልቢ ፡ ኣብ ሰባትን ካልኦት  ውዑይ ዝደሞም እንስሳታትን ከቢድ ነድሪ ኣእምሮ ብዘስዕብ ቫይራል ዚመሓላለፍ ሕማም እዩ። እቲ ኣቐዲሙ ዝርኤ ምልክታት፡ ረስንን ኣብቲ ዝተነኽሶ ክፋል ኣካል ድማ ጸላዕላዕ/ማርማር ዚብል ስምዒትን ከጠቓልል ይኽእል። እዚ ምልክታት ድማ ቀጺሉ ካብ ዘሎ ሓደ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ምልክታት፥ ማለት ዘይንቡር ምንቅስቓስ ኣካላት፣ ዘይግታእ ስምዒታት፣ ፍርሂ ማይ፣ ንገለ ክፋላት ኣካል ከተንቀሳቕስ ዘይምኽኣል፣ ዕግርግር ምባል ከምኡውን ምስሓት ውኖየኸትል። ሕማም ዕቡድ ከልቢ፡ ምልክትታት ምስተራኣየ፡ መብዛሕቱ ግዜ ሞት የስዕብ። ኣብ መንጐ መልከፍቲ ሕማምን ምርኣይ ምልክታትን ዘሎ ንውሓት ግዜ፡ መብዛሕቱ ግዜ ካብ ሓደ ክሳዕ ሰለስተ ኣዋርሕ እዩ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ንውሓት ግዜ፡ ካብ ትሕቲ ሓደ ሰሙን ክሳዕ ልዕሊ ሓደ ዓመት ኪፈላለ ይከኣል እዩ። እቲ  ንውሓት ግዜ፡ እቲ ቫይረስ ናብ ማእከላይ ስርዓተ መትኒ ንኽበጽሕ ኣብ ዝጉዓዞ ርሕቐት ዚሙርኮስ እዩ። 

ሕማም ዕቡድ ከልቢ፡ ካብ ካልኦት እንስሳታት ናብ ሰባት ኪመሓላለፍ ይኽእል። ሕማም ዕቡድ ከልቢ፡ በቲ ሕማም ዝተለኽፈ እንስሳ ንኻልእ እንስሳ ወይ ሰብ ኣብ ዝፍሕንጭረሉ ወይ ዝነኽሰሉ እዋን ኪመሓላለፍ ይኽእል። ካብ ዝተለኽፈ እንስሳስ ዚወጽእ ምራቕ፡ ምስ ልፋጭ ቆርበት ኣካላት (ሙኮስ መምብረይን) ካልእ እንስሳ ወይ ሰብ ኣብ ዝራኸበሉ እዋን እቲ ሕማም ዕቡድ ከልቢ ከመሓላልፍ ይኽእል። መብዛሕቱ ኣብ ሰባት ዜጋጥም ሕማም ዕቡድ ከልቢ፡ ብሰንኪ መንከስቲ ከልቢ ዚስዕብ እዩ። ኣብተን ሕማም ዕቡድ ከልቢ ብብዝሒ ዘለወን ሃገራት፡ ልዕሊ 99% ሕማም ዕቡድ ከልቢ፡ ብሰንኪ መንከስቲ ከልቢ ዚስዕብ እዩ። ኣብ ኣሜሪካ፡ መንካዕ፡ እተን ኣዝየን ቀንዲ ጠንቂ ሕማም ዕቡድ ከልቢ ክኾና ከለዋ፡ ትሕቲ 5% ናይቲ ኣብ ሰባት ዜጋጥም ሕማም ዕቡድ ከልቢ ድማ ብኣኻልብ ይስዕብ። ገሃጽቲ እንስሳታት፡ ኣዝዩ ሳሕቲ ኣብ ዝኾነ ግዜ ብሕማም ዕቡድ ከልቢ ይልከፉ። ቫይረስ ሕማም ዕቡድ ከልቢ ፡ ካብ ኣእምሮ ወጻኢ ብዘሎ  መትንታትኣቢሉ ናብ ኣእምሮ ይጉዓዝ። እዚ ሕማም፡ ምልክታት ምስተራእየ ጥራይ’ዩ ኪንጸር ዚከኣል።

ፕሮግራማት ምቚጽጻርን ክታበትን እንስሳታት፡ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ዓለም፡ ነቲ ብኣኻልብ ዚስዕብ ሓደጋታት ሕማም ዕቡድ ከልቢ ከምዝቕንስ ይገብር ኣሎ። እቶም ኣብ ከቢድ ሓደጋ ዝርከቡ ሰባት፡ እቲ ሕማም ቅድሚ ምግጣሙ ክኽተቡ ለበዋ ይቐርብ። እቶም ኣብ ልዑል ሓደጋ ዝርከቡ ጉጅለ፡ ምስ መንካዓት ዝሰርሑ ወይ ኣብቲ ሕማም ዕቡድ ከልቢ ብብዝሒ ዝርኣየሉ ቦታታት ዓለም ንነዊሕ ግዜ ዝሰርሑ ጉጅለ ሰባት የጠቓልል። እቶም ንሕማም ዕቡድ ከልቢ ዝተቓልዑ ሰባት ብዚምልከት፥ እቲ ዚሓመመ ሰብ፡ ቅድሚ ምልክታት ሕማም ዕቡድ ከልቢ ምጅማሩ ሕክምና ዝግበረሉ ሰብ፡ ክታበት ሕማም ዕቡድ ከልቢን ሳሕቲ ድማ ኢሙኖግሎቡሊን ሕማም ዕቡድ ከልቢን፡ ንምክልኻል’ዚ ሕማም ውጺኢታዊ እዩ። ንዝተነኽሰን ዝተፈሓንጨረን ኣካል ን15 ደቓይቕ ዝኣክል ግዜ ብሳሙናን ማይን፣ ፖቪዶን ኣዮዲን፣ ወይ መነጻጽሂ ዲተርጀንት ምሕጻብ፡ ነቲ ቫይረስ ኪቐትል ስለዝኽእል፡ ንምትሕልላፍ ሕማም ዕቡድ ከልቢ ንኽከላኸል ብመጠኑ ውጺኢታዊ ይኸውን እዩ። ብሕማም ዕቡድ ከልቢ ዝተለኽፉ ውሑዳት ሰባት ጥራይ’ዮም ብህይወት ሰሪሮም ዘለዉ፣ እዚ ድማ ብእተገብረ ብፕሮቶኮል ሚልዎኪ ዚፍለጥ ሰፊሕ ሕክምና ምስተገብረሎም እዩ።

ሕማም ዕቡድ ከልቢ፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ኣብ ዓመት፡ ንኣስታት 26,000 ክሳዕ 55,000 ሞት የስዕብ። ልዕሊ 95% ናይቲ ዘጋጥም ሞት፡ ኣብ እስያ ከምኡውን ኣፍሪቃዜጋጥም እዩ። ሕማም ዕቡድ ከልቢ፡ ኣብ ልዕሊ 150 ሃገራት፡ ከምኡውን ብዘይካ ኣብ ኣንታርክቲካ ኣብ ኲለን ኣህጉራት ይርከብ። ሕማም ዕቡድ ከልቢ ኣብ ዘለዎ ከባቢታት ዓለም፡ ልዕሊ 3 ቢልዮን ሰባት ይነብሩ ኣለዉ። ኣብ መብዛሕቱ ቦታታት ኤውሮጳን ኣውስትራልያን፡ ሕማም ዕቡድ ከልቢ፡ ኣብ መንክዓት ጥራይ ይርከብ። ብዙሓት ንኣሽቱ ኣብ ደሴታት ዝርከባ ሃገራት ድማ ብፍጹም ሕማም ዕቡድ ከልቢ የብለንን።




#Article 29: ኤደን ሃዛርድ (485 words)


ኤደን ሃዛርድ 

ብ 7 ጥሪ 1991 ኣብ ላ ሉቭየር - በልጁም ዝተወልደ ኤደን ሃዛርድ፣ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣባል ክለብ ቸልሲን ሃገራዊት ጋንታ በልጁምን ኮይኑ ዝጻወት ዘሎ ድንቂ ፕሮፌሽናል ተጻዋታይ’ዩ።
ከም ናይ ፍርቂ ሜዳን ናይ ክንፍን ኣጥቃዓይ ኮይኑ ዝስለፍ ሃዛርድ፣ ብዝውንኖ መሃዝነት፣ በርቃዊ ቅልጣፈን ተክኒካዊ ብቕዓትን’ዩ ኣውራ ዝፍለጥ። ብተንተንትን ኣፍቀርትን ጸወታ ኵዕሶ እግሪ “ንተቓናቐንቱ ኣሽኪዑ ከም ዝሰኽሩ ብምግባር ንጸወታ ናብ ረብሓ ጋንታኡ ክቕይር ዝኽእል፣ ፍርሒ ዝበሃል ዘይፈልጥ ተባዕን ሓያልን ኣጥቃዓይ” ተባሂሉ’ዩ ዝግለጽ።

ወለዲ ሃዛርድ - ካብ ሓድሕዶም ዘይሰናነፉ ሃበርም ተጻወትቲ ኵዕሶ እግሪ’ዮም ነይሮም። ኣቦኡ ቴሪ ምስ ኣባል ካልኣይ ዲቪዝዮን በልጁም ዝኾነት ጋንታ ላ ሉቭየር ተሰሊፉ ሓያል ተኸላኻላይ ፍርቂ ሜዳ ኮይኑ ክጻወት ከሎ፣ ኣደኡ ካሪን ድማ ክሳዕ ንሃዛርድ ነፍሰ ጾር እትኸውን፣ ኣብ ናይ ቀዳማይ ዲቪዝዮን ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ኩዕሶ እግሪ ሓያል ኣጥቃዒት ነበረት። ጸወታ ምስ ኣቋረጹ’ውን ክልቲኦም ኣሰልጠንቲ’ዮም ኮይኖም ኣብ ስፖርት ቀጺሎም።
ሃዛርድ፣ “ራዛ ናይ ኣቦኡ ሓዛ” ከም ዝበሃል ኣሰር ወለዱ ብምሓዝ ካብ ብንኡሱ ምስ ኣብ ሃገሩ ዝርከባ ክለባት ምጽዋት ጀመረ። ኣብ 2005 ድማ ናብ ፈረንሳ ብምኻድ ምስ ቀዳማይ ዲቪዝዮን ክለብ ሊለ ተጸንበረ። ኣብ ስፖርታዊ ኣካዳሚ’ዛ ክለብ ንክልተ ዓመታት ዝኣክል ክስልጥን ድሕሪ ምጽናሕ ከኣ ኣብ ሕዳር 2007፣ ወዲ 16 ዓመት ምስ ኮነ ንፈለማ ግዜ ሞያዊ ጸወታኡ ጀመረ። 
ጌና ጀማሪ ከሎ ብዝነበሮ ብቕዓትን ክእለትን ኣብ 2007 /2008 ከምኡ’ውን ኣብ 2009/2010 ንኽልተ ተኸታተልቲ ዓመታት ናይ መጀመርታ ዘይፈረንሳዊ ተሸላሚ ናይ’ቲ ብሃገራዊ ማሕበር ሞያውያን ተጻወትቲ ኵዕሶ እግሪ ፈረንሳ (UNFP) ዓመታዊ ንዝንኣሰ ብሉጽ ተጻዋታይ ንዝወሃብ ሽልማት ክዓትር ክኣለ። ንሳልሳይ ግዜኡ ከኣ ንከም ኦሊቨየር ጁሩድ ዝኣመሰሉ ብሉጻት ተጻወትቲ በሊጹ “ናይ’ቲ ዓመት ብሉጽ ተጻዋታይ” ተባሂሉ ረዚን ክብሪ ጨበጠ።
ሃዛርድ ዕድመን ተመክሮን እናወሰኸ ብዝኸደ መጠን ምልከት ኵዕሶኡ’ውን ብኡ መጠን ክዓቢ’ምበር ክንኪ ኣይተራእየን። ኣብ ወቕታዊ ውድድራት ናይ 2011 – 2012’ውን ክለብ ‘ሊለ’ ናይ ፈረንሳ ሊግ ጎብለል ኮይና ድርብ ዓወት ክትጐናጸፍ ከላ፣ ሃዛርድ ድማ ናይ’ቲ ዓመት ዝበለጸን ዝንኣሰን ተጻዋታይ ሊግ UNFP ክስይየምን ክሽለምን በቕዐ። ድሕሪ ሸሞንተ ዓመታት ንፈረንሳዊት ክለብ ሊለ ተሰናቢቱ ኣብ ሰነ 2012 ናብ’ዛ ሕጂ ዘለዋ እንግሊዛዊት ክለብ ቸልሲ ግዓዘ።

ኤዲን ሃዛርድ ልክዕ ከም ንሊለ ዘዅርዓ ዝነበረ ንቸልሲ’ውን ከየሐበና ኣይተረፈን። ኣብ ፋልማይ እግሩ ቸልሲ ንኒውካስል ዩናይትድ፣ ኖርዊች ሲቲ፣ ሊድስ ዩናይትድን ኣስቶን ቪላን በብተራ ኣብ ዝድሃኸትለን ነፍሲ ወከፍ ግጥም ውሃ ዘበላ ሸቶታት ኣመዝጊቡ’ዩ። ብፍላይ’ታ ኣብ ጥሪ 2013 ቸልሲ ንስቶክ ሲቲ ኣርባዕተ ብባዶ ኣብ ዘሰነፈትሉ ጸወታ፣ ብዓኼለይቲ እግሩ ካብ 25 ሜትሮ ርሕቀት ቀሊዑ ኣብ ሰኪዔት ዘዕረፋ ሸቶ ከምኡ’ውን ንሳውዛምፕተን ካብ ኵርናዕ ብመሳጢ ቅላዕ ዘመዝገበላ ሸቶ፣ ካብ’ተን ዝጥቀሳ ሸቶታቱ’የን። ሃዛርድ፡ ሎሚ ዓመት ጋንትኡ ሻምፕዮን ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ ክትከውን ከላ፡ ነሱ ድማ፡ ናይ’ዚ ዓመት “ዝበለጸ ተጻዋታይ” ተባሂሉ ንሽልማት በቒዑ። 
ፍራንክ ላምባርድ፣ “ሃዛርድ ኩሉ ዘማልአ’ዩ፣ ገና ከኣ ወዲ 22 ዓመት ጎበዝ’ዩ ዘሎ። ብቕዲ ኣጻውታኡን ዝውንኖ ልዑል ምልከት ኵዕሶን ንመጋጥምቱ ከስግእ ዝኽእል ተጻዋታይ’ዩ” ክብል ኣብ ሃዛርድ ዘለዎ ኣድናቖት ይገልጽ። 
ዘይነዲን ዚዳን ብወገኑ፣ “ኤዲን ሃዛርድ ናይ ቴክኒክ ተውህቦ ዘለዎን በርቃዊ ፍጥነት ዝተዓደለን’ዩ። ኣብ ዝመጽእ ግዜ ዓቢ ኮኾብ ከም ዝኸውን ድማ ርግጸኛ’የ።” ብምባል ኣብ 2010 ተነብዩሉ ነበረ።
ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ናታሻ ንዝተባህለት ጓል ዓዱ ተመርዕዩ ያኒስን ልዮንን ኣስማቶም ቈልዑ ብምውላድ ናይ ገዛእ ርእሱ ናብራ መስሪቱ ዝርከብ ኤዲን ሃዛርድ፣ ንወለዱ ቦኽሪ’ዩ። ሰለስቲኦም ኣሕዋቱ ኸኣ ልክዕ ከምኡን ከም ወለዶምን፣ ነቲ ኣብ 2012 ኣብ ቸልሲ ዝተጸንበሮ ቶርጋን ወሲኽካ ብምሉኦም ንፉዓት ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ እዮም።
ካብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዝተወስደ




#Article 30: ሕማም ቻጋስ (419 words)


ሕማም ቻጋስ (Chagas)  ወይ ኣሜሪካን  ትራይፓኖሶሚያሲስ፡ ብTrypanosoma cruzi ዚፍለጥ ፕሮቶዝዋ ዚመጽእ  ትሮፒካዊ ሕማም ፓራሳይት (ጽግዕተኛ) እዩ።  መብዛሕቱ ግዜ፡ ብሰዓምቲ ሓሸራታት ዝፍለጡ ሓሸራታት ይመሓላለፍ።  ምልክታት፡ ኣብ ግዜ መልከፍቲ ዚቐያየር እዩ። ኣብ ፋልማይ ደረጅኡ፡ ብቐንዱ ምልክታት ኣየርእን እዩ ወይ ድማ ፈኲስ ዚበለ እዩ፣ ከም ረስኒ፡ ሕበጥ ሱር ዕያገነዳ (lymph nodes)፡  ሕማም ርእሲ ወይ ኣብቲ እተነኽሰሉ ከባቢ ዘጋጥም ሕበጥ ከጠቓልል ይኽእል። ድሕሪ 8–12 ሳምንታት፡ እቶም ዝተለኽፉ ሰባት፡ ናብ ሕዱር ደረጃ’ቲ ሕማም ይኣትዉ፣ ኣብ 60–70% ድማ ተወሳኺ ምልክታት ብፍጹም ኣይርአይን። እቶም ዝተረፉ 30 ወይ 40% ዝተለኽፉ ሰባት ድማ ፋልማይ መልከፍቲ ካብ ዘጋጠመሉ ግዜ ካብ 10 ክሳዕ 30 ዓመታት ኣብ ዘሎ ግዜ ተወሳኺ ምልክታት የማዕብሉ።  እዚ ድማ ምውሳኽ ዕብየት ቨንትሪክል ልቢ ዜጠቓልል ኮይኑ፡ ካብ 20 ክሳዕ 30% ሰባት ድማ ድኻም ልቢ የጋጥሞም።  ምውሳኽ ዕብየት ሻሕለለ ወይ ምውሳኽ ዕብየት ረጒድ መዓንጣ፡ ኣብ 10% ሰባት ከጋጥም ይኽእል።

T. cruzi ፡ መብዛሕቱ ግዜ፡ ካብ ንኡስ ቤተሰብ ትርያቶሚናይ (Triatominae)  ብዝኾኑ ደም ዝመጽዉ “ሰዓምቲ ሓሸራታት” ይመሓላለፍ። እዚ ሓሸራታት፡ ኣብ ኣርጀንቲና፡ ቦሊቭያ፡ ቺለን ፓራጓይን፡ vinchuca፣  ኣብ ብራዚል፡ barbeiro (ባርበር)፣  ኣብ ኮሎምብያ፡ pito ፣  ኣብ ማእከላይ ኣሜሪካ፡ chinche፣  ከምኡውን ኣብ ቨነዝዌላ፡ chipo  ዜጠቓልል ብሓያሎ ከባብያዊ ኣስማት ይጽውዑ። እዚ ሕማም፡ ብመገዲ ምስግጋር ደም፡ ምስግጋር ኦርጋን (ክፍሊ ኣካላት)፡ ብፓራሳይት ዝተመረዘ ምግቢ ብምብላዕ ከምኡውን  ካብ ኣደ ናብ ዕሸላኣቢሉ ኪመሓላለፍ ይኽእል።  ነጸርታ’ቲ ኣብ ፋልማይ ደረጃ ዘሎ ሕማም፡ ማይክሮስኮፕ ብምጥቃም ነቲ ፓራሳይት ኣብ ደም እንተሃልዩ ብምርኣይ ይካየድ። ሕዱር ሕማም ድማ ኣብ ደም ንዝርከብ T. cruzi ዚቃወም ጸረነፍሳት ብምርካብ ኪንጸር ይከኣል።

ምክልኻል ሕማም፡ ብዓቢኡ ንሰዓምቲ ሓሸራታት ምጥፋእን መንከስቲ ምውጋድን የጠቓልል።  እቲ ካልእ ጻዕርታት ምክልኻል ሕማም ድማ ነቲ ዝሰጋገር ደም መርመራ ምግባር ዜጠቓልል እዩ። ክታበት፡ ክሳዕ 2013 ኣይተመስርሐን። ፋልማይ መልከፍትታት፡ ብበንዝኒዳዞል ወይ ኒፉርቲሞክስ እተባህለ መድሃኒት ብምጥቃም ሕክምና ይግበረሉ። እቲ መድሃኒት ኣብ ፋልማይ ደረጅኡ ምስዝውሃብ ድማ እቲ ሕማም ዳርጋ ኲሉ ግዜ ይፍውስ እዩ፣ እንተኾነ ግን እቲ ሕማም ቻጋስ ንነዊሕ ግዜ ምስዝጸንሕ፡ ውጽኢቱ ትሑት ይኸውን።  እቲ ሕማም ሕዱር ኣብ ዝኾነሉ ግዜ ምስእትጥቀመሉ፡ ናብ ናይ መወዳእታ ደረጃ ምልክታት ንኸይምዕብል ከደንጒ ወይ ክዕንቅጽ ይኽእል። በንዝኒዳዞለን ኒፉርቲሞክስን፡ ኣብቶም ከባቢ 40% ዝኾኑ ዝተለኽፉ ሰባት፡  ከም ሕማም ቆርበት፡ ምምራዝ ሓንጐልን ቁጥዐ ስርዓተ ምዕቓቕን ዝኣመሰለ ግዝያዊ ጐድናዊ ሳዕቤናታት የስዕብ እዩ።

መብዛሕቶም ኣብ ሜክሲኮ፡ ማእከላይ ኣሜሪካ ከምኡውን ደቡብ ኣሜሪካ ዝርከቡ ካብ 7 ክሳዕ 8 ሚልዮን ሰባት፡ ሕማም ቻጋስ ከምዘለዎም ይግመት።  ኣብ 2006፡ ኣብ ዓመት ንኸባቢ 12,500 ሞት ምኽንያት ኮይኑ። እዚ ሕማም ዘለዎም መብዛሕቶም ሰባት፡ ድኻታት እዮም ከምኡውን እዚ ሕማም’ዚ ዘለዎም ሰባት፡ ብእኡ ከምእተለኽፉ ኣይፈልጡን እዮም። ኣዝዩ ብዙሕ ምንቅስቓስ ህዝቢ፡ ሕማም ቻጋስ ንዝርከን ከባቢባት ከምዝውስኽ ይገብር ኣሎ፣ ኣብዚ ግዜ’ዚ ድማ ንብዙሓት ሃገራት ኤውሮጳን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን የካትት ኣሎ።  ክሳዕ 2014 ኣብ ዘሎ ዓመታት ድማ ወሰኽ’ቲ ሕማም ኣብዚ ከባቢታት ተራእዩ።  እዚ ሕማም፡ ፈለማ ኣብ 1909 ብካርሎስ ቻጋስ ዝተረኽበ ኮይኑ፡ ብስሙ ድማ ይጽዋዕ ኣሎ። ንልዕሊ 150 ካልኦት እንሳታት ድማ የጥቅዕ።




#Article 31: ብሕማም ሓሰኻ ጊኒ (401 words)


ድራኩንኩልያሲስ (Dracunculiasis)፡ ብሕማም ሓሰኻ ጊኒ (GWD) ዚፍለጥ ኮይኑ፡ ብሓሰኻ ጊኒ ዚመጽእ ለበዳ እዩ።  ሰብ፡ ብላርቫሓሰኻ ጊኒ እተበከለ ቊንጪ ማይ ዘለዎ ማይ ብምስታይ ይልከፍ። ኣብ ፈለማ፡ ምልክታት የብሉን። ከባቢ ሓደ ዓመት ምስ ገበረ ግን፡ እታ ኣንስተይቲ ሓሰኻ ኣብ ቆርበት፡ መብዛሕቱ ግዜ ድማ ኣብ ታሕተዋይ ልስሉስ ክፍሊ ኣካላት ማይ ምዕጐ ስለእትገብር፡ እቲ ሰብ፡ ኣቐንዛዊ ስምዒት ቃጸሎ የማዕብል።  እታ ሓሰኻ ድማ ድሕሪ ውሑድ ሳምንታት ካብ ቆርበት ትወጽእ። ኣብዚ ግዜ’ዚ፡ ንኽትከይድ ወይ ክትሰርሕ ኣጸጋሚ ኪኸውን ይኽእል። እዚ ሕማም፡ ሞት ንኸስዕብ ግን ኣዝዩ ዘይልሙድ እዩ።.

ወዲሰብ፡ እቲ ብሓሰኻታት ጊኒ ዚጥቃዕ እተፈልጠ እንኮ እንስሳ እዩ። እዚ ሓሰኻ፡ ካብ ሓደ ክሳብ ክልተ ሚሊ ሜትሮ ስፍሓት ዘለዎ ኮይኑ፡ በጽሒ ኣንስተይቲ ድማ ካብ 60 ክሳብ 100 ሰንቲሜትሮ ንውሓት ኣለዋ (ተባዕትዮ ግን ኣዝዮም ሓጸርቲ እዮም)።  እቲ እንቛቚሖታት ድማ ካብ ሰብ ወጺኡ ክሳዕ ሰለስተ ሳምንታት ክነብር ይኽእል እዩ። ቅድሚኡ ግን ብቚንጪ ማይ ክብላዕ ኣለዎ። ኣብ ውሽጢ ቊንጪ ማይ ዘሎ ላርቫ፡ ክሳዕ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ክጸንሕ ይኽእል። ስለዚ፡ እቶም ሓሰኻ ኣብ ሓደ ቦታ ንኽጸንሑ፡ እቲ ሕማም ኣብ ነፍስወከፍ ዓመት ኣብ ደቂሰብ ክህልዉ ኣለዎ። ነጸርታ’ዚ ሕማም’ዚ፡ መብዛሕቱ ግዜ፡ ብመሰረት ምልክታትን ሓበሬታን እቲ ሕማም ኺካየድ ይኽእል።

ምክልኻል፡ ኣቐዲምካ ነቲ ሕማም ብምንጻር፡ ደሓር ድማ ነቲ ዝሓመመ ሰብ ነቲ ቊስሉ ኣብ ዝስተ ማይ ንኸይገብር ብምኽልካል ኣዩ። ካልእ ጻዕርታት ድማ፥ ኣገልግሎት ጽሩይ ማይ ከምዚመሓየሽ ምግባር፣ ጽሩይ ኣብ ዘይኮነሉ ግዜ ድማ ብመጻረዪ ማይ ምጽራይ የጠቓልል።  መብዛሕቱ ግዜ፡ ብሻሽ ምጽራይ እኹል እዩ። እተበከለ ዝስተ ማይ፡ ነቲ ላርቫ ንምቕታል ተመፎስ (temefos)  ተባሂሉ ብዚጽዋዕ ከሚካል ኪፍወስ ይከኣል እዩ። ነቲ ሕማም፡ መድሃኒት ወይ ክታበት የብሉን። ቀስ ኢልካ ብዕንጨይቲ ነቲ ሓሰኻ ብምጥቕላል ኣብ ገለ ሳምንታት ከተጥፋኦ ይከኣል እዩ። እቲ ሓሰኻ ኪወጽእ ከሎ ዝፈጠሮ ቊስልታት ድማ ብባክተርያ ክልከፍ ተኽእሎ ኣለዎ። እቲ ሓሰኻ ምስ ወጸ፡ ንኣዋርሕ ዚጸንሕ ቃንዛ ብቐጻሊ ኪህሉ ይኽእል እዩ።

ኣብ 2013፡ በቲ ሕማም እተለኽፉ 148 ሰባት ነይሮም። እዚ ድማ ካብቲ ኣብ 1986 ዝነበሩ 3.5 ሚልዮን ሕሙማት ጐድሉ። ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ 4 ሃገራት ጥራይ ይርከብ፣ ካብቲ ኣብ 1980ታት ዝነበራ 20 ሃገራት  ድማ ጐዲሉ ይርከብ።  እታ ብብዝሒ እተጠቕዐት ሃገር፡ ደቡብ ሱዳን እያ። እዚ ሕማም’ዚ ድማ ክጠፍእ ዘለዎ ብፓራሳይት ዚመሓላለፍ ናይ መጀመርታ ሕማም ዳርጋ ኮይኑ ኣሎ። ሕማም ሓሰኻ ጊኒ፡ ካብ ጥንቲ ይፍለጥ ነይሩ።  ኣብቲ ብ1550  ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ እተዳለወ ሕክምናዊ ጽሑፍ ግብጺ ኢበርስ ፓፕይሩስ (Ebers Papyrus) ተጠቒሱ ይርከብ።  ድራኩንኩልያሲ ዚብል ስም፡ ስቓይ ደቀቕቲ ድራጎናት ካብ ዚብል ላቲን ዚመጸ እዩ፣ እቲ “ሓሰኻ ጊኒ” ዚብል ስም ድማ ኤውሮጳውያን ኣብ 17 ክፍለ-ዘመን ኣብ ገማግም ምዕራብ ኣፍሪቃ ኣብ ዘላ ጊኒ  እቲ ሕማም ምስርኣይዎ ዘውጽእዎ ስም እዩ። ንሓሰኻታት ጊኒ ዚመስል ጅር (ስፒሽስ) ድማ ኣብ ካልኦት እንስሳታት ነቲ ሕማም የመሓላልፍ። እዚ ግን ናብ ደቂሰብ ኣይመሓላልፍን እዩ። እዚ ድማ ምስ ርሱዕ ትሮፒካዊ ሕማም ይምደብ።




#Article 32: ትንቢት የውሃንስ (125 words)


ወንጌል ዮሓንስ

ትሕዝቶ

vብግእዝ  ፍሰሃ ወሃሰት / ደስታን ሓጎስን

vብእብራይስጥ ሩህሩህ እግዚኣብሔር 

vአብኡ ዘብ ዴዎስ   ሃብታም ገፋፊ ዓሳ ዝነበረ ብዙሓት ኣገልግለቲ ዝነበርዎ  እዪ

vኣዱኢ ሰሎሜ (ማርያም ባዉልፍያ ) ተባሂላ ትጽዋዕን ( ሓንቲ  ካብተን ነጎይታብገንዝበንን ጉለበተን  ዘግልግላኦ ዝነበራ  ክሳብ መስቀል ዝሰዓባኦ  ቅድሳንኣንስቲ ሓንቲ ካብኤን ኢያ ።

ቁጽራ ድማ ካብ 36 ቅዱሳት ኣንስቲ እያ  ማቴ 20:20 

v   ( ማር .15- 40.41  ሉቃ 23፤35  ማቴ 27፤56 )

vቁጽሩ ካብ 12 ሃዋርያት ክከዉን ከሎ ንጎያታ ብዝነበሮ ፍቅሪ ፍትዉ ወደ መዝሙር ተባሂሊ ይጽዋዕ ኔይሩ

ስለምንተይ ወንጌል ዮሃንስ ካብ ካልኦት ወንጌላውያን ዝተፈልየ( ዝበለጸ )ክበሃል ኪኢሉ

vናይ ነገረ መለኮት መጽሃፍ ስለዝኮነ

vካብትን 4 ኣንስቲ ያዕቆብ ኣብሊጹ ዝፈትዋ ዝነበረ ብራሃል ይምሰል

vቅዱስ ኣጎስጢን  ነቶም 3ወንጌላዉያን ብስጋን  ብነብስን  ንወንጌል ዮሓሃን ግናብነብሲ መሲልዎ

v ንኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብሓደራ ዝተቀበለ(ወን.የው 19:2

vካብ ናይ ምስጢር ሃዋርያት ሓደ ስለ ዝኾነ(ወን. ማቴ 17:1---)

vክርስቶስ ኣብ መስቀል እንታይ ይመስል ብዓይኑ ስለ ዝራአየ

v   ንኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብሓደራ ዝተቀበለ          (ወን.የው 19:2)

vካብ ናይ ምስጢር ሃዋርያት ሓደ ስለ ዝኾነ               (ወን.ማቴ 17:1--)

vክርስቶስ ኣብ መስቀል እንታይ ይመስል ብዓይኑ                         ስለ ዝራአየ

vምዕ.1

vምዕ. 2---12. 

vምዕ.13---17.

እግሪ ሓዋርያት ከም ዝሓጸበን መንፈስ ቁድስ ክልእከሎም ተስፋ ከም ዝሃቦንን ኣብዚ መጽሓፍ ይረከብ።

vምዕ. 18--19

ንሞት ክቀትልዎ ከም ዝወስኑን  ከም ዝቀተልዎን ነደና ክድስቲ ድንግል ማርያም ብሓደራ ንዮዉሃን ክም ዝተዋሀበትን ኣብዚ መጽሓፍ ይርከብ

v ምዕ.20---21

ጎይታ ካብ ምዉታን ዝተንሳኣሉን 3ዝጌ ንደቂ መዛምርቱ ዝተራአየሉን

ኣብ ወን. ዮሓንስ ዝደጋገሙ ቁጽርታትን ትርጋሜኡን                             

v      7  ናይ ምልኣት ምሳሌ ስለዝኾነ                                                                             1.ናይሂወት እንጀራ ኣነ ኢየ(ዮሓ 6፡35)

v  7 ምስክርነት ብዛዕባ ኢየሱስ ክርስቶስ      ኣብ ወንጌል ዮሓንስ

vእቲ ሕጊ ባዕሉ ብዛዕባ ክርስቶስ ከም ዝመስከረ

v መጥምቀ መለኮት ቅዱስ የሓንስ ከም ዝመስከረ(የሓ. 1፡7-15-19)

v ናይታ ሳምራዊት ሰበይቲ ምስክርነት(የሓ. 4፡1--)

v ምስክርነት ህዝቢ( ኣብ ቤት ኣልኣዛር ዝተገብረ ዘደንቅ ታአምራት      ሪኦምዝመስከሩ)(የሓ. 12፡17)

v ኣቦ ብዛዕባ ወልድ ዝመስከሮ( የሓ. 5፡31-36፣ 8፡17፣ 10፡37፣ 14፡10)

v መንፈስ ቅዱስ ብዛዕባ ክርስቶስ ዝመስከሮ(የሓ. 15፡26)

v ደቀ መዛሙርቱ ዝገበርዎ ምስክርነት(የሓ. 15፡27)

vክርስቶስ መሲሕ ምኻኑ  (ምዕ. 2-12)

v ኣብ ካልኦት ዝርከቡ ኣደነቅቲ ታአምራት

vናይ  ኣይሁድ ንጉስ ( የሓ.1፡49፣ 12፡13፣ 18፡33—37፣ 19፡12—15)

vመሲሕ ምኻኑ

vሓቐኛ ብርሃን ( የሓ. 1፡59፣ 8፡12፣ 12፡46)

vምንጪ ናይ ሕይወት ማይ (7፡37)

vፈራዲ ናይ ሞትን ሕይወትን

vክርስቶስ ኣምላኽ ኢዩ (ኣነ)

vንጉስ ኢዩ ( የሓ. 14፡6፣ 14፡9)

vሕይወት ኢዩ (የሓ. 14፡6፣ 1፡4፣ 11፡25፣ 14፡19፣ 15፤1-8)




#Article 33: ረስኒ ዚካ (272 words)


ረስኒ ዚካ (Zika fever)፡ ብብሕማም ቫይረስ ዚካ ዚፍለጥ ኮይኑ፡ ብቫይረስ ዚካ ዚመሓላለፍ ሕማም እዩ። ምልክታት ድማ ምስ ረስኒ ደንጊ (dengue fever) ተመሳሳሊ እዩ። መብዛሕቶም ሕሙማት(60–80%)፡ ዝኾነ ዓይነት ምልክታት ኣየርእዩን እዮም። ምልክታት ኣብ ዝህልወሉ እዋን ድማ ብሓፈሻ ንረስኒ፡ ምቕያሕ ዓይኒ፡ ቃንዛ መላግቦ፡ ቃንዛ ርእሲ ከምኡውን ማኩሎፓኡለር ዕንፉሩር (maculopapular rash) የጠቓልል። እቲ ሓፈሻዊ ምልክታት፡ ፈኲስ ኮይኑ፡ ንትሕቲ ሸውዓተ መዓልታት ድማ ዚጸንሕ እዩ። ኣብ 2015፡ ኣብ ፋልማይ ረኽሲ ዘጋጠመ ሞት የለን። እቲ ረኽሲ፡ ምስ ሕማም ድኻም ጭዋዳታት (Guillain–Barré syndrome) ምትእስሳር ዘለዎ እዩ።

ረስኒ ዚካ፡ ብመንከስቲ ኤይደስ (Aedes) ዝዓይነተን ጣንጡ ብቐንዱ ይመሓላለፍ። ብጾታዊ ርክብን ምስግጋር ደምን ንኺመሓላለፍ ተኽእሎ ክህልዎ ይኽእል እዩ። እዚ ሕማም፡ ኣብ ማህጸን ካብ ኣደ ናብ ቆልዓ ኪመሓላለፍን ንእሽቶ ዝርእሱ ቆልዓ (microcephaly) ከምዚውለድ ኪገብርን ይኽእል። ነጸርታ ድማ እቲ ሰብ ምስ ሓመመ RNA ናይቲ ቫይረስ እንተልዩ ንምፍላጥ፡ መርመራ ደም፡ ሽንቲ ወይ ምራቕ ይግበር።

ምክልኻል፡ እቲ ሕማም ኣብ ዘለዎ ቦታታት ንዘጋጥም መንከስቲ ጣንጡ ከምዚጐድል ምግባር የጠቓልል። እቲ ዚካየድ ጻዕርታት፡ መከላኸሊ ባልዕምጥቃም፣ ንመብዛሕቱ ኣካላት ምሽፋን፥ላሙስያ ጣንጡ ከምኡውን ነቲ ጣንጡ ዝባዝሓሉ ዝዓቖረ ማይ ከምዚእለ ምግባር የጠቓልል። ውጺኢታዊ ዚኾነ ክታበት የለን። ሰበ-ስልጣን ጥዕና ብራዚል፡ ብሰንኪ’ቲ ዘጋጠመ ለበዳ ወለዲ ጥንሲ ኽከላኸላ ከምዘለወን ኣብ 2015 ለበዋ ኣቕሪቦም፣ ጥኑሳት ደቀኣንስትዮ ድማ ናብቲ ለበዳ ዘጋጠመ ቦታታት ክጉዓዛ ከምዘይብለን ምሕጽንታ ቀሪቡ። ፍሉይ ሕክምና ዘይብሉ እኳ እንተኾነ፡ ፓራሲታሞል (ኣሰኣሚኖፈን (acetaminophen))፡ ንዘጋጥም ምልክታት ሓገዝ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ሆስፒታል ደቂስካ ምሕካም ድማ ሳሕቲ የድሊ።

ነዚ ሕማም ዘስዕብ ቫይረስ፡ ፈለማ ኣብ 1947 ተለልዩ ተፈሊጡ።  እቲ ንሰባት ዘጋጠመ እተሰነደ ለበዳ፡ ኣብ 2007 ኣብ ፈደራላውያን ክፈል-ሃገራት ማክሮነስያ (Federated States of Micronesia) እዩ። ኣብ ጥሪ 2016፡ እቲ ሕማም፡ ኣብ ዕስራ ከባቢታት ኣሜሪካ ኣጋጢሙ። ኣብ ኣፍሪቃ፡ እስያን ፓሲፊክን ከምዘጋጠመ ድማ ይፍለጥ እዩ። ብሰንኪ’ቲ ኣብ 2015 ኣብ ብራዚል ዚጀመረ ለበዳ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ የካቲት 2016 ኣህጉራዊ ስክፍታ ህጹጽ ጥዕና ህዝቢ ኣዊጁ።




#Article 34: ብጫ ረስኒ (397 words)


ብጫ ረስኒ (Yellow fever)፡ ኣቐዲሙ ብብጫ ኣድጊ (yellow jack) ወይ ብጫ ፌራ (yellow plague) ተባሂሉ ዝፍለጥ ሕማም ኮይኑ፡ ብርቱዕ ተመሓላላፊ ሕማም እዩ። እቲ ሕማም ኣብ ዝለኽፎም መብዛሕቶም ሕሙማት፡ ከም ረስኒ፡ ቊሪቊሪ ምባል፡ ምጥፋእ ሸውሃት፡ ዕግርግር ምባል፡ ብፍላይ ኣብ ሕቖ ዘጋጥም ቃንዛ ጭዋዳታትን ሕማም ርእስን ዝኣመሰለ ምልክታት ይህልዎም። እቲ ምልክታት ድማ ከም ልሙድ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልታት ከምዚመሓየሽ ይኸውን። ኣብ ገለ ሰባት ግን ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ እናኸፍኤ ይኸይድ፥ ረስኒ ይምለስ፣ ቃንዛ ከብዲ ይመጽእን ብጫ ቆርበትዘስዕብ መጉዳእቲ ጸላም ከብዲ ይጅምር።  እዚ ምስዘጋጥም፡ ሓደጋ ምድማይ ይህሉን ጸገማት ኲሊትናይ ምህላው ተኽእሎ ድማ ይዓብን።

እዚ ሕማም፡ ብቫይረስ ብጫ ረስኒ ዚስዕብ ኮይኑ፡ ብመንከስቲ ኣንስታይ ጣንጡድማ ይመሓላለፍ። ንሰባት፡ ካልኦት ምዕቡላት መጥበውቲከምኡውን ሓያሎ ዓሌታት ጣንጡ ጥራይ ድማ የጥቅዕ። ኣብ ከተማታት፡ ብአይደስ ኢጂብቲ (Aedes aegypti) ዝፍለጣ ዓሌታት ጣንጡ ብቐንዱ ይመሓላለፍ። እዚ ቫይረስ፡ ኣብ ዘርኢ ፍላቪቫይረስ (Flavivirus) ዚምደብቫይረስ ኣርኤንኤ (RNA) እዩ። እዚ ሕማም፡ ብፍላይ ኣብ ፈለማ እዋን ካብ ካልኦት ሕማማት ንኽትፈልዮ ኣጸጋሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ እተጠርጠረ ሕማም ብጫ ረስኒ ምዃኑ ንምርግጋጽ ድማ መልሰ-ተግባር ሰንሰለት ፖሊመራስ (polymerase chain reaction) ብምጥቃም መርመራ ቅምሶ ደም ኺካየደሉ የድሊ።

ኣንጻር ብጫ ረስኒ ዚውሃብ ውሑስን ውጽኢታውን ክታበት ኣሎ፣ ገለ ሃገራት ድማ ናብአን ዝመጹ ገያሾ ክታበት ክወስዱ የገድዳ እየን።  ረኽሲ ንምውጋድ ዚካየድ ካልእ ጻዕርታት፡ ንብዝሒ’ተን ህማም ዘመሓላልፋ ጣንጡ ከምዚጐድል ምግባር ዜጠቓልል እዩ። ብጫ ረስኒ ግኑን ኣብ ዝኾነሉ፡ እሞ ኸኣ ክታበታት ልሙድ ኣብ ዘይኮነሉ ቦታታት፡ ኣቐዲምካ ነቲ ሕማም ምንጻርን ንሰፊሕ ክፍሊ ሕብረተሰብ ክታበታት ምሃብን፡ ምልባዕ’ቲ ሕማም ንኸተወግድ ኣገዳሲ ይገብሮ። እቲ መልከፍቲ ሓንሳእ ምስኣጋጠመ፡ ኣንጻር’ቲ ቫይረስ ዚውሰድ ውጽኢታዊ ዝኾነ ፍሉይ ስጉምታት የለን፣ እቲ ኪግበር ዘለዎ ቀንዲ ነገር ድማ ነቲ ሕማም ምቁጽጻር እዩ። ከቢድ ሕማም ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን፡ ሕክምና ምስዘይረኽቡ ንኸባቢ ፍርቂ’ቶም እተለኽፉ ሰባት ሞት የጋጥሞም።

ብጫ ረስኒ፡ ኣብ ነፍስወከፍ ዓመት፡ ን200,000 ሰባት ይለክፍ፣ ኣብ 30,000 ሰባት ድማ ሞት የስዕብ፣ ከባቢ 90% እቲ ሕማም ኣብ ኣፍሪቃ የጋጥም። እቲ ሕማም ግኑን ኣብ ዝኾነሉ ክፍሊ ዓለም፡ ከባቢ ቢልዮን ሰባት ይቕመጡ። ኣብ ትሮፒካዊ ቦታታት ደቡብ ኣሜሪካ ከምኡውን ኣፍሪቓግኑን ኮይኑ፡ ኣብ እስያግን ብፍጹም የለን። ካብ 1980ታት ጀሚሩ፡ ብዝሒ’ቶም ብጫ ረስኒ ዘጋጥሞም ሰባት እናወሰኸ ይመጽእ ኣሎ። እዚ ድማ ነዚ ሕማም ዚከላኸሉ ውሑዳት ሰባት ስለዘለዉ፣ ኣብ ከተማታት ድማ ብዙሓት ሰባት እናተቐመጡ ይመጹ ስለዘለዉ፣ ሰባት ብቐጻሊ ይጉዓዙ ስለዝኾኑ፡ ከምኡውን ምልዋጥ ክሊማ ከምዝኾነ ይእመን። መበቆል’ዚ ሕማም ኣብ ኣፍሪቓ ኮይኑ፡ ኣብ መበል 17 ክፍለ-ዘመን ድማ ብመገዲ ንግዲ ገላዩ ኣቢሉ ናብ ደቡብ ኣሜሪካ ከምዚመሓላለፍ ኮይኑ። ካብ መበል 17 ክፍለ-ዘመን ጀሚሩ፡ ሓያለ ቀንዲ ምልባዕ’ዚ ሕማም’ዚ፡ ኣብ ኣሜሪካ፡ ኣፍሪቃን ኤውሮጳን የጋጥም ኣሎ። ኣብ መበል 18ን መበል 19ን ክፍላ-ዘመናት፡ ብጫ ረስኒ፡ ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ሓደገኛታት ተመሓላለፍቲ ሕማማትይርኤ ነይሩ። እዚ ቫይረስ ብጫ ረስኒ፡ እቲ ፈለማ እተረኽበ ቫይረስ ደቂ-ሰብ እዩ።




#Article 35: ክታበታት ጽግዕ (329 words)


ክታበታት ጽግዕ፡ ንጽግዕ ብውሑስ መገዲ ይከላኸል። ንመብዛሕቱ ክፋል ህዝቢ ምስዝውሃብ፡ ብደረጃ ሃገር ንዚመጽእ ሓልክታት ከምዚጐድል ይገብሮ።  90% ካብ መላእ ህዝቢ ምስዝኽተብ፡ እቲ ውጽኢታውነቱ ብግምት 85% ይኸውን። ንነዊሕ-ግዜ ዚጸንሕ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ንኽህሉ፡ ክልተ ዓቐን ክታበት ክውሰድ የድሊ። እቶም ዕድሚኦም ኣብ መንጐ 12 ክሳዕ 18 ኣዋርሕ ዝኾኑ ቆልዑ፡ እቲ ናይ ፈለማ ደረጃ ዓቐን መድሃኒት ክወስዱ ምሕጽንታ ይቐርብ። እቲ ካልኣይ ደረጃ ዓቐን መድሃኒት ድማ ከም ልሙድ ነቶም ዕድሚኦም ካብ ክልተ ዓመታት ክሳዕ ሽዱሽተ ዓመታት ዝገበሩ ቆልዑ ዚውሃብ እዩ። እቶም ድሮ ዓቕሚ ምክልኻል ዘይብሎም እሞ ኸኣ በቲ ሕማም እተጠቕዑ ሰባት ጠቓሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ክታበት ጽግዕ፡ ኣዝዩ ውሑስ ኮይኑ፡ እቲ ዘጋጥም ጐድናዊ ሳዕቤናት ድማ ብሓፈሻ ፈኲስ እዩ።  ኣብ ከባቢ’ቲ ውጋእ መርፍእ ፈኲስ ቃንዛን ሕበጥን ከምኡውን ፈኲስ ረስኒ ከስዕብ ይኽእል እዩ። ሳሕቲ ድማ ካልእ ገዚፍ ጐድናዊ ሳዕቤናት የጋጥም እዩ። እዚ ክታበት፡ ከም ጉድናዊ ሳዕቤናት ስነ-መትኒ ምስ ዝኣመሰለ ሓልክታት ምትእስሳር ከምዘለዎ ዚሕብር መርትዖ እኹል ኣይኮነን። እዚ ክታበት፡ ነተን ጥኑሳትዝኾና ኣንስቲ ወይ ከቢድ ምዕጋት ዓቕሚ ምክልኻል ንዘለዎም ሰባት ክውሃብ ኣይግባእን።  ጠኒሰን ከለዋ ኣብ እተኸትባ እሞ ኸኣ ቆልዑ ዝወላዳ ኣዴታት ሕማቕ ውጽኢታት ኣምጺኡ እኳ እንተኾነ፡ እተሰነደ ነገር ግን የለን።  እቲ ክታበት፡ ኣብ ዋሃዮታት ደርሆ ዚማዕበለ እኳ እንተኾነ፡ ነቶም ብእንቛቑሖ ዚመጽእ ቁጥዐ ኣካላት ዘለዎም ሰባት ኪውሃብ ግን ቅቡል እዩ።

መብዛሕቱ ምዕቡል ዓለም ከምኡውን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ  ብዙሓት ሃገራት፡ ብዙሕ ግዜ ንንፍዮ ከምኡውን ብMMR ዚፍለጥ ክታበት ሩበላ ብምውህሃድ ኣብ ዘለወን ፕሮግራማት ክታበታት የእትውኦ እየን። ኣቐዲሙ እተሓበረ ሰለስተ ክታበታት ከምኡውን ብMMRV ዚፍለጥ ክታበት ፍሮማይብምውህሃድ ይውሃብ እዩ።  ኣብ ዓመት 2005፡ 110 ሃገራት፡ ብኸምዚ ኣገባብ ነዚ ክታበት ሂበን። ክታበት ኣብ ዝውሃበሉ ሰፊሕ ከባቢታት ድማ እቲ መጠን ሕማም ብልዕሊ 90% ከምዚጐድል ኮይኑ። ዳርጋ ፍርቂ ብልዮን ሓደ ዝዓይነቱ ዓቐን ክታበት ድማ ክሳዕ ሕጂ ተዋሂቡ ኣሎ። 

ክታበት ጽግዕ፡ ፈለማ ኣብ 1948 ሕጋዊ ፍቓድ ዝረኸበ እኳ እንተኾነ፡ ንሓጺር ግዜ ዚጸንሕ ውጽኢት ጥራይ ነይርዎ። እተመሓየሸ ክታበታት ድማ ኣብ 1960ታት ኣብ ዕዳጋ ኪቐርብ ጀሚሩ። እቲ ናይ ፈለማ ክታበት፡ ዘቛረጸ እንተኾነ፡ ጐኒ ጐኑ እተዳለወ መድሃኒት ግን ንቫይረስ ዘዳኽም ኮይኑ ተዳልዩ። ኣብ ዝርዝር ኣገደስቲ መድሃኒታት ውድብ ጥዕና ዓለም ኣትዩ ኣሎ፣ ኣብ መሰረታዊ ስርዓተ-ጥዕና ድማ ኣዝዩ ዘገድስ መድሃኒት እዩ። ክሳዕ 2007 ድማ ኣብ ኣገልግሎት ዝውዓለ ብዙሕ እተፈላለየ ዓይነታት መድሃኒት ነይሩ።




#Article 36: ክታበት ንፍዮ (329 words)


ክታበት ንፍዮ ፡ ንንፍዮ ዚከላኸል ኣዝዩ ውጽኢታዊ ክታበት እዩ። 85% ካብ ትሽዓተ ወርሒ ዝገበሩ ቆልዑ፡ ከምኡውን 95% ካብቶም ልዕሊ ዓሰርተ ክልተ ኣዋርሕ ዝገበሩ ቆልዑ፡ ሓንቲ ክታበት ምስወሰዱ ነቲ ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ይህልዎም።፡ ዳርጋ ኩሎም እቶም ብሓንቲ ክታበት ናይ ምክልኻል ዓቕሞም ዘየማዕበሉ ቆልዑ ድማ ካልኤይቲ ክታበት ምስወሰዱ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ የማዕብሉ፡፡ እቲ ኣብ ህዝቢ ዝውሃብ መጠን ክታበታት፡ ልዕሊ 93% ምስዝኸውን፡ ለበዳታት ንፍዮ ከም ልሙድ ደጊሙ ዘየጋጥም እኳ እንተኾነ፡ መጠን ክታበታት ኪጐድል ኣብ ዝጀመረሉ ግን ደጊሙ ከጋጥም ይኽእል እዩ። ውጽኢታውነት ክታበት፡ ንብዙሕ ዓመታት ዚቕጽል እዩ። ውጽኢታውነቱ ምስ ግዜ እናጐደለ ዝኸደሉ ምኽንያት ንጹር ኣይኮነን። እቲ ሕማም ካብ ዘጋጠመሉ ግዜ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት እቲ ክታበት ምስዝውሃብ፡ ካብዚ ሕማም ኽከላኸል ይኽእል እዩ።

እዚ ክታበት፡ ነቶም ረኽሲ ኤች.ኣይ.ቪ ዘለዎም ሰባት ከይተረፈ ብሓፈሻ ውሑስ እዩ። ጐድናዊ ሳዕቤናት፡ መብዛሕቱ ግዜ ፈኲስን ንሓጺር ግዜ ዚጸንሕን እዩ። እዚ ድማ መርፍእ ኣብ ዝወግኦ ቦታ ቃንዛ ወይ ፈኩስ ረስኒ ከጠቓልል ይኽእል እዩ። ኣመና ተኣፋፍነት መድሃኒት፡ ኣብ ሓደ ካብቶም ሚእቲ ሽሕ ሰባት ከምዘጋጥም ተሰኒዱ ኣሎ። መጠን ምልክታት ሕማም ጉልያን ባረ (Guillian-Barre)፡ ኣውቲዝም ከምኡውን ሕማም ቁጥዐ መዓናጡ ኣይውስኽን ኣሎ።

እዚ ክታበት፡ ንበይኑ ጥራይ ወይ’ውን ንክታበት ሩበላ፡ ክታበት ጽግዕ ከምኡውን ክታበት ፍሮማይ (ብክታበት MMR ከምኡውን ክታበት MMRV ዚፍለጥ) ምስ ካልእ ክታበታት ብምውህሃድ ይውሃብ እዩ። እዚ ክታበት፡ ኣብ ኩሉ ዝውሃሃድ መድሃኒታት ብማዕረ ጽቡቕ ይሰርሕ እዩ።  ውድብ ጥዕና ዓለም፡ እቲ ሕማም ግኑን ኣብ ዝኾነሉ ከባቢታት ዓለም ንዘለዉ ዕድሚኦም ትሽዓተ ኣዋርሕ ዝኾኑ ቆልዑ ንኽውሃብ ምሕጽንታ የቕርብ። እቲ ሕማም ኣዝዩ ግኑን ኣብ ዘይኮነሉ ከባቢታት፡ ዕድሚኦም ዓሰርተ-ክልተ ኣዋርሕ ንዝኾኑ ቆልዑ ኪውሃብ ድማ ቅቡል እዩ። እዚ፡ እቲ ዚውሃብ ዘሎ ክታበት እዩ።  ብትሕቲ ቆርበት ወይ ኣብ ጭዋዳ ቅድሚ ምውሃቡ፡ ተወሃሂዱ ኪቐርብ ዘድልዮ ብመልክዕ ንቑጽ ሓሪጭ ይመጽእ። መረጋገጺ ውጽኢታውነት’ቲ ክታበት፡ ብመርመራታት ደም ኪውሰን ይኽእል እዩ።

ኣብ 2013፡ ከባቢ 85% ኣብ ዓለም ዝርከቡ ቆልዑ፡ እዚ ክታበት’ዚ ረኺቦም። ኣብ 2008፡ እንተወሓዳ 192 ሃገራት ክልተ ዝዓቐኑ መድሃኒት ሂበን። ፈለማ ኣብ 1963 ድማ ከምዝተኣታቶ ኮይኑ። ንንፍዮ-ጽግዕ-ሩበላ (MMR)ዜጠቓልል ክታበት፡ ፈለማ ኣብ 1971 ኪውሃብ ጀሚሩ። ክታበት ፍሮማይ፡ ንክታበት MMRV ብምሃብ ኣብ 2005 ከምዚውሰኽ ኮይኑ። ኣብ ዝርዝር ኣገደስቲ መድሃኒታት ውድብ ጥዕና ዓለም ከምዝኣቱ ኮይኑ፣ ንመሰረታዊ ስርዓተ-ጥዕና ድማ ኣዝዩ ኣገዳሲ መድሃኒት እዩ። እዚ ክታበት፡ ብዋጋ ኣዝዩ ክቡር ኣይኮነን።




#Article 37: ክታበታት ሸሮኽ (195 words)


ክታበታት ሸሮኽ፡ ሸሮኽ ንምክልኻል ውጺኢታዊ ዚኾነ ክታበታት እዩ። ኣብ ፈለማ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፡ ከባቢ 85%፡ ኣብ ፈለማ ዓመት ድማ 50-60% ውጽኢታዊ እዩ።  ድሕሪ ክልተ ዓመታት ድማ እቲ ውጽኢታውነቱ ናብ ትሕቲ 50% ይወርድ።  እቲ ቀንዲ ክፋል ህዝቢ ምስዝኽተብ፡ እቲ ዓቕሚ ምክልኻል ናይቲ እተኸትበ ህዝቢ ነቶም ዘይተኸትቡ ሰባት ረብሓታት ከምጽእ ይኽእል እዩ። ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ነቶም ኣብ ልዑል ሓደጋ ዝርከቡ ሰባት ምስ ካልእ ስጉምታት ብምውህሃድ ኣብ ጥቕሚ ንኽውዕል ምሕጽንታ የቕርብ። እቲ ብኣፍ ዚውሰድ ክልተ ዓቐን መድሃኒት ወይ ሰለስተ ዓቐን መድሃኒት ንኽውሃብ ብልሙድ ለበዋ ይቐርብ። እቲ ብመርፍእ ዚውሰድ መድሃኒት፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ዓለም ዚውሃብ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ቐረብ ግን ውሑድ እዩ።

እቲ ብኣፍ ዚውሃብ ክልተ ዓይነታት ክታበት፡ ብሓፈሻ ውሑስ እዩ። ኣብ ልዕሊ 60 ሃገራት ኣብ ኣገልግሎት ንኺውዕል ሕጋዊ ፍቓድ ረኺቡ ኣሎ። እቲ ሕማም ግኑን ኣብ ዝኾነለን ሃገራት ድማ ብዋጋ ሕሱርን ዜዋጽእን እዩ።

ኣንጻር ሸሮኽ ዚውሃብ ናይ ፈለማ ክታበታት፡ ኣብ መወዳእታ 1800ታት ዚማዕበለ እዩ። ንፈለማ ግዜ ኣብ ሰፊሕ ቦታታት ኣብ ጥቕሚ ዚውዓለ ኣብ ቤተ-ሙከራ እተመስርሐ ክታበት እዩ።  እቲ ብኣፍ ዚውሰድ ክታበታት፡ ኣብ 1990ታት ንፈለማ ግዜ ኣብ ጥቕሚ ውዒሉ። ኣብ ዝርዝር ኣገደስቲ መድሃኒታት ውዱብ ጥዕና ዓለም ተዘርዚሩ ኣሎ፣ ኣብ መባእታዊ ስርዓተ-ጥዕና ድማ እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዚኾነ መድሃኒት እዩ። ኣንጻር ሸሮኽ ክታበት ንምውሳድ ዚወጽእ ወጻኢ-ገንዘብ፡ ካብ 0.1 ክሳዕ 4.0 ዶላር ኣሜሪካ እዩ።




#Article 38: ብባክተርያ ዚመጽእ ሕማም ርሕሚ (348 words)


ብባክተርያ ዚመጽእ ሕማም ርሕሚ (BV)፡ ብቫጂናል ባክተርዮሲስ ወይ ጋርድነረላ ቫጂኒቲስ ዚፍለጥ ኮይኑ፡ ብሰንኪ ልዕሊ ዓቐን ባክተርያ ዚስዕብ  ሕማም ርሕሚ እዩ። ፍሉጣት ምልክታት፡ መብዛሕቱ ግዜ ከም ዓሳ ሽታ ዘለዎ ልዑል ርሕማዊ ፈሳሲ ዜካተተ እዩ። እቲ ፈሳሲ፡ መብዛሕቱ ግዜ ጻዕዳ ወይ ሓሙዂሽታዊ ሕብሪ ኣለዎ። ኣብ ግዜ ሽንቲ ዘጋጥም ቃጸሎ ድማ ክህሉ ይኽእል እዩ። ስሓ ግን ፍሉጥ ኣይኮነን። ሳሕቲ ድማ ዝኾነ ምልክታት ከይርኤ ይኽእል እዩ። ብባክተርያ ዚመጽእ ሕማም ርሕሚ ምህላው፡ ንኤችኣይቪ/ኤይድስ ዜካትት ካልእ ሓያሎ ብጾታዊ ርክብ ዚመሓላለፍ ረኽስታት ንኸጋጥም ንዘሎ ተኽእሎ የዕብዮ። ኣብ ጥኑሳት ደቀኣንስትዮ ድማ ንሓደጋ ቅድሚ ግዚኡ ሕርሲ ንኸጋጥም ንዘሎ ተኽእሎ የዕብዮ።

ብባክተርያ ዚመጽእ ሕማም ርሕሚ፡ ብሰንኪ ዘይምዕሩይ ቁጽሪ ናይ’ቶም ኣብ ርሕሚ ክህልዎ ዘለዎም ባክተርያታት ዜጋጥም እዩ። ኣብቲ ክህሉ ዘለዎ ፍሉጥ ዓይነት ባክተርያ ለውጢ የጋጥም፣ ክህሉ ዘለዎ ጠቕላላ ብዝሒ ባክተርያ ካብ ኣማኢት ክሳብ ኣሽሓት ዕጽፍታት ከምዝውስኽ ይኸውን። ጠንቅታት’ዚ ሓደጋ’ዚ፡ ሕክምናዊ ምጽርራይ ውሽጣዊ ኣካላት፡ ሓደስቲ ወይ ብዙሓት መጻምድቲ ጾታዊ ርክብ ምህላው፡ ጸረ-ነፍሳት፡ ኣብ ማህጸን ዚኣቱ መከላኸሊ ጥንሲ ምጥቃም፡ ካብቲ ብዙሕ የጠቓልል። ብሰንኪ ጾታዊ ርክብ ዚመሓላለፍ ረኽሲ’ዩ ክብሃል ግን ኣይከኣልን እዩ። ነጸርታ፡ ኣብቲ እተራእየ ምልክታት ዚህሉ ጥርጠራ ኾይኑ፡ ንርሕማዊ ፈሳሲ ብምምርማር፡ ካብቲ ንቡር ንላዕሊ ርሕማዊ ፒኤች (መጠን ኣሲድ) ከምኡውን ብዙሕ ቁጽሪ ባክተርያ እንተተረኺቡ፡ እቲ ሕማም ከምዘሎ ኪረጋገጽ ይኽእል እዩ። ብባክተርያ ዚመጽእ ሕማም ርሕሚ፡ መብዛሕቱ ግዜ ምስ ርሕማዊ ረኽሲ ወይ ብትርኮሞናድ ዚስዕብ ረኽሲ የደናግር እዩ።

ሕክምና፡ መብዛሕቱ ግዜ ብመልክዕ ጸረ-ነፍሳት፡ ክሊንዳማይሲን ወይ መትሮኒዳዞል ይውሃብ።  እዚ መድሃኒታት፡ ኣብ ካልኣይ ወይ ሳልሳይ ክፍለ-ግዜ ጥንሲ ክውሃብ ድማ ይከኣል እዩ። እንተኾነ ግን፡ እዚ ኲነታት’ዚ፡ ሕክምና ድሕሪ ምውሳድ መብዛሕቱ ግዜ ዳግማይ የጋጥም እዩ። !--  ፕሮብዮሪክ ወይ ጸረ-ነፍሳት ምጥቃም፡ ንውጽኢት ጥንሲ ይጸሉ ምዃኑ እተረጋገጸ ነገር የለን።

ብባክተርያ ዚመጽእ ሕማም ርሕሚ፡ ኣብ ዕድመ ፍርያምነት ኣብ ዝርከባ ደቀኣንስትዮ ዜጋጥም ኣዝዩ ፍሉጥ ርሕማዊ ረኽሲ እዩ። እተን ኣብ ዝኾነ ግዜ በቲ ሕማም ናይ ዝልከፋ ሚእታዊት ደቀኣንስትዮ፡ ካብ 5% ክሳዕ 70% ይፈላለ እዩ። ብባክተርያ ዚመጽእ ሕማም ርሕሚ፡ ኣብ ክፋላት ኣፍሪቓ ኣዝዩ ግኑን ኪኸውን ከሎ፡ ኣብ እስያን ኤውሮጳን ድማ  ብውሑድ መጠን ይርኤ። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ድማ ካብ 14 ክሳዕ 49 ዓመት ኣብ ዝዕድሚኤን ደቀኣንስትዮ ን30% የጥቅዕ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ሃገር ኣብ ዝርከቡ ኢትኒካዊ ጉጅለታት ብዓቢ መጠን ይፈላለ እዩ። ከም ምልክታት ናይቲ ብባክተርያ ዚመጽእ ሕማም ርሕሚ፡ ኣብ ታሪኽ ብዙሕ ከምእተመዝገበ ዚገልጽ እኳ እንተኾነ፡ እቲ ብግልጺ እተሰነደ ናይ ፈለማ ሕማም ግን ኣብ 1894 ዘጋጠመ እዩ።




#Article 39: ራሰል ዶሚኒክ ፒተርስ (304 words)


ምሉእ ስሙ 
። ብ29 መስከረም

ኣዲኡ ኣውሪን ፒተርስን ኣብ 

ብሰንኪ ህንዳዊ መበቆሉ ኵሉ ግዜ
ይጽረፍ ዝነበረ ራስል፡ መከላኸሊ
ክዀኖ ብምባል ቦክሲንግ ከም
ዝተማህረ እዩ ዝሕብር። ራሰል፡ ኣብ

ከም ዝነበረ’ውን ይፍለጥ።
እዚ ሕጂ ስሙ ሰማይ ኣዕሪጉዎ
ዘሎ ሞያ ኮሜዲ፡ ኣብ 1989 ኣብ
ቶሮንቶ እዩ ጀሚርዎ። ኣብ 1992
ነቲ መምህረይ ኢሉ ዝሰምዮ ጆርጅ
ካርሊን ረኸቦ’ሞ፡ ነታ “ኣብ ዝኾነ ግዜን
ቦታን ኣብ መድረኽ ደይብ፡” እትብል
ምኽሩ ኣብ ልቡ ሓዛ። ኣብ ዝገበሮም
ቃለ-መሕትታት እውን ምኽሪ ናይ
ካርሊን ብዙሕ ከም ዝሓገዘቶ እዩ
ዝዛረብ።
ራሰል፡ ኣብ 2004 ኣብ ቴለቪዥን
ካናዳ ዘቕረባ ምርኢት ኣብ መርበብ
ሓበሬታ ‘ዩትዩብ’ ምስ ተዘርግሐት
ብዝያዳ ተፈላጥነት ከጥሪ ከኣለ።
ቀጺሉ ኣብ 2007 ኣብ ካናዳ ኣብ
ዝገበሮ ምርኢት ልዕሊ 30 ሽሕ ትኬት
ተሸጠ’ሞ፡ ብብዝሒ መሽጣ ትኬት ኣብ
መላእ ካናዳ ዓቢ ስም ክሕዝ ከኣለ።
ቀጺሉ’ውን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ
ምርኢት ዘካየደ ራሰል፡ ዝለዓለ ቁጽሪ
ተዓዘብቲ ክረክብ ብምኽኣሉ ኣብታ
ሃገር ክብረ-ወሰን ክሰብር ከኣለ። ኣብ
ኣውስትራልያ ዘቕረቦ ምርኢት’ውን
ዝለዓለ ቁጽሪ ተዓዘብቲ ስለ ዝረኸበሉ፡
ዓቢ ስም ኣትረፈ።
ብመሰረት መጽሔት ‘ፎርክስ’፡ ካብ
ሰነ 2009 ክሳብ ሰነ 2010 ኣስታት 15
ሚልዮን ዶላር ዘእተወ ራሰል፡ ምስ’ቶም
ኣብ ዓለም ዘለዉ ኮሜድያውያን
ክወዳደር እንከሎ ካብቶም ዝለዓለ
ኣታዊ ዝግሕጡ እዩ። ብዘይካ’ዚ፡
ኣብ 2008 ልዕሊ 5 ሚልዮን ዶላር
ብምእታዉ፡ ዝለዓለ ኣታዊ ዝረኸበ
ኮሜድያን ተባሂሉ ብፍሉይ ተጠቒሱ
እዩ። ናይ ዝተፈላለዩ ኣህዛብ ኣዘራርባን
ኣደማምጻ ቃላትን ዝኽእል ራሰል፡
ዝበዝሐ ስርሓቱ ኣብ ዓሌት፡ ብሄርን
ባህላዊ ልምድታትን ዘተኰረ እዩ። ናብ
ጸርፊ ዘድሃበ ኮመድያዊ ስርሓት ስለ
ዘቕርብ፡ ንብዙሓት ሰባት የቘጥዕ እዩ።
ራሰል፡ ብ10 ሰነ 2010 ሞኒካ ዲያዝ
ንዝተባህለት ጎርዞ ኣብ ኣህጉራዊ
መዓርፎ ነፈርቲ ሎስ ኣንጀለስ ናይ
መርዓ ሕቶ ኣቕረበላ። ድሕር’ዚ
ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ ስነ-
ስርዓት መርዓ ፈጸሙ። ኣብ ታሕሳስ

ዝተባህለት ጓል ተቦኮረ። ኣብ 2006

white and brown’፡ ኣብ 2011 ድማ

ኣብ 2013 ‘notorious’፡ ኣብ 2016

ፍሉጣት ስርሓት ራሰል እየን።
ናብ ዓዲ-እንግሊዝ፡ ኣመሪካ፡
ኣውስትራልያ፡ ኒውዝላንድ፡ ኣየርላንድ፡
ኣፍጋኒስታን፡ ሽወደን፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ 
ህንዲ፡ ፍሊፕንስ፡ ቬትናምን
ካልኦት ሃገራትን ብምኻድ
ኮሜድያዊ ስርሑ ኣብ
መድረኽ ወጽዩ ዘቕረበ
ራሰል፡ ሕጂ’ውን ናብ
ዝተፈላለያ ሃገራት
ብምኻድ ስራሑ ናብ
ህዝቢ ኣብ ምቕራብ ከም
ዝርከብ ይሕብር።




#Article 40: ሰንዓፈ (110 words)


ሰንዓፈዞባ ደቡብ ኣውራጃ ኣከለጉዛይ

ሰንዓፈ ኣብ ዞብ ደቡብ ትርከብ ሓንቲ ካብተን 12 ንኡሳን ዞባታት ዞባ ደቡብ እያ። ሰንዓፈ ካብ ኣስመራ ን፻፴፭ (135) ኪሎሜተር ርሒቓ ትርከብ ከተማ እያ። እዛ ከተማ ዚኣ ብዓበይቲ ብእምባታት ከም በዓል እምባ ሶይራ፡ እምባ ሳይም፡እምባ ታሪኻ እምባ መጠራ ተከቢባ ትርከብ። ካብ ኤርትራ እቲ ዝነውሐ እምባ፡ እምባሶራን ተኣምራታዊን ሰሓብን መልክዕ ዘለዎ እምባ መጠራ ኣብዚ ንኡስ ዞባዚ ይርከቡ። ንኡስ ዞባ ፀንዓፈ
ኣስታት ፪፻(200) ገጠራት ተመሓድርን ኵልምላ ድማ ኣስታት ፲፻፴፭ ሽሕ  (135.000) ህዝቢ ምስ ንኡሳን ዓድታት እተመሓድር ንእሽተይ ከተማ እያ።
ፀንዓፈ ብታሪኻዊያን ቦታታት በለውከለው፣ መጠራ፣ ከስከሰ ዝያዳ ትፍለጥ ከተማ እያ
ከምኡ`ውን ከም ቅዱሳን ቦታታት እንዳ ኣቡነ ሊባኖስን እንዳጻድቃንን ኣብ ከብዲ እዛ ከተማ ዚኣ ይርከቡ።
ህዝቢ ከተማ ፀንዓፈ፣ ብማሕረሰን፣ ንግድን ይናበር።




#Article 41: ፖለቲካ (347 words)


ኣግኣኣዝያን ኣብ 18-19 ክፍለ ዘመን ናይ ህዝበ ግእዝ ሃገረ(nation state) ዝነበረት ጽዮናዊት ሃገር እያ፡መራሒኣ ንጉሰ፡ነገስት ዘ ጽዮን ዮዉሃንስ ራብዓይ ኔሪ፡እዛ ኣግኣዝያን ሃገር ቅድሚ ኣክሱም ስልጣን እያ ኔራ፡ብሓጺሩ ናይ ግእዝ/ትግሪኛ/ተጋሩ ኩሉ ሓደ እዩ፡ሓደ ሽም ሓደ ህዝቢ እዩ፡ኣክሱም፡ስልጣን ዝፈጠሩ ከተማታት መጠራ፡ወደብ ኣዱሊስ፡ቃንቃ ግእዝ ፈጢሮም ኣክሱም ጽዮን ርእሰ ከተመኦም ጌሮም ን3000 ዓመት ብዘይ ምቁራጽ ካብተን ሽዑ ዝነበራ ዓርሞሽሽ ስልጣኔታት፡ቻይና፡ሮማ፡ፐርሻ ሓደ ኣክሱም ወይ ግእዛዉያን ስልጣኔ እዩ።

ኣብ 10ክዘ ብዮዲት ጉዲት ሓያል ዕንወት በጺሕዎ ምኽንያቱ እስልምና ኣብ 7ን 8ን ክዘ ነተን ብቀይሕ ባሕሪ መንግድቱ ዝነበራ ስልጣኔታት ፐርሻ ቻይና ሮማ ስለ ዘዳኸመን ዝሰዓረን፡ኣክሱማዉያን/ግእዛዉያን ከኣ ብመጠኑ ተዳኺሞም ግን ንዮዲት ጉዳት ስዒሮሞ፡

ቀጺሉ ሽርሕን ተንኮልን ኣምሓራ ሽዋ ካብ 14ክዘ ክጻብኦ ጀሚሩ ቀጺሉ ኣዕራብ ኣስላም ካሊፌት ንኣሕመድ ግራኝ ሶማላዊ ብምሕጋዝ ወራር ፈጺሙ ተሳዒሩ፡15ክዘ ዘርዓ ያቆብ ኣምሓራ ክወርር ፈቲኑ ተሳዒሩ ድሕሪኡ ዘመነ መሳፍንቲ ኣርኪቡ ካብ 16ክዘ ክሳብ መጀመርታ 19ክዘ ደማዊ  ኩናት ምስ ቱርኪን ኣዕራብን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣካይድና ኣይተሳዓርናን ስዒርናየን፡

ድሕሪኡ እቲ ሓያል ንጉሰ ነገስት ዘ ኣክሱም ጽዮን ኣብ 19 ክፍለ ዘመን ነጊሱ ዮዉሃንስ4ይ፡ንቱርኪ ንግብጺ ንማህዲስት ሱዳን፡ንድርቡሽ ናይ ኣስላም ዝተዋጽአ ሓይሊ ስዒሩ ከኣ ዳግማይ ኣክሱም ስልጣኔ ሃገረ ኣግኣዝያን ካብ ኣከዉሃ ምላሽ ትግራይ ክሳብ ቀይሕ ባሕሪ ዝዶባታ ከም ቀደማ ሃገር መስረተ፡

ኣብዚ እዋን ግን ምስ ማህዲስት እንዳተዋግእ ኮሎ ተሰዉአ፡ነዚ ዕድል ብምጥቃም ብዉሽጢ ኣምሓራ(ሚኒልክ ሽዋ) ብቀይሕ ባሕሪ ጥልያን ወረራ ብምግባር ንኣግኣዝያን ኣብ ክልተ መቒሎማ ነታ ሓንቲ ኤርትራ ኢሉ ጥልያን ገዚእዋ፡ነታ ሓንቲ ትግራይ ከኣ ኣብ ትሕቲ ሚኒልክ ኣምጛራ ኣተወት ሃገረ ኣግኣዝያን ኣብ ክልተ ተመቕለት፡ን129 ክሳብ ሕጂ ተመቒላ ሓይሊ ህዝበ ግእዝ/ተጋሩ/ትግሪኛ ኣብ ክልተ ተመቒሉ ተዳኺሙ ይርከብ።

ነዚ ኢና ከኣ ክንመልሳ ደሊና።ምስ ተጋሩ ሓደ ኢና፡ተፈላሊና ዝሰዓርናዮ ጸላኢ የለን፡ናይ ሓባር ዕጫ እዩ ዘለና፡ስልጣኔናን ዓባይ ሃገረ ኣክሱማዉን ሃገረ ኣግኣዝያን ክንመልስ ንብል ዘለና።ቻይና ሳላ ስልጣኔ ማ ዝመልሰት እያ እዛ ንርእያ ምዕብልቲ ሓያል ኮይና ዘላ።

ብዘይ መንነት ሃገር የለን፡መንነትና ኢርትራዊያን ዘይኮናስ ግእዛዉያን ኢና፡ታሪኽና፡ባህልና፡ቃንቃና፡ሕጊ እንዳባና ክንመልስ ኣለና ሽዑ ሃገር ንበሃል፡ጥልያን ነዚ መንነትና ኣጥፊኡ እዩ ሓዲሽ ኤርትራዊ መንነት ክህበና ፈቲኑ ኢሰያስ ኣፎርቂ ዉን ነዚ መንነት ጥልያን እዩ ኣብ ልዕልና ኣብ ልዕሊ ትግሪኛ ክሰርሖ ህርድግ ኢሉ ግን ኣይከኣለን፡ኢሰያስ ንህዝቢ ትግሪኛ/ተጋሩ ኣይፊኡ ወይ ኣዳኺሙ ልክዕ ከም ናይ ጥልያን ሓዲሽ ኤርትራዊ መንነት ክፈጥር ደልዩ የጥፋና ኣሎ።

ታሪኽ መፍትሒ ሽግርካ'ዩ።// 

ቅድሚ 18 ክፍለ ዘመን፥ ከ አንታይ ኢና ኔርና ግአዝ ከም ዘይነበርና መቸም ምስክር አዚ ጽሕፍኩም ኢዩ ። ስለዚ ሕጂ ኤርትራዊያን ኢና  ።




#Article 42: ኣግኣዝያን (4895 words)


ናብ ካልእ ዕብድብድን ዓዘርቆዘርን ከይኣተውና ኣግኣዝያን መን እዮም

ማህሌታይ ያሬድ

ኣብ ዓለምና ብመሃዝነት ዝተራቐቐ ዜማ፣ ንዓመት ዘገልግል ድርሰት መዝሙራትን መጽሓፍትን እሞ ድማ ቅድሚ 1500 ዓመት ተደሪሱ ዘይሃስስ ትሕዝቶ ዘለዎ ስራሕ ዝሰርሐ ማህሌታይ ያሬድ ጥራሕ እዩ። ድርሰታት ማህሌታይ ያሬድ ብርሑቕ ኰይንና እንትንሪኦም ኩሎም ሃይማኖታዊ ትሕዝቶ ዘለዎም ይመስሉ። ኰይኑ ግን ክንዲ ማህሌታይ ያሬድ ስለሰላምን ስነምግባርን ዝሰበኸ ኣካል ከምዘየለ ትሕዝቶ ስራሕቱ ቁልጭ ኣቢሎም የርእዩ። ንኣብነት “ድጓ መጽሔተ ጥበብ” ዝበሃል መጽሓፍ ቤተ ክርስትያን ካብ ዝሓዞም 12 ሽሕን 583 መዝሙራት እቶም 1,921 መዝሙር (15 ነጥቢ 3 ምኢታዊ) ስለሰላም እዮም ዝዝምሩ።

ካብቶም ስነ ምግባር ዜጋታት ብምምሃር ሰላም ሓንቲ ሃገር ንክሕሎ ዝሰብኩ መዝሙራት ማህሌታይ ያሬድ እንትንርኢ “ንእኩይ (ክፍኣት) ሕደግዋ፣ ጽቡቕ ሓሳብን ምክርን ኣለዋ እሞ ንሰናይ ነገር ተኸተልዋ” ዝብል ንረክብ። እቲ ግእዛዊ ልሳኑ እንትንርኢ እውን”ኅድግዋ ለእኪት ወደግንዋ ለሠናይት፣ እስመ ሠናይ ምክር ባቲ” ዝብል እዩ። ካሊእ ኣብ ዓለም ኰይንካ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ክትጓነጽ ስለትኽእል ሓደ ንከይትጓነጽ ከመይ ክትተሓላሎ ከምዘለካ እንተተጓኒጽካ ድማ ዕርቂ እምበር ጎንጺ ረብሓ ከምዘይብሉ ዝመኽሮ ኣሎ። እዚ እውን “ተዓገሱ ልብኹም ኣጽንዑ፣ ካብ ኣንደበትኩም ክፉእ ቃል ኣይውጻእ፣ ጸሓይ እንተይዓረበት ይቕረ ተበሃሃሉ” እንትብል ይስማዕ። እቲ ግእዛዊ ቃሉ እንትንርኢ እውን “ተዐገሡ ወኣጽንዑ ልበኩሙ፣ ቃለ ኅሡም ኢይጻእ እምኣፉኩሙ፣ ወዘእንበለ ይዕርብ ጸሓይ ኣቊርሩ መዓትክሙ” ብዝብል ተጻሒፉ ኣሎ። ማህሌታይ ያሬድ ሓደ ካብቶም ኩርዓት ተጋሩ ዝገብሮ እቶም ዝደረሶም ልዕሊ 12 ሽሕን 900 መዝሙራት ከምቲ ኣብ ዓለማዊ ሙዚቃ ካሊእ ሓጋዚ ዘለዎ ዘይኰነስ ባዕሉ ደራሲ፣ ዘያምን መቀናበርን ብምዃኑ ዝተፈለየ ተፈጥራዊ ውህብቶ ክውንን ኣኽኢልዎ እዩ። እቶም ንመጻሕፍቲ ብሉይ፣ ሓዲስ፣ መነኰሳትን ሊቃውንትን ፍልፍል እናተጠቐመ ዘዳለዎም መዝሙራት ድማ ቤተ ክርስትያን ዓመት ሙሉእ (365 መዓልቲ) ኣዋዲዳ ትጥቀመሎም ምህላዋ ይፍለጥ። ማህሌታይ ያሬድ ዜማኡ ዘዳለዎ ግእዝ፣ እዝልን ኣራራይን ዝበሃሉ ሰለስተ ቅዲ ዜማታት ብምምሃዝ እውን እዩ። ኣብዚ “ግእዝ ዜማ” ማለት ፈላማይ፣ መሪሕን ቀዳማይን ማለት እንትዀን ማህሌታይ ያሬድ ነዚ ፈላማይ ዝበሎ መሰረት ኩሎም ዜማታት ብምዃኑን ብኣደማምጽኡ ብርቱዕ ስለዝዀነን እዩ። “እዝሊ” ዝብል እውን ሕዛል፣ ተኸታላይን ሰዓባይን ማለት ኰይኑ እዚ ስያመ ዝመጸ ድማ እቶም ድምጽታት ኣብ ዜማ ግእዝ ተሓዚሎም ስለዝመጹ እዩ። “ኣራራይ” ዝበሃል ቅዲ ዜማ እውን ዘራህርህ፣ ዘሕዝን (ድምጸ ማሕዘኒ)፣ ንልቦና ጥዑም፣ መዓዝኡ ዝመቀረ ድምጺ ዝብል ትርጉም ኣለዎ። ማህሌታይ ያሬድ ነዚ ስያመ ዝሃቦ ዜማታቱ ካብ ደረት ጀሚሮም ክሳብ ጉሮሮ ብማዕበላዊ ድምጺ እናተገላበጡ ዘስቈንቁኑ (ርኽርኽ ዜማታት) ስለዝዀኑ እዩ። እቶም ዜማታት ምስ ዓለማዊ ስልቲ ዜማ እንተታሕዝዎ “ግእዝ” ዝብል ዜማ ትዝታ፣ እዝሊ ንዝብል ምስ ኣምባሰል ወይ ባቲ፣ ኣራራይ ንዝብል ድማ ኣንቺሆየ ዝብሉ ቅኒታት ዝመሳሰል እዩ። ብምኽንያት እዚ እውን ማህሌታይ ያሬድ ቅጥዒ ዘይነበሮ ዓለማውን መንፈሳውን ዜማ ዓለምና መልክዕ ኣትሒዝዎ እናተብሃለ ይዝረበሉ። ኣብ ሕድሕድ ቅኒት ዜማ ማህሌታይ ያሬድ ድፍኣት (ድፋት)፣ ኪደት፣ ቅንዓት (ቅናት)፣ ይዘት፣ ቊርጥ፣ ርኽርኽ፣ ደረት፣ ድርስን ኣንብርን ዝብሉ 10 ድምጺ ኖታ ዘለዉ ኰይኖም ኣብ ሰለስቲኦም ቅዲ ዜማታት ዘለዉ እንትድመሩ 30 ድምጺ ኖታ እዮም ዝዀኑ። ካብዚ ብምብጋስ እውን እዩ ዘበናዊ መሳርሒ ሙዚቃ ዝሓዞም ድምጺ ኖታታት ንኩሎም ኣብ ዜማ ማህሌታይ ያሬድ ዘለዉ ድምጺ ኖታ ስለዘይሕዝዎ ቅኒት እቲ መዝሙር ከየበላሽዉ ናብ ቤተ ክርስትያን ንከይኣትዉ ዝኽልከል። ማህሌታይ ያሬድ እቶም ዝደረሶም ልዕሊ 12 ሽሕን 500 መዝሙራት ዜማኦም ንከይጠፍእ ምልክት ዜማ ገይሩሎም እዩ። ብምዃኑ እውን ንልዕሊ 1500 ዓመት ዜምኡ እንተይቀየረ ክሳብ እዚ ዘለናዮ ዘበን ዝጸንሐ ብሕታዊ መዝሙር ይገብሮ። እዚ በዓል ምጡቕ ኣእምሮ ዝዀነ ዓብዪ ሊቅ ኣርማ ተጋሩ ካብ ኣቦኡ ኣብድዩ (ይስሓቅ) እንኡ ታውክልያ (ክርስቲናን) 5 ሚያዝያ 505 ዓ/ም ኣብ ኣክሱም ማይ ክራዋሕ ኣብ ዝበሃል ከባቢ እዩ ተወሊዱ። ትውልዲ ቦትኡ እውን ኣብ ኣክሱም ከምዝዀነ ባዕሉ ኣብ ዝደረሶም ጸዋትወ ዜማታቱ ገሊጽዎ እዩ። ማህሌታይ ያሬድ ኣብ 7ይ ዓመቱ ጌዴዎን ኣብ ዝበሃል ብስጋ እውን ኣኰኡ ኣብ ዝዀነ መምህር እዩ ትምህርቲ ዝጀመረ። እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ ደራሲ መጽሓፍ፣ ቅኔ፣ ጸዋትወ ዜማ፣ ጀማሪ መንፈሳዊ መዝሙር፣ ወጣኒ ትርጓመ መጻሕፍቲ ዝዀነ ሊቅ ካብዚ ብተወሳኺ ካልኦት ዝግለጸሉ መልክዓት እውን ኣለውዎ። ንሱ እውን ሊቅ ነገረ መለኰት፣ ሰባኺ ወንጌል፣ ማህደርን መሰረትን ስነ ጽሑፍ ከምኡ እውን መምህር ቅኔን ዜማን ብምዃን ንሃገር ዓብዪ ቅርሲ ዝገደፈ እዩ። ብብርኪ ዓለም ክንዲ ናይ ቅዱስ ያሬድ ሞያታት ዝወነነን ዝፈለመን ሰብ የለን። ነዚ እውን እዩ ማህሌታይ ያሬድ መርኣያ ተጋሩ ዝዀነ ዕንቊ ዓለምና እዩ ዝበሃል። እዚ ዕንቊ ዝዀነ ፈላስፋ ዜማን ስነ ጥበብን ኣብቲ ፈለማ እዋን ትምህርቲ ኣብይዎ ድሕሪ ብዙሕ ምጽጋም ትምህርቱ ኣቋሪጹ ንገዝኡ እንትኸድ ኣብ ሓደ ዓብዪ ጽላል ኦም ኰፍ ኢሉ ዝተምሃሮ ወይ ዝተዓዘቦ ነገር ነይሩ። ንሱ እውን ሓንቲ ናብ ዓብዪ ኦም ብምውጻእ ፍረ ክትበልዕ ዝደለየት ሓሰኻ፤ ናብታ ኦም ክትድይብ እናወደቐት እናተስአት ብምጽናሕ ኣብ መበል ሻውዓይ ጊዜ ተሳኺዑላ ናብታ ኦም ወጺኣ ጡዑም ፍረ እንትትምገብ ተዓዚብዋ። ምስ ህይወቱ ብምዝማድ እውን ከም ተመኩሮ ተጠቒመላ፡፡ ስለዚ ማህሌታይ ያሬድ ካብታ ደቃቕ ፍጥረት ተመክሮ ወሲዱ ናብ ትምህርቱ ብምምላስን ብምምሃርን ኣብ ሓጺር እዋን ግብረ ዲቁና ዝተቐበለ በዓል ምጡቕ ኣእምሮ እዩ። ኣብ መበል 30 ዓመቱ ድማ ዝተራቐቑ ዜማታት ዝደረሰ ኰይኑ ንሓደ ነገር ክሳብ መወዳእታ ብምዕጋስ ከምእትዕወት ዘምሀረ በዓል በሊሕ ኣእምሮ ፈላስፋ ንምዃን በቒዑ።

ሚካኤል ስሑል

ኣብ ከባቢ 1630 ዓ/ም ከምዝተወለዱ ዝግመቱ ሚካኤል ስሑል ንኹሎም መሳፍንቲ ትግራይ ስዒሮም ርእሰ ኩሎም መሳፍንቲ ትግራይ ኰኑ። ኣብቲ እዋን ትግራይ እንትበሃል ንምድሪ ሰሜን ወሎ፣ ምድሪ ኣገው፣ ምድሪ ዓፋር፣ ምድሪ ሰሜን፣ ምድሪ ቀይሕ ባሕርን ጠቕሊሉ “ትግራይ ትግርኚ” ብዝብል ስያሜ እዩ ዝፍለጥ ነይሩ። ደገ ኣዝማቲ ሚካኤል ርእሰ ትግራይ ኣብ ዝዀኑሉ ጊዜ ግና ንምድሪ ሓማሴን፣ ባሕሪ ነጋሽ ዝገዝኡ ራእሲ ዓምደ ሃይማኖት ዝበሃሉ ነበሩ። እዞም ራእሲ ንጓል ንጉስ እያሱ ብርሃን ሰገድ ተመርዕዮም ንባሕረ ነጋሽ ይገዝኡ ነይሮም። ኣብ ሓደ እዋን እውን ሚካኤል ስሑል ኣብ ውሽጢ ሰራዊት ራእሲ ዓምደ ሃይማኖት ኣገልጊሎም እዮም። ደሓር ንኹሎም ስዒሮም ርእሰ ትግራይ ምስኰኑ ከምቲ ዝጸንሐ ኣሰራርሓ ግዝኣት ባሕሪ ነጋሽ ኣብ ትሕቲኦም ክኸውን ሓተቱ። “ትግራይ መሰረተ ንግስነት ስለዝዀነት ኣነ እየ ርእሴኻ፣ ኣብ ትሕተይ ሕደር፣ ኣብ ድሕረይ ዕጠቕ” እንትብሉ መልእኽቲ ንራእሲ ዓምደ ሃይማኖት ሰደዱ። በቲ መልእኽቲ ዝተቖጥዑ ራእሲ ድማ “ባዕለይ ኣባጺሐስ ኣብ ድሕሪትካ ክዓጥቕ?- - -እምብለይ!” ኢሎም መልሲ ሃቡ። ድሕሪ እዚ ሚካኤል ስሑል ሰራዊቶም ኣኽቲቶም ናብ ባሕረ ነጋሽ ዘመቱ። ብዝናኣድ ወታደራዊ ጥበብ ዝተዓጀበ ዓወት ምስጨበጡ ድማ ሚካኤል ስሑል ግዝኣቶም ከመርቑ ናብ ጎንደር እንትጓዓዙ ኣብ ሽረ ዕረፍቲ ገበሩ። በቲ ዝተፈጠረ ለውጢ ዘይተሓጎሱ ሃጸይ እያሱ ብርሃን ሰገድ ሰራዊቶም ኣኽቲቶም ንትግራይ ዘመቱ። ኣዐርዩ ብዙሕ ሰራዊት ሒዞም ከምዝኸተቱ ዝተገንዘቡ ሚካኤል ስሑል እምባ እንዳጽዮን ኣብ ዝበሃል ኣብ ዓጋመ ዕዳጋ ሓሙስ ኣብ ዝርከብ ሓደ መእተዊ በሪ ጥራሕ ዘለዎ ኣብ ዝባኑ ግና ሜዳ ዝዀነ ቦታ ድፋዕ ኣስሪሖም ዓረዱ። ሰራዊት ሃጸይ እያሱ ብርሃን ሰገድ ናብቲ እምባ ምስ ቀረቡ ውግእ ተኸፈተ። ኰይኑ ግና ካብ ዝባን ብዝትኰሰሉ ጠያይትን ብዝውርወረሉ ኲናትን እቲ ሰራዊት ብዙሕ ጉድኣት ወረዶ። ብዙሓት ምውታትን ቁሱላትን ኰኑ። ነዚ ህልቂት ዝተገንዘቡ ካህናት ኣኽሱም፣ እንዳባገሪማ፣ ሚካኤል ዓድዋን ዓጋመን ዕርቂ ክወርድ ልመና ኣቕረቡ። ናብ ዕርዲ ሚካኤል ስሑል ክኣትው ምስተፈቐደሎም ድማ “ሰራዊት ንምንታይ ይሃልቕ- - - ዕርቂ ይውረድ እሞ ጎይታይ ኢዶም ይሃቡ” ክብሉ ተማሕጸኑ። ነቲ ሓሳብ ዕርቂ ዝሰምዑ ሚካኤል ስሑል ናይ ባዕሎም ሓሳብ ኣቕረቡ። “ኣነ ፈጺመ ኢደይ ኣይህብን - - - ሓደ ወታደር ክሳብ ዝተርፍ ክዋጋእ እየ። እንተ ነቲ ንጉስ እትብልዎ ክነግረኩም። ትግራይ ትግርኚ መልዕሎይ እያ- - - መሰረት ንግስነት እውን እያ። ሓደ ተወሳኺ ስልጣን ይደሊ እየ- - -” ኢሎም ሓተቱ። እቶም ካህናት ነቲ ሕቶ ሒዞም ናብ ሃጸይ እያሱ ብርሃን ሰገድ ቀረቡ። እቶም ንጉስ እውን በቲ ዝቐረበ ሕቶ ተስማዕሚዖም ንሚካኤል ስሑል ዋና ኣዛዚ ጦር ኢትዮጵያ ገይሮም ሸይሞምዎም። ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ድማ “ራእሲ” ዝብል ማዕርግ ተውሃቦም። ንጓሎም ንወይዘሮ እሌኒ እውን መሪቖም ሃብዎም። ብድሕሪኡ ዕርቀ ሰላም ወረደ። ኣብቲ ጊዜ እቲ ንሃጸይ ክሕግዝ ኣብ ጎጃም ጸኒሑ ዝኸተተ ሰራዊት ዕርቂ እንትግበር ንደጉዓ ተምቤን ሓሊፉ ኣብ ገረብ ግባ በጺሑ ነይሩ ይበሃል። ሽዑ ዕርቂ ምስኰነ እቶም ንጉስ ነቲ ሰራዊት “ወደ ኣገርህ ግባ” ናብ ዓድኻ እተው- - - ኢሎምዎም። ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ድማ እቱ ሩባ፣ ገረብ ግባ እናተብሃለ ክሳብ ሕዚ ይጽዋዕ። ድሕሪ ውግእ እምባ እንዳጽዮን (ዕዳጋ ሓሙስ) ዝና ስሑል ሚካኤል ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ገነነ። ብጥበብ፣ ብጅግንነት፣ ብስልጣን ልዕሊ ኩሎም መሳፍንቲ ኰኑ። ከምኡ ኰይኑ ግን ብፍላይ ንጉስ ጎንደር እቲ ሓይልን ስልጣንን ስሑል ክውሓጠሎም ኣይከኣለን። ብድሕሪ ሞት እያሱ ብርሃን ሰገድ በትረ ንግስነት ዝተረከቡ ሃጸይ እዮኣስ ምስ ስሑል ብቐጻልነት ምፍሕፋሕ ኣየቋረጹን። እቶም ንጉስ ንትግራዋይ ይጸልኡን በደል ንምብጻሕ ይፍትኑን ነይሮም ይበሃል። ጉዳይ ሒዞም ዝኸዱን--- “ይግባኝ” ክብሉ ናብ ጎንደር ንዝኣትውን ተጋሩ ናብ ቤተ መንግስቲ ከይቐርቡ ይኽልከሉ ነይሮም። ናብቲ ቤተ መንግስቲ ከይቐርቡ ርሕቕ ኢሎም ክጠርዑ ድማ ገበሩ። እቲ ቦታ እውን ክሳብ ሕዚ “ትግሬ መጮህያ” ተባሂሉ ይፍለጥ። ነዚ ዝተገንዘቡ ራእሲ ሚካኤል ብርቱዕ ተቓውሞ ኣቕረቡ። “ትግራይ መሰረት ንግስነት፣ ክህንነትን ሃይማኖትን ኰይና እናሃለወት ከምዚ ዝበለ ግፍዒ እንታይ ኣምጸኦ?” ኢሎም ሓተቱ። በዚ ድማ ምስቶም ንጉስ ተገራጨው። ንራእሲ ሚካኤል ኣቦኦም ደገ ኣዝማቲ ህዝቅያስ እዮም ዝበሃሉ። ስለዚ ስሞም ሚኪኤል ህዝቅያስ እዩ ክዀን ነይሩዎ። ግና “ሚካኤል ስሑል” ብዝብል ስም እዮም ዝፍለጡ። ስሑል ዝብል ስያሜ ንኽልተ ነገር ከምዘመልክት ይንገር። በቲ ሓደ ገጽ ራእሲ ሚካኤል ኣእምሮኦም ኣዐርዩ በሊሕን ዝተሰሓለን ስለዝነበረ ብጅግንነቶም እውን ርእሲ ኩሉ ስለዝነበሩ (ድሕሪ ሚካኤል ስሑል ንናቶም ጥበብ ጅግንነት ዝወረሱ ሃጸይ ዮሃንስን ራእሲ ኣሉላን ከምዝዀኑ ይእመን) ስሑል ዝብል ስያሜ ድማ ረኺቦም። ብካልእ ገጽ ድማ ኣዐርዮም ምልኩዕ እዮም ነይሮም። ቁመንኦም ዝተመልከተ ሰብ “ስእሊ እንድዮም ዝመስሉ” ዝብል ኣድናቖት ይወሃቦም ነይሩ። በዚ ምኽንያት ድማ ስኡል ሚካኤል እውን ተብሃሉ። ስለዚ ክልተ ትርጉም ዘለዎ ስያሜ ሒዞም ስኡል- - - ሚካኤል ስሑል ዝብል መለለዪ ተጎናጸፉ። ሰበይቶም ወ/ሮ እለኒ ምስሞቶኦም ንጓል ንግስቲ ምንትዋብ ንወ/ሮ ኣስቴር ኣእቲዎም ሓደ ቆልዓ ከምዝወለዱ እውን ይፍለጥ። ወዶም ወልደሃዋርያት (ደጃት) እውን ንንእሽተይ ጓል ንግስቲ ምንትዋብ ንወ/ሮ ኣልጣሽ እዩ ተመርዕዩ። ኣብ መወዳእታ ኣዐርዮም ዕድመ ጸጊቦም ከባቢ 100 ዓመት ምስገበሩ ኣብ ጎንደር እናሃለው ኣብ ዙርያኦም ዝነበሩ መሳፍንቲ ኣዲሞም ሒዞም ኣሰርዎም። ካብ ደጊም ተኣሲሮም እዮም። ሓንቲ እኽሊ እውን እዮም ዝበልዑ ምረጹ በልዎም። መጀመርታ ገረደይ ከማኽር ኢሎም መለሱ። ወርቂት እትበሃል መጋቢቶም ሓተትዋ። “ጎይታይ ስገም ይምረጹ” በለቶም። ከምዝበለቶም ገበሩ። ብድሕሪኡ እታ ወሓለ ዝዀነት ገረዶም ነቲ ስገም - - -ጣይታ፣ ሕምባሻ፣ ጠረሾ፣ ጥሕኒ፣ ስዋ፣ ኣረቂ እናገበረት በብዓይነቱ እናሰርሐት ቀለበቶም። ኣብ መወዳእታ ድማ ተፈቲሖም ናብ ትግራይ መጹ። ብ1780 ዓ/ም ብግምት ኣብ 100 ዓመቶም ብሞት ተፈለዩ። ብመሰረት ኑዛዜኦም መኳንንቲ ጎንደር ንዓጽሞም ክረኽብሉ ኣብ ዘይኽእሉ ርሑቕን ሰዋራን ስፍራ ኣብ ናዕዴር ዳግና ሚካኤል ተቐበሩ። እቶም ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ፍሉይ ምዕራፍ ዝኸፈቱን “ሰራሒ ንጉስ” (king maker) እናተብሃሉ ዝጽውዑን ራእሲ ሚካኤል ስሑል ማሕተሞም ከይተረፈ “ርእሰ መኳንንቲ ወመሳፍንቲ” እዩ ዝብል ዝነበረ። ዓመታት ምስሓለፈ ተወሊዶም ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ካልእ ሓድሽ ምዕራፍ ዝኸፈቱ ሃጸይ ዮሃንስ እውን ብናይ ኣቦኦም ሓረግ ትውልዶም ካብ ራእሲ ሚካኤል ስሑል እዩ ዝምዘዝ። ድሕሪ ሞት ስሑል ሚካኤል ኣብ ፖለቲካውን ወታደራውን ኩነታት ትግራይ ወሳኒ ተራ ዝነበሮም ራእሲ ወልደስላሰን ደገኣዝማቲ ሱባጋድስን ከምዝነበሩ ድማ ይፍለጥ።

ሃጸይ ዮሃንስ ፬ይ (ራብዓይ)

ህጻን ካሳ ምርጫ (ዳሓር ሃጸይ ዮሃንስ) ኣብ ዝተወለዱሉ ዘበን ትግራይ ትግርኚ ሓሳረ መከራ ዝበልዐሉ ዘበን ነበረ። እቶም ንትግራይ ትግርኚ ከም ሓዊ ኣቃጺሎም፣ ከም ኣምበጣ ሊሒሶም ምድረ በዳ ዘትረፍዋ ደገ ኣዝማቲ ውቤ፣ ንትግራይ ትግርኚ ምስ ተቖጻጸሩ ኣብ ሻምናይ ዓመቶም ብሓሙሽተ ሓምለ (ሓወርያ መዓልቲ) 1829 ዓ/ም ካሳ ኣብ ተምቤን ፍሉይ ሽሙ ማይ በሓ ኣብ ዝተብሃለ ስፍራ ተወለደ። ኣብዚ ክፋእ ዘበን ዝተወለደ ካሳ ኣዲኡ ወይዘሮ ስላስ ናብ ሓሙሽተ ሓምለ ኣብ ዘውግሕ ሕርሲ እንትትሓዛ “ኣንበሳ ኣጉሰዐ” እናተብሃለ ዝዝንተወሉ ኩነታት ኣሎ። ብዙሕ ጊዜ ንዙፋን ዝመጣጠር ሰብ እንትውለድ ወይ ደሓር ምስ ዓበየ ምስ ንግስነቱ ዝተኣሳሰሩ ሕልምታት፣ ንግርቲ፣ ትንቢት ባህታውያን ተደጋጊሙ ምስማዕ ዝተለመደ እዩ። ምስ ምውላድ ህጻን ካሳ ተዛሚዱ ዝዝረብ ምጉሳዕ ኣንበሳ እውን ኣካል ናይዚ ዝውቱር ባህሊ ከምዝዀነ ይእመን። ስለዝዀነ ድማ “እዚ ተወሊዱ ዘሎ ህጻን ክነግስ እዩ” እናተብሃለ ብስፍሓት ክውረ ጀመረ። ካሳ መንእሰይ ምስኰነ ኣብ ገረብ ግባ ምስ ኣንበሳ ተራኺቡ ወዲ ንወዲ ምስገጠመ ነቲ ኣንበሳ ቀቲሉዎ ዝብል ተጓንፎ እውን ካልእ ተወሳኺ ንመጻኢ ንግስነት ካሳ ዘመልክት ኰነ። እንትውለድ ኣንበሳ ዘጉሰዐሉ፣ ምስ ጎበዘ ምስ ኣንበሳ ተጋጢሙ ዝሰዓረ፣ ምስ ዓበየ ዙፋን መን ይኸልኦ? ዝብል ብሂል ብስፍሓት ተዘርገሐ። እቲ ንማእለያ ዘይብሉ ግፍዒ ደገኣዝማቲ ውቤ እናርኣየ ዝዓበየ ካሳ ዓሰርተ ትሸዓተ ዓመት ምስመልኦ ብ1847 ዓ/ም ደገኣዝማቲ ውቤ ብካሳ በዓል ቋራ ተሰዓረ። እዚ ታሪኻዊ ፍጻመ ንመንእሰይ ካሳ ሓዱሽ ምዕራፍ ታሪኽ ኸፈተ። ደገኣዝማቲ ውቤ ንትግራይ ትግርኚ ናብ ዕንወት ዘእተውዋ ጥራሕ እንተይኰኑስ ንኣቦ ካሳ ንሹም ተምቤን ምርጫ እውን ዝቐተሉ ስለዝነበሩ ሞቶም ንመንእሰይ ካሳ ፍሉይ ትርጉም ነይርዎ። ገና ካብ ጊዜ ንእስነቱ ኣትሒዙ ንስርዓት ውቤ ብምቅዋም ሽፍትነት ዝወጸ ካሳ ድሕሪ ውድቀት ውቤ ኣብ ዓመትን ፈረቓን ብ1849 ዓ/ም ናብ ትግራይ ምስዝመጹ ሃጸይ ቴድሮስ ተራኸበ። ሃጸይ ቴድሮስ ንወሎን ሽዋን ኣገቢሮም ናብ ትግራይ ምስኣተው “ናይ ወለድኹም ሹመት ኣጽኒዐልኩም ኣለኹ እሞ ኩሉኹም እተው” ዝብል ኣዋጅ ኣንገሩ። እቲ ንሽፍትነት በረኻ በረኻ (ቀልቀል ደርገዓጀን፣ ዴስኣን ዓፋርን) ናብርኡ ገይሩ ዝጸንሐ ካሳ ንኣዋጅ ሃጸይ ቴዎድሮስ ሰሚዑ ምስ ሓሻኽሩ ኣተወ። ኩሎም መሳፍንቲ ትግራይ ድማ ነጸልኦም ኣወንዚፎም በብተራ ናብ ድንኳን ሃጸይ ቴዎድሮስ እናኣተው ኢድ ነስኡ። ተርኡ ዝበጽሐ መንእሰይ ካሳ ናብ ድንኳን ሃጸይ ቴዎድሮስ እንትኣቱ ነጸልኡ ኣየወንዘፈን ነይሩ። ነዚ ዝተዓዘቡ ሃጸይ ቴድሮስ ሕርቃኖም ኣብ ከብዶም ዓቢጦም ብናይ ሓሶት ክምስታ ተቐበልዎ። እቲ ስነስርዓት ተወዲኡ ምስመሸየ ሃጸይ ቴዎድሮስ ካሳ ተኣሲሩ ክቐርብ ትእዛዝ ኣመሓላለፉ። መንእሰይ ካሳ ግና ካብ ብጋንኡ ተፈሊጥዎ ንምሸቱ በረኻ ወሪዱ ብምሕዳር እቲ ናይ እምቢተኝነት ሽፍትነት ህይወቱ እንደገና ኣሐደሰ። ሽፍትነት ካሳ ምርጫ ዝኰርኰሖም ሃጸይ ቴዎድሮስ ንመንእሰይ ካሳ ኣብ ኢዶም ዘእትውሉ ምህዞታት ፈተሹ። ብኻልእ ገጽ ድማ ኣብ እንደርታ ገዛኢ ኰይኖም ዝተሸሙ ደገኣዝማቲ ኣርኣያ ሽፍትነት ወዲ ሓፍቶም ብዙሕ ቃሕ ኣይበሎምን። ብተደጋጋሚ ሰብ እናለኣኹ ክኣቱን ምስኦም ኰይኑ ክሰርሕን ንካሳ ተማሕጸንዎ። ካሳ ግና ንምሕጽንታ ኣኩኡ ከይሰምዐ ብሽፍትነት ቀጸለሉ። ብ1856 ዓ/ም “ሃጸይ ቴድሮስ ንደገ ኣዝማቲ ኣርኣያ ድምጹ ራእሲ ገይሮም ኣብ መላእ ትግራይ ትግርኚ ክሸሙዎም እዮም” ዝብል ወረ ገኒኑ ተሰምዐ። ሽዑ ንሽዑ ድማ ኩሎም መሳፍንቲ ትግራይ ናብ ደብረታቦር ተጸዊዖም ከዱ። በቲ ወረ ሹመት ዝተመሰጠ ደገኣዝማቲ ኣርኣያ ንመንእሰይ ካሳ ኣእሚኖም ሒዞምዎ ናብ ደብረታቦር ገስገሱ። ኣብ ደብረታቦር ምስ በጽሑ ኣሕዋት ካሳ ምርጫ ንዝዀኑ ጉግሳን ማሩን መዓርግ ደገኣዝማትነት ተውሃቦም። እቲ ብዕድመ ካብ ካሳ ብዓሰርተ ሓደ ዓመት ዝንእስ ሚኒሊክ እውን ደገኣዝማቲ ኰይኑ ተሸወመ። መንእሰይ ካሳ ግና “ባራምባራስ” ዝብል ብተነጻጻሪ ትሑት ዝዀነ ሹመት ተውሃቦ። ብሓውሲ ግዞተኛ ኰይኑ ድማ ኣብ ከባቢ ደብረታቦር ኣመሓዳሪ ኰይኑ ተመደበ። ደገኣዝማቲ ኣርኣያ ድማ ኣብ ክንዲ ሹመት ክእሰሩ ተወሰነ። ናብ እምባ መቅደላ ተወሲዶም ድማ ብግዞት ክጸንሑ ተገብረ። ምኽንያት መእሰሪኦም “ምስ ካሳ ተማኺርካ ክሽፍት ዝገበርካ ንስኻ ኢኻ” ዝብል እዩ። ደገኣዝማቲ ባይርኡ ድማ ራእሲ ኰይኖም ንትግራይ ትግርኚ ክገዝኡ ተሸወሙ። ባላምበራስ ካሳ ኣብ ከባቢ ደብረታቦር ንዝተወሰነ ዓመታት ምስጸንሑ ራእሲ ባይርኡ ዋሕስ ኰይኖም ናብ ትግራይ ተመለሱ። ኣብ ትግራይ ምስ ኣተዉ ግና ድሕሪ ቅሩብ ጊዜ ተመሊሶም ናብቲ ዝዓበይሉ በረኻ እንደርታን ዓፋርን ወረዱ። ንስርዓት ሃጸይ ቴድሮስ ከምዘይግዝኡ ብዕሊ ኣፍሊጦም ድማ ናብራ ሽፍትነት ምምራሕ ጀመሩ። ብርቱዕ ሓይሊ እንትወፍሮም ናብ ምድሪ ዓፋር እናወረዱ፣ ጥንክር እንትብሉ ድማ ናብ ደጉዓታት እንደርታን ክልተ ኣውላዕሎን እናደየቡ ሓይሎም ምትእኽኻብ ቀጸሉ። ቀስ ብቐስ እናተርንዑ እንትኸዱ እውን ናብ ደጉዓታት ድድባን ደርግዓጀንን ብምድያብ ንተኣመንቲ ሃጸይ ቴድሮስ ምውጋእ ቀጸሉ። ኣብቲ ጊዜ እቲ ራእሲ ባይርኡ ወኪል ሃጸይ ቴድሮስ ኰይኖም ንትግራይ ትግርኚ እንትገዝኡ ብዴስኣ ደገኣዝማቲ ገ/ሚካኤል፣ ብሓውዜን ደገኣዝማቲ ሳህሉ፣ ብኣጽቢ ደራ ደገኣዝማቲ ደረስ፣ ብዓድዋን ሽረን ድማ ደገኣዝማቲ ተኽለጊዮርጊስ የመሓድሩ ነይሮም። ባላምበራስ ካሳ እናደልደሉ ምስመጹ ብመጀመርታ ምስ ደገኣዝማቲ ገ/ ሚካኤል ውግእ ገጠሙ። ቅድሚ ውግእ ምክያዶም ግና ኢዶም ክህቡን ብሓባር ኰይኖም ንሃጸይ ቴድሮስ ክዋግኡን መልእኽቲ እዮም ሰዲዶም። ደገኣዝማቲ ገ/ሚካኤል ግና ነቲ መልእኽቲ ከምንዕቐት ቆጺሮም ምስ ካሳ ክገጥሙ ወሰኑ። ኣብቲ ኣብ ዴስኣ ዝጀመረን ጸባት ዝተዛዘመን ውግእ ደገኣዝማቲ ገ/ ሚካኤል ተስዒሮም ተማረኹ። ንኣዲኦም ንባላምባራስ ካሳ ንወይዘሮ ስላስ ኣብ ሽረ ኣሲሮምወን ዝጸንሑ ደገኣዝማቲ ተኽለጊዮርጊስ ንስዕረት ደገኣዝማቲ ገ/ ሚካኤል ምስሰምዑ ቀተሉወን። ባላምባራስ ካሳ ነዚ ግፍዒ እዚ ምስሰምዑ ሰራዊቶም ኣኸቲሎም ናብ ሽረ ገስገሱ። ኣብኡ ምስበጽሑ ንሰራዊት ደገኣዝማቲ ተኽለጊዮርጊስ ስዒሮም ተዓወቱ። ደገኣዝማቲ ተኽለጊዮርጊስ ተማሪዀም ኣብ ኢድ ባላምባራስ ካሳ ወደቑ። ብድሕሪኡ ኣብ ሽረ መጋባእያ ተኸፊቱ ጉዳይ ደገኣዝማቲ ገ/ሚካኤልን ደገኣዝማቲ ተክለጊዮርጊስን ብዝተመረጹ ዳያኑ ተርኣየ። ኣብ መወዳእታ እቶም ዳያኑ እቲ ዝተፈጸመ ገበን ብሞት ዘቕጽዕ ከምዝዀነ ኰይኑ ግና ምሕረት ክግበረሎም ልመና ኣቕረቡ። ክልቲኦም ደገኣዝማቲ እውን ኣብ እግሪ ባላምባራስ ካሳ ወዲቖም ምሕረት ሓተቱ። ዋላ እኳ ነተን ልዕሊ ኹሉ ዝሪኡወን ወላዲቶም ወ/ሮ ስላስ ዝቐተሉ እንተዀኑ ቀጻሊ ሰላምን ምርግጋእን ሃገር ኣዕብዮም ብምርኣይ ባራምበራስ ካሳ ምሕረት ሃቡ። እቲ ንኹሉ ኣፍሪሑን ኣሸቢሩን ዝነበረ ጉዳይ ድማ ብሰላም ተፈትሐ። ብድሕሪኡ ኣብ ኣጽቢ ደራ ደገኣዝማቲ ደረስ ሰራዊት ኣኽቲቶም ንውግእ ይዳለዉ ስለዝነበሩ ባላምባራስ ገጾም መሊሶም ናብ ኣጽቢ ደራ ገስገሱ። ኣብ መይዳ ሓነይታ ድማ ኲናት ተኸፈተ። ወታደራት ደገኣዝማቲ ደረሰ ተስዒሮም ኣንሳሓቡ። ነዊሕ ከይጸንሑ ድማ ደገዝማቲ ደረስ ኣብ ማይ መኽደን ብሞይዘር ጥይት ባላምባራስ ካሳ ግንባሮም ተወቒዖም ሞቱ። ካብኡ ቀጺሉ ባላምባራስ ካሳ ገዛኢ ሓውዜን ምስ ዝነበሩ ደገኣዝማቲ ሳህሉ ተጋጢሞም ምስሰዓሩ ገጾም ናብቶም ዋና ገዛኢ ትግራይ ትግርኚ ናብ ራእሲ ባይርኡ ኣዞሩ። ካብ ቤጌምድር ተመሊሶም ብሽረ ገይሮም ኣብ ጉራዕ ሓይሎም ዘጠናኽሩ ዝነበሩ ራእሲ ባይርኡ “ኣንጻር ካሳ ኽተት!” ኢሎም ኣዋጅ ኣንገሩ። ባላምባራስ ካሳ ካብ ኢድ ሃጸይ ቴዎድሮስ ዋሕስ ኰይኖም ንዘውጽእዎም ራእሲ ባይርኡ ክጎድኡ ስለዘይደልዩ ሽማግለ ሰደዱ። ራእሲ ባይርኡ ግና “እንብለይ” ኢሎም ንኲናት ከተቱ። ብድሕሪኡ ድማ ኣብ ጉራዕ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ባላምባራስ ካሳ ስዒሮም ራእሲ ባይርኡ ተማረኹ። ንጓል ሃጸይ ቴድሮስ ንወ/ሮ አልጣሽ ተመርዒዎም የማናይ ኢድ ሃጸይ ቴዎድሮስ ኰይኖም ዝጸንሑ ራእሲ ባይርኡ ካብ ባላምባራስ ካሳ እውን ምሕረት ኣይተነፈጎምን። ምሕረት ዝረኸቡ ራእሲ ባይርኡ ነታ ምስ ዋግሹም ጎበዜ እንትዋግኡ ዝጠፍአት ሓንቲ ዓይኖም እናርኣዩ “ሓንቲ ዓይነይ ንቴድሮስ ሂበያ- - - እዛ ዝተረፈት ሓንቲ ዓይነይ ድማ ንካሳ ብተኣማንነት ከገልግለላ እየ” ብምባል ቃል ኣተወ። ድሕሪ እቲ ምስ ሰራዊት ራእሲ ባይርኡ ዝተኻየደ ውግእን ዝተረኸበ ዓወትን ባላምባራስ ካሳ ደገኣዝማቲ ዝብል መዓርግ ረኺቦም ርእሰ መኳንንቲ ወመሳፍንቲ ትግራይ ትግርኚ ኰኑ። ሃጸይ ቴድሮስ ኣብ መቅደላ ምስ እንግሊዛዊ ጀነራል ናፒየር ተዋጊኦም ኣብ መወዳእታ ሽጉጦም ሰትዮም ምስ ሞቱ ድማ ንግስነት ደገኣዝማቲ ካሳ ጋህዲ ኰነ። 2 ጥሪ 1864 ዓ/ም ኣብ ኣኽሱም ኣብ ዝተዳለወ ዝለዓለ ስነስርዓት ብኣቡነ ኣትናቴዎስ ቡራኬ “ራብዓይ ዮውሃንስ” ብዝብል ስያመ ንግስነት መንግስቲ ጨበጡ። ሃጸይ ዮሃንስ ምስነገሱ ኣብ ዓመቱ ናብ ሰሜንን ቤጌምድርን (ጎንደር) ብምምራሽ ነቶም ሽዑ ገዛኢ እቲ ካባቢ ዝነበሩ ራእሲ ወረኛ ኣገበሩ። ናብ ጎጃም ብምኻድ ድማ ንራእሲ ኣዳል ኣብ ትሕቲኦም ክግብሩ ገበሩ። ካብኡ ናብ ወሎ ብፍላይ ናብ የጁ ንራእሲ ዓሊ ብሩ ከገብሩ ሰራዊቶም ሰደዱ። ድሕሪ ዝተወሰነ ውግእ ድማ ራእሲ ዓሊ ተማሪዀም እቲ ጸገም ተፈትሐ። ኣብ ደቡብ ወሎ ዝነበሩ ካልእ ሓያል መስፍን ኣባ ዋጠው ነቲ ኩነታት ምስረኣዩ ባዕሎም ኢዶም ሂቦም ዕርቀ ሰላም ወረደ። ብድሕሪኡ ኣዒንቲ ሃጸይ ዮሃንስ ናብ ሽዋ ኣቕንዓ። ንንጉስ ሽዋ ንሚኒሊክ ንምግባር ሰራዊቶም ድሉው ኰነ። ኰይኑ ግና ንጉስ ሚኒሊክ ንሃጸይ ዮሃንስ ንምግባር ስለዝተስማምዑ እቲ ውጥጥ ብዘይ ኲናት መዕለቢ ረኸበ። ብከምዚ ዝበለ ኣገባብ ድማ ሃጸይ ዮሃንስ ነታ ሽዑ ብኣቢሲንያ እትጽዋዕ ሃገር ሳንጣ ገበርዋ። ሃጸይ ዮሃንስ ጥሪ 1864 ዓ/ም ምስነገሱ ካብ ዘጋጠሞም ዓብዪ ፈተና ሓደ እቲ ብግብጺ ዝተሃቀነ ወራር እዩ። ኣብ ሰሜናዊ ጫፍ ኢትዮጵያ ኣንጻር ወረርቲ ግብጺ ኣብ ዝዋግእሉ ጊዜ እቶም ንስልጣን ተናሓናሒኦም ዝነበሩ ንጉስ ሚንሊክ ብሓደ ወገን ምስ ግብጺ ብኻልእ ወገን ድማ ምስ ጣልያን ርክብ ብምፍጣር ስልጣን ዝጭብጥሉ መንገዲ ይምህዙ ነይሮም። ነዚ ኩነታት ክከታተሉ ዝጸንሑ ሃጸይ ዮሃንስ ብ1870 ዓ/ም ናብ ሽዋ ወፈሩ። ንወፍሪ ሰራዊት ሃጸይ ዮሃንስ ዝተገንዘቡ ንጉስ ሚኒሊክ ድማ ኣብ ውሽጦም ተንኰል ቋጺሮም ካብ ኲናት ዕርቂ መረጹ። ብምዃኑ ድማ ካብ ደብረሊባኖስ ዝተመረጹ መነኰሳት ሰዲዶም እቲ ውጥጥ ብሰላም ክውዳእ ሕቶ ኣቕረቡ። እቲ ሕቶ ብወገን ሃጸይ ዮሃንስ ተቐባልነት ረኺቡ ብ14 መጋቢት 1870 ዓ/ም ኣብ መንጎ ሃጸይ ዮሃንስን ንጉስ ምንሊክን ዕርቀ ሰላም ወረደ። ንጉስ ሚኒሊክ ንሃጸይ ዮሃንስ ክግብሩ፣ ነቲ ንጉሰ ነገስት ብምባል ኣቕሪጾምዎ ዝነበሩ ማህተም ኣፍሪሶም ንጉስ ክበሃሉ ስምምዕ ተገበረ። ሃጸይ ዮሃንስ ኣብ ጊዜ ንግስነቶም ብጽቡቕ ካብ ዝለዓለሉ ሓደ ዓብዪ ስራሕ ኣብ ኢትዮጵያ ዓርሰ ምምሕዳር (ፌደራሊዝም) ዝመስል ስርዓት ብምምስራቶም እዩ። እዚ ሰፊሕ ውሽጣዊ ስልጣን ዘጎናጸፈ ናይ ምምሕዳር ስርዓት ተኸኣኢልካን ተስማዕሚዕኻን ኣብ ምንባር ዓብዪ ኣስተዋጽኦ ከምዝነበሮ ብዙሓት ይስማዕምዕሉ። ብሳላ እዚ ኣካይዳ እውን ኣብ መንጎ ንጉስ ሚኒሊክን ሃጸይ ዮሃንስን ክሳብ 1880 ዓ/ም ንዓሰርተ ዓመት ዝኣክል ሰላም ሰፊኑ ዝጸንሐ። መዋእለ ንግስነት ሃጸይ ዮሃንስ ክልተ መልክዕ ከምዝነበሮ ጸሓፍቲ ታሪኽ ይገልጹ። ብሓደ ገጽ ብግብጺ፣ ጣልያንን ድርቡሽን ካልኦት ንኢትዮጵያ ንምሓዝ ዝግበር ዝነበረ ፈተናን ሃጸይ ዮሃንስ ነዚ ንምምካት ዝገበርዎ ተጋድሎን የንጸባርቕ። ብኻልእ ወገን ድማ ኣብ ዙርያ ንጉስ ሚኒሊክ ዝዓስል ንንጉስ ተክለሃይማኖትን ካልኦትን ዝሓውስ ናይ ስልጣን ምንሕናሕን ነዚ ንምምካን ዝተገበሩ ጻዕርታትን የመልክት። ብመሰረት እዚ ኣብ ሰሜናዊ ጫፍ ኢትዮጵያ ወራር ጣልያን ኣብ ምዕራባዊ ኢትዮጵያ ድማ ወራር ድርቡሽ ኣብ ዝተቐራረበሉ ሰዓት ብ1880 ዓ/ም ንጉስ ሚኒሊክን ተክለሃይማኖትን ብሓደ ገጽ ምስ ጣልያን ዕርክነት መስሪቶም ብኻልእ ገጽ ሕድሕዲኦም ሽርክነት ፈጢሮም ኣብ ልዕሊ ሃጸይ ዮሃንስ ዓመጹ። ኣብቲ ጊዜ ሃጸይ ዮሃንስ ወዶም ራእሲ ኣርኣያ ስላሴ ሞይቶምዎም ኣብ ዝለዓለ ሓዘን ኣብ ልዕሊ ምንባሮም በዚ ተግባር ክሕደት ሓሪቖም ንሰራዊቶም ኣኽቲቶም መጀመርታ ናብ ጎጃም ወፈሩ። ንጉስ ተክለሃይማኖት ግና ኣብ ክንዲ ምውጋእ ጅብላ ናብ ዝተብሃለ ብርቱዕ በዓቲ ኣትዮም ተኸወሉ። ንጉስ ምኒሊክ እውን ኣብ ክንዲ በቲ ምስ ንጉስ ተክለሃይማኖት ዝመስረትዎ ውዕሊ ምትሕግጋዝ ናብ ጎጃም መጺኦም ዝሕግዝዎም ኣብ ሽዋ ኰይኖም ነቲ ኩነታት ምክትታል መረጹ። ሰራዊት ሃጸይ ዮሃንስ ነቶም ኣብ እምባ ሙተራ (ጅብላ) ዝተሓብኡ ንጉስ ተክለሃይማኖት ንምሓዝ ነቲ እምባ ከቢቡ ብመድፍዕ እናተኰሰ ብዙሕ ጻዕሪ ገበረ። ኰይኑ ግና እቲ እምባ ኣጸጋሚ ስለዝነበረ ንጉስ ተክለሃይማኖት ክተሓዙ ኣይከኣሉን። ኣብ መወዳእታ ንጉስ ተክለሃይማኖት ንሰለስተ ወርሒ ዝኣክል ኣብቲ በዓቲ ተሓቢኦም ምስ ጸንሑ መስከረም 1881 ዓ/ም ካብቲ በዓቲ ወጺኦም ኣብ እግሪ ሃጸይ ዮሃንስ ወዲቖም ይቕረታ ሓተቱ። “ንጉስ ምኒሊክ እዮም ኣጋግየሙኒ” ብምባል ምሕረት ለመኑ። ሃጸይ ዮሃንስ እውን ምሕረት ገበሩሎም። ብድሕሪኡ ዝቐረበ ሕቶ “ናብ ንጉስ ምኒሊክ ዶ ክንዘምት ወይስ ናብ ድርቡሽ?” ዝብል ነበረ። ኣብቲ ጊዜ እቲ ድርቡሽ ብወገን መተማ ኣትዩ ብዙሕ ግፍዒ ዝፈጸመሉ ጊዜ ስለዝነበረ ሃጸይ ዮሃንስን ኣማኸርቶምን “መጀመርያ ንባዕዳዊ ወራር ንመክት” ኣብ ዝብል ውሳነ በጽሑ። ሃጸይ ዮሃንስ፣ ንጉስ ተክለሃይማኖት ንጎጃም ክሕልው ኣብኡ ገዲፎም ብለካቲት 1881 ዓ/ም ሰራዊቶም ኣኽቲቶም ናብ መተማ ተጉዓዙ። ሽዑ ናብቲ ኲናት ዝወፈረ በዝሒ ሰራዊት ኢትዮጵያ 80 ሽሕ ዝጽጋዕ እግረኛ 20 ሽሕ ዝኸውን ፈረሰኛ ከምዝነበረ ይግለጽ። ነቲ ኲናት ዝመርሑ ፍሉጣት መኰነናት ድማ ራእሲ ኣርኣያ፣ ራእሲ ቢትወደድ ሃ/ማርያም፣ ራእሲ ኣሉላ፣ ራእሲ (ንጉስ) ሚካኤል ዓሊ፣ ራእሲ መንገሻ፣ ራእሲ ሓጎስ፣ ዋግ ሹም ገብሩ፣ ቢትወደድ ገ/ መስቀል፣ ደገኣዝማቲ ቦጋለ፣ ደገኣዝማቲ መሸሻን ካልኦትን ከምዝነበሩ ይፍለጥ። ብወገን ድርቡሽ ዝወፈረ ሰራዊት እውን ናብ 80 ሽሕ ከምዝጽጋዕ እዩ ዝዝንተው። ሃጸይ ዮሃንስ ኣብ ዘበን ንግስነቶም ኣብ ወሎን ከባቢኣን ብኣስገዳድ ካብ ሃይማኖት እስልምና ናብ ክርስትና ንምልዋጥ ጸቕጢ ገይሮም እዮም ዝብል ወቐሳ ብመሰረቱ ሓቅነት ዝጎደሎ እዩ። ከምቲ “ሃጸይ ዮሃንስ ጸረ እስላም እዮም ዝብሉታ፣ ዓፋር እንትዋሰብ ኣበይ ነበሩታ” ዝብል ስነቃል ዘሎ ናብቲ ዝለዓለ መዝነት ዘብጸሖም ህዝቢ ዓፋር ውዕለታኡ ንምግላጽ ዓፋረተይቲ ብምእታው ክልቲኡ ህዝቢ ንክተኣሳሰር ዝገበሩ እዮም። ኣብ ወሎ “ኣይጠየፍ” ዝበሃል ኣዳራሽ ክልቲኦም ሃይማኖታት ተቐራሪቦም ዝዝትይሉ ዝነበሩ እዩ። ከምኡ እውን “ኣስላማይ ዘይብሉ ከተማ ኣይምዕብልን” ኢሎም ካብ ተቐራቒራን ኣጉላዕን ተኸተልቲ ሃይማኖት እስልምና ዝዀኑ ወገናት ብምምጻእ ኣብ ጎድኒ ቤተ መንግስቶም መስጊድን ቤተ ክርስትያንን ክስራሕ ዝገበሩን ማዕርነት እምነት ሃይማኖታት ዘኽብሩን በዓል ምጡቕ ኣእምሮ እዮም ነይሮም። ሃጸይ ዮሃንስ ከምቲ ዝውረ ኣብ እስላም ጽልኣት እንተዝነብሮም እቲ ኣብ ወሎ ዝወሰድዎ ስጉምቲ ኣብ መቐለ ምጀመርዎን ኣብ ጎንደርን ካልኦት ከተማታትን ምቐጸልዎ ነይሮም። ከምኡ ስለዘይነበሩ ግን ነቶም ዝሰግእዎምን ጥፍኣት ዝረኸብሎምን በቲ ዝመስሎም ቀጺዖም ኣብ ካሊእ ኣይቀጸሉን። ብሰንኪ እቲ ዘይመልክዑ ክሕዝ ዝተገብረ ወረ ግን ብዙሕ ህዝቢ ብልቡ ተቐይሙ ክሳብ ምስ ድርቡሽ ዝተሰለፉ ኢትዮጵያውያን ከምዝነበሩ መዛግብቲ ታሪኽ የረጋግጹ። ሃጸይ ዮሃንስ ኣብ ወርሒ ለካቲት “መጻእኹ - - - ተጸበየኒ፣ ከም ሌባ ድንገት ኣዘንጊዑ መጺኡና ከይትብል” ዝብል መልእኽቲ ናብ መራሒ ድርቡሽ ዘኪ ቱማል ምስሰደዱ እዮም ድማ ናብ መተማ ዝወፈሩ። ስለዚ እውን ባሕቲ መጋቢት 1881 ዓ/ም እቲ ውግእ ተጀመረ። ባሕቲ መጋቢት 1881 ዓ/ም እቲ ውግእ ምስተኸፈተ ስፍሪ ቁጽሪ ዘይብሎም ተዋጋእቲ ሓበሻ ብናህሪ ናብ መጥቃዕቲ ገስገሱ። ኣብ ቅድሚ ንጉሶም መስዋእቲ ንምዃን ብዝለዓለ ትብዓት ንሓሙሽተ ሰዓት ምስተዋግኡ ነቲ ቀዳማይ ዕርዲ ሰይሮም ኣተዉ። ናይ ጥይት ዝናብ ኣብ ልዕሊ ጸላእቶም ብምውራድ ንወታደራት ድርቡሽ ኰስተርዎም። እቶም ካብ ጥይት ዝተረፉ መሃዲሳት ናብቲ ካልኣይ ዕርዲ ብምህዳም ህይወቶም ንምድሓን እንትጽዕሩ ሰራዊት ሓበሻ ተኸታቲሉ ዕረፍቲ ከልኦም። ይኹን እምበር ሰራዊት ሃጸይ ዮውሃንስ ዓወቱ ንምጉንጻፍ ክእውጅ ኣብ ዝተቐራረቡሉ ሰዓት ሓንቲ ካብ ወገን ስውርን ተንኰለኛን ጸላኢ ዝተተኰሰት ጥይት ነቶም ንጉስ ወቕዐቶም። እቲ ካብ ውሉድ ናብ ወለዶ ዝንተ እለት እናደመቐ ዝነብር ታሪክ ሃጸይ ዮሃንስ ድማ በዚ ተፈጸመ።

ደብተራ ፍስሃጊዮርጊስ ዓበየዝጊ

ኣቦ ስነ-ጽሑፍ ትግርኛ

ታሪክ ስነ-ጽሑፍ ትግርኛ እንትዝከር ሓቢሮም ዝዝከሩ ደረስቲ ብዙሓት ኣይኰኑን። ሓደ ካብቶም ውሑዳት ደብተራ ፍስሃጊዮርጊስ ዓቢየዝጊ ብቐዳምነት ይጥቀሱ። ደብተራ ፍስሃጊዮርጊስ ቀዳማይ (ፈላሚ) ስነጽሑፍ ትግርኛ ጥራሕ እንተይኰኑስ ብዙሕ ዝጽሓፉ እውን እዮም። በኹሪ ጽሕፍቲ ደብተራ ፍስሃጊዮርጊስ እታ ቅድሚ 123 ዓመት ዝተሓተመት “ጦብላሕታ” ዘርእስታ መጽሓፍ እንትትኰን፣ ብትሕዝቶኣ መዝገብ መገሻ እያ። ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኢጣሊያ ብዛዕባ ዝገበርዎ መገሻን ትዕዝብቶምን ኣብ ሰብነቶም ዘሕደረሎም ጦብላሕታን እትገልጽ መጽሓፍ እያ። ደብተራ ፍስሃ ዝተወለድሉ ዘመን ዝገልጽ መረዳእታ እኳ እንተዘይተረኸበ ትውልዲ ዓዶም ግና ኣብ የሓ ላዕላይ ዙፋን ኣብ እትርከብ ስንኩሕና ኣብ እትብሃል ቁሸት እዩ። በቲ ጊዜ ዝለዓለ ደረጃ ትምህርቲ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዝነበረ ትምህርቲ ተማሂሮም ማዕርግ ድብትርና ዝለበሱ ደብተራ ፍስሃ፣ ብርክት ዝበሉ ቋንቋታት ውሽጢ ዓድን ወጻእን ይፈልጡ ከምዝነበሩ እዩ ዝንገር። ካብ ቋንቋታት ወጻኢ ጣሊያን፣ ፈረንሳይ፣ ዓረብ ይፈልጡ ነይሮም። ደብተራ ፍስሃ ንዓዲ ጣልያን ዝኸድሉ እዋን ባሕቲ ሓምለ 1882 ዓ.ም ከምዝነበረ ኣብታ ብዛዕባ መገሸኦም ካብ ኢትዮጵያ ንዓዲ ጣልያን እትገልጽ ሓጻርን ምቅርትን ጽሕፍቶም ገሊጾም እዮም። ናብ ወጻኢ ምስከዱ ነቲ ኣብ ዓዶም እናሃለዉ ፈሊጦምዎ ዝነበሩ ቋንቋታት ወጻኢ ብዝበለጸ ኣጽንዕዎን መለኽዎን። በቲ ዝነበሮም ሰፊሕ ክእለት ቋንቋ፤ ትርጁማን (ተርጓማይ) ሃጸይ ሚኒሊክ ዝነበሩን ንውዕሊ ውጫለ ካብ ጣልያንኛ ናብ ኣምሓርኛ ዝተርጎሙን ሓጋዚ ግራዝማች ዮሴፍ ኰይኖም ኣብ ልዕሊ ምስረሖም፣ ኣብ ሃገረ ጣሊያን ከተማ ሮማ ሰዋስው ትግርኛ፣ ግእዝን ኣምሓርኛን ኣምሂሮም እዮም። ፕሮፌሰር ያቆብ በየነ ኣብ መቕድም “ታሪክ ኢትዮጵያ” ዝብል መጽሓፍ ደብተራ ፍስሃ ጊዮርጊስ ከምዝገለጽዎ፣ ደብተራ ፍስሃ ጊዮርጊስ ናብ ዓዲ ጣሊያን ምስ ከዱ “ኢንሲቲቱቶ ኦሪየንታለ” ኣብ ዝብሃል ቤት ትምህርቲ ናፖሊ ምስ ፕሮፌሰር ፍራንቸስኰ ጋሊና ዝተብሃሉ መምህር ተራኸቡ እሞ፣ እቶም ፕሮፌሰር ብዝገበርሎም ምብርታዕ ኣብ 1887 ዓ.ም ቀዳማይ መጽሓፍ ትግርኛ ኣሰናደዉ። ድሕሪ እዚ “ታሪኽ ኢትዮጵያ ንምጽናዕ ይጠቅም እዩ” ብዝብል መንፈስ ተለዓዒሎም ብዛዕባ “ታሪክ ኣዕራብን ግብጻውያንን” ዝዛረብ መጽሓፍ ናብ ትግርኛ ተርጎሙ። “ጽሩይ ቋንቋ ትግርኛ” ዝትሕዝቶኡ ሓደ መጽሓፍ ጽሒፎም ነይሮም ከምዝበሃል እውን ፕሮፌሰር ያቆብ ይገልጹ። ኣብ መወዳእታ መበል 19 ክፍለ ዘመን ደብተራ ፍስሃ ጊዮርጊስ ብትግርኛ ዝደረስወን ዓበይትን ንኡሳትን ጽሑፋት ሓሙሽተ ከምዝዀና ኣይተ ሃይሉ ሃብቱ ኣብ መባእታ መጽሓፍ ጦብላሕታ ኣብ ዘቕረብዎ ጽሑፍ ይገልጹ። ንሳተን እውን 1. ጦብላሕታ፣ ብ1887 ዓ.ም ኣብ ሮማ ዝተሓትመት፣ 2. እንካብ ዓረብኛ እተገልበጠ ቅያ ቀዳሞት ኣዕራብን እንካብ ኢጣልያ እተገልበጠ ታሪኽ ኣግባጽን፣ ብ1889 ዓ.ም ኣብ ሮማ ዝተሓተመ፣ 3. ታሪክ ኢትዮጵያ ፣ ብ1891 ዓ.ም ዝተሓተመ፣ 4. ታሪክ ንግስተ ሳባ 5. ታሪክ ኣኽሱም ዝብላ እየን። እተን ታሕተዎት ክልተ ጽሑፋት ብደብተራ ፍስሃ ጊዮርጊስ ከምእተጽሓፋ ይፍልጥ ደኣ እምበር ኣይተሓተማን። ብዘይካ እዘን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሳ ጽሑፋት “ፊተኛይቱና ኋለኛይቱ ኢትዮጵያ” ዘርእሰቱ መጽሓፍ “ኣለቃ ዘወልድ” ብዝብል ብርዒ ሽም ብቋንቋ ኣምሓርኛ ጽሒፎም ብ1891 ዓ.ም ኣሓቲሞም እዮም። ካብዚ ብተወሳኺ ንመዝሙረ ዳዊት ብብራና ዘይኰነስ ብዘመናዊ ሕትመት ንመጀመርታ ጊዜ ብቐይሕን ጸሊምን ሕብሪ ኣሰናዲኦም ኣሐቲሞም እዮም። ደብተራ ፍስሃ ጊዮርጊስ ኣብቲ ዘመን ካብዝነበሩ ምሁራት ጸብለል ኢሉ ዝርአ ፍልጠት ከምዝነበሮም ካብቲ ንሕትመት ዝበቕዐ ስነ-ጽሑፋዊ ስርሖም ምግንዛብ ይከኣል። ፍሉይ፣ ደፋርን መሃዛይን ኣረኣእያ ዝነበሮም ናይ ስነ-ጽሑፍ ሰብ እዮም ነይሮም። ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ 1931 ዓ.ም.ፈ ኣብ ሰራዮ ኣብ እትርከብ ዓዲ ዜኑ እትብሃል ቁሸት ዓረፉ።

ነጋድራስ ገብረህይወት ባይከዳኝ

ገብረህይወት ባይከዳኝ ኣብ ከተማ ዓድዋ ኣብ 1886 ዓ.ም.ፈ ተወሊዱ። ፈለማ ኣስመራ ኣብ ዝነበረ ናይ ስዊድን ሚሽን፣ ድሕሪኡ ኣብ ጀርመንን ኦስትሪያን ተማሂሩ። ኣብ 1905 ዓ.ም.ፈ ድማ ናይ ጀርመን ልኡኽ ኣስተርጓሚ ኰይኑ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ። ገብረህይወት ባይከዳኝ ምስ ንግስቲ ጣይቱ ብዘይምቅዳዉ ካብ 1909 ክሳብ 1911 ዓ/ም ኣብ ዘሎ እዋን ናብ ሱዳን ብዘይካ ተሰዲዱ ምጽንሑ፣ ካብ 1905 ክሳብ 1919 ዓ/ም.ፈ ኣብ ብዙሓት መንግስታዊ ስራሕትታት ተዋፊሩ ንሃገሩ ኣገልጊሉ እዩ። ካብ 1905 ክሳብ 1914 ዓ/ም.ፈ ኣስተርጓምን ጸሓፍን ሃጸይ ሚኒሊክ፣ ካብ 1914 ክሳብ 1919 ዓ/ም.ፈ ድማ ኣብ ድሬዳዋ ናይ ጉምሩኽ ሓላፊ ኰይኑ ሰሪሑ እዩ። ገብረህይወት ባይከዳኝ “ሃጸይ ሚኒሊክን ኢትዮጵያን” ከምኡ እውን “መንግስትን ምምሕዳር ህዝብን” ዝብሉ መጽሓፍቲ እውን ጽሒፉ እዩ። እቲ “መንግስትን ምምሕዳር ህዝብን” ዝብል መጽሓፍ ምናልባሽ ኣብ ኣፍሪካ ፈላማይ መጽሓፍ ኢኰኖሚክስ ከምዝዀነ ይግመት። እዚ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊ፣ ቁጠባዊ፣ ፍልስፍናን ትንተናን ዘካተተ መጽሓፍ ምንጪ ድሕረት ሃገራት ኣፍሪካ ብፍላይ ድማ ኢትዮጵያ እንታይ ምዃኑ ብዝርዝር ይገልጽ። ናይታ ኤውሮጳውያን ኣብ በዓቲ እናነበሩ እንተለዉ ስልጥንቲ ዝነበረት ኣፍሪካ ምንጪ ድሕረትን ውድቀትን ውሽጣዊ ሕድሕድ ኲናትን ወራራት ወጻእን ምዃኖም ይገልጽ። ኢትዮጵያ ኣብ ጎደና ምዕባለ ንኽትምርሽ እውን ብኢኰኖሚ ባዕላ ክትኽእል፣ ኣብ ትምህርቲ፣ ምምሕድዳርን ስርዓት ፋይናንስን ሱር በቆስ ለውጢ ክመጽእ ከምዝግባእ ብትረት ገሊጹ እዩ። ነጋድራስ ገብረይህወት ነዚ ሕዚ ኣብ ሃገርና ዝተኣታተወ ፖሊሲታት ልምዓት ብዝግባእ ተንቲኑዎ ነይሩ። “መንግስቲ ንህዝቢ ክረድእን ከብርትዕን እንተዀይኑ ቅድሚ ኩሉ ናብራ ሓረስታይ እናተመሓየሸ ክኸይድ ክጽዕር ኣለዎ” ይብል። እቲ ሓረስታይ ኣብ ጸቢብ ሕርሻ ብዙሕ እኽሊ ንምሕፋስ ዘኽእሎ መሳርዕን ፍልጠትን ንኽረክብ ህዝቢ ዝስልጥነሎም ትካላት መሰልጠኒ ብስፍሓት ክኽፈቱ ኣለዎም ይብል። ዝርገሐ መሰረተ ልምዓትን ትራንስፖርትን ህዝብታት ንኽቀራረቡ ካብ ምግባር ሓሊፉ ኣብ ምርግጋእ ዕዳጋ ዓብይ ትርጉም ከምዘለዎ ይገልጽ። እቲ ሓረስታይ ዕዳን ዕንድዳን ኰይኑ መሬት እናተሸጠ ኣብ ኢድ ውልቀ ሰባት ንኸይኣቱ እውን ስግኣቱ ይገልጽ። ንኢንቨስትመንት ድማ ዓንዲ ሕቖ ልምዓት ገይሩ ይገልጾ። “ኣብ ሃገርኩም ኰይነ ክሰርሕ እየ” ንዝብል ዝዀነ ይኹን ሃገር ዜጋ ሓንጎፋይ ኢልካ ተቐቢልካ፣ ዝጸገሞ ነገር ምሕጋዝ ጠቓሚ ምዃኑ ይገልጽ። ካብዚ ብምብጋስ እውን ነጋድራስ ገብረህይወት ባይከዳኝ፣ ኣብ ዘይእዋኑ ዝተፈጠረ ፈላስፋ ዘመናዊ ኢኰኖሚክስ ብምባል የሞግስዎ። ፍልስፍና ነጋድራስ ገብረህይወት ባይከዳኝ ንኢትዮጵያ ጥራሕ እንተይኰነስ ንመላእ ሃገራት ኣፍሪካ ዓብይ ትርጉም ከምዘለዎ ብዙሓት ይስማምዑ። ነጋድራስ ገብረህይወት ባይከዳኝ ኣብ መበል 32 ዕድሚኡ ኣብ 1919 ዓ.ም.ፈ ዓሪፉ።

ኰዀብ ጽባሕ (ኣርኣያ ዘሪሁን፣ ካብ 1940 ክሳብ 1999 ዓ/ም)

ኣርኣያ ዘሪሁን ኣብ ወርሒ ጥሪ 1940 ዓ/ም ኣብ ከተማ ዓድዋ ተወሊዱ። ቀዳማይን ካልኣይን ብርኪ ትምህርቲ ኣብ ኣስመራ ተማሂሩ። ድሕሪኡ ናብ ዩ ኤስ ኣሜሪካ ብምኻድ ኣብ 1966 ዓ/ም/ፈረንጂ ብኢንተርናሽናል ስቴዲስ፣ ኣብ 1979 ዓ/ም ፈረንጂ ድማ ብማናጅመንት ቀዳማይ ዲግሪ ሒዙ። ኣብ 1981 ዓ/ም ፈረንጂ ድማ ብዲቨሎፕመንት ኢኰኖሚክስ ብካልኣይ ዲግሪ ተመሪቑ። ኣርኣያ ዘሪሁን ካብቶም ንማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝመስረቱ ውሑዳት ግዱሳት ተጋሩ ሓደ እዩ። ነሓሰ 1981 ዓ/ም ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝተኻየደ መስራቲ ጉባኤ ማልት ኣባል ቦርድን ኣባል ፈጻሚ ኰሚቴን ማልት ኰይኑ ተመሪጹ። ተሓዚ ገንዘብ ኰይኑ እውን ኣገልጊሉ። ካብ 1984 ዓ/ም ክሳብ 1994 ዓ/ም ድማ ኣቦ ወንበር ማልት ኰይኑ ንልምዓት ትግራይ ተረባሪቡ። ኣይተ ኣርኣያ ዘሪሁን ማሕበር ልምዓት ትግራይ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንክትበጽሕ ቀትሪ ምስ ለይቲ ጽዒሩ። ንሱ ብኣቦ መንበርነት ኣብ ዝመርሐሉ እዋን ማልት 1072 ህንጸት ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት ልምዓት ከምዘካየደት ይፍለጥ። ኣይተ ኣርኣያ ዘሪሁን ነታ ማሕበር ኣብ ምጥንኻር ካብ ዝነበሮ ልዑል ድሌትን ንህዝቢ ኣእሚንካ ናይ ምኻድ ብሱል ኣመራርሓን ብተወሳኺ ዝተፈላለዩ ምህዞታት እውን ኣተኣታትዩ እዩ። መስርሕ ቴሌቶን ንፈለማ ግዜ ዝተኣታተወ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ወለዲ ዘይብሎም ደኻትም ቆልዑ ብምትእኽኻብ ሰርከስ ትግራይ ክጣየሽን ርእሶም ክኢሎም ክንቀሳቐሱን ገይሩ። ንፉዓት ተምሃሮ ብሰንኪ ድኽነት ትምህሮም ምእንቲ ከየቋርጹ ኣብ ዕጽው ቤት ትምህርቲ ዝምሃርሉ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቃላሚኖ ንክስራሕ ሓሳብ ዘቕረበን ንተግባራውነቱ ክሳብ መወዳእታ ዝተረባረበን እውን ንሱ እዩ። ሓርበኛ ልምዓት ኣይተ ኣርኣያ ዘሪሁን ካብቶም ትግራይ ዘመናዊ ፍልጠት ምህንድስና ብዝወነኑ ዝምራሕ ቴክኖሎጂ ንክትኸውን ራእይ ሒዞም ንኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ መቐለ ዝመስረቱ ውሑዳት ሰባት መሪሕ ኰይኑ ይጥቀስ። ኣይተ ኣርኣያ ናይቲ ኢንስቲትዩት ናይ ቦርድ ላዕለዋይ ኣመራርሓ እውን ነይሩ። ክሳብ ዕለተ ዕረፍቱ ናይ ከቢረ ኢንተርፕራይዝ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ዝነበረን፣ ደኺመ ዘይፈልጥን ህርኩትን ናይ ልምዓት ሓርበኛ ኣይተ ኣርኣያ ዘሪሁን ፋብሪካ ስፌት ዓለማ “ማ ጋርመንት” ኣብ ውሽጢ ዝሓጸረ እዋን ንስራሕ ክበቅዕ ብምግባር ብርክት ዝበሉ ወገናት ናይ ዝረአ ዕድል ክረኽቡን ትግራይ ተወሳኺ ዘመናዊ ፋብሪካ ክትውንን ገይሩ እዩ። ይኹን እምበር ኣርኣያ ኣብ ከምዚ ዝበለ መርኣያን ካብ ውሉድ ናብ ወለዶ ዝመሓላለፍን ሃይሃይታ ልምዓት እናሃለወ ብሃንደበታዊ ሕማም 13 ጥቅምቲ 1999 ዓ/ም ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ።

ዶክተር ተወልደብርሃን ገ/እግዚኣቢሄር “ሎሬት”

ዶክተር ተወልደብርሃን ገብረእግዚኣብሄር 1932 ዓ/ም ኣብ ወረዳ ወርዒ ለኸ ሩባ ገረድ ተባሂላ ኣብ እትፍለጥ ንእሽተይ ቁሸት ተወሊዱ። ቁልዕነቱ ልክዕ ከም ወዲ ሓረስታይ ትግራይ ያህለላ፣ ኩርባባ፣ ገበጣን እናተጻወተ ዝዓበየ ህጻን ዋላ እንተዀነ ብፍሉይ ንእጽዋት ዝለዓለ ፍቕሪ ነይርዎ። ስለዝዀነ ብዝነበሮ ድሌት ዘመናዊ ትምህርቲ ቀዳማይ ብርኪ ኣብ ከተማ ዓድዋ፣ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዊንጌት ኣብ ዝበሃል ቤት ትምህርቲ ዛዚሙ። ብ1952 ዓ/ም ናብ ቀዳማዊ ሃይለስላሴ ኰሌጅ ብዝለዓለ ውጽኢት ዝኣተወ ዶክተር ተወልደ ብ1955 ዓ/ም ተመሪቑ። ኣብቲ ኰሌጅ ብዘርኣዮ ጸብለልታ ድማ ብ”ቻንስለርስ ሳይንስ” ካብ ኢድ ሃጸይ ሃይለስላሴ ወርቂ ሜዳልያ ሽልማት ተበርኪትሉ። ድሕሪ ምረቓ ድማ ኣብቲ እዋን ውሩይ ተመራማሪ ምስ ዝነበሩ ዶ/ር ኣክሊሉ ለማ “ኣብ ምምርማር ሳይንስ ርክብ ሕማማትን ስነ ህይወትን ዝምልከት ምርምር (ፓቶባዮሎጂ) ዕድል ምርካቡ ንብራኸ ዓቕሙ ወሳኒ ነይሩ። ዶ/ር ኣክሊሉ ለማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዘጣየሽዎ “ኢንስቲትዩት ኦፍ ፓቶብዮሎጀ” ዝርዝር መተግበሪ ትልሚ መርሃ ግብሪ ኣዳልዩ ናብ ተግባር ዝቐየረ ምሁር እዩ።

ኣብ ዓባይ ብሪታንያ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ብእጽዋት ሳይንስ ዶክትሬት ዲግሪ ዝሓዘ ዶክተር ተወልደ ኣብ ዩንቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ዲን ፋካሊቲ ሳይንስ ብዘካየዶም ምርምራት ኣብ ዕብየት እቲ ዘፈር ዓለምለኻዊ ተጽዕኖ ዝፈጠረ ምሁር ምዃኑ ብዙሓት ምሁራት ይምስክርሉ። ፕረዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ኰይኑ ንሸውዓተ ዓመት ዝሰርሐ ዶክተር ተወልደ ክፍሊ ትምህርቲ ስነ ህይወት ባሕሪ (ማሪን ባዮሎጂ)፣ ኣብ ከበሳታት ኤርትራን ትግራይን ዝርከቡ “ፕሪካምቢያን ማዕድናት” ንምጽናዕ ዝተጣየሸ “ማይኒንግ ጂኦሎጂ” ክፍልታት ኣብ ምኽፋት ብክልስ ሓሳብን ብተግባርን መሪሕነቱ ዝተዋጽአ ምሁር እዩ። ዶ/ር ተወልደ ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓመታት ኣብ ዝነበሩ ድኽነት ናይ ምጥፋእ ፈተንቲ ዓመታት ብፖለቲካዊ ድለላ ምዕራባውያን ነቅ ዘይብል ቅዋም ዝነበሮ፣ ምችውን ስሓብን ኣብ ዝዀኑ ዓለምለኻዊ ትካላት ምስራሕ ዝተሓሰመ፣ ብምዕራባውያን ከይተደለለ ድሕንነት ሃገሩን ኣህጉር ኣፍሪካን ዘውሓሰን ዘኽበረን በሊሕን ፈታዊ ዓዱን ምሁር እዩ። ብፍላይ ንኢትዮጵያ ወኪሉ ኣብ ዓለምለኸ ኰንፈረንስ ለውጢ ብኽለት ኣየር 2002 ዓ/ም ኣብ ኣዳራሽ ሕቡራት መንግስታት ዘካየዶ ወሳኒ ክትዕ ውድብ ሕብረት ኣፍሪካ ኣድናቖቱ ገሊጹ እዩ። ነዚ ኣጀንዳ ኣብ ዝምልከት ዓለምለኻዊ መድረኻት ካብ ሪዩ ደጀኔሮ ክሳብ ፓሪስ ኣብ መሰል ዋንነት ፈጠራ ማሕበረሰብ፣ ብኽለት ከባቢ ኣየርን ጽልዋ ሓረስቶትን ዓለምን ኣብ ዝበሉ ዛዕባታት ኣብ ምምዕባል ንዝርከባ ሃገራት ወኪሉ ተኻቲዑ። ብዘካየዶ ስነ ሞጎታዊ ሓሳባት ከባቢ ኣየርን ብዘቕረቦ መፍትሒ ሓሳባትን ድማ ህይወት ሓደ ነጥቢ ኣርባዕተ ቢልዮን ሓረስቶት ዝለወጠ ከምዝነበረ ይምስከረሉ። በዚ ድማ ዶክተር ተወልደ በዞም ኩሎም ዓለምለኻዊ ኣስተዋጽኦታት ብ1993 ዓ/ም ንኖቤል ሽልማት ብሕጹይነት ሳዓሪ ኰይኑ ቐሪቡ “ሎሬት” መዓርግ ረኺቡ። ካብኡ ሓሊፉ ብ1996 ዓ/ም ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ብዝለዓለ ጽምብል ናይ ክብሪ ዳይሬክትሬት ተቐቢሉ። ኣብዚ እዋን ድማ ዶክተር ተወልደ ደኺሙንን ስልችዩንን እንተይበለ ዓዱ እናገልገለ ይርከብ።

ነዚ ዘይኣምን ኣምሓራይ ወይ ወዲ ኣድጊ ጥራሕ እዩ

የማነ ኣባደዲ ግደይ መቐለ




#Article 43: ንግዲ (103 words)


ንግዲ ምምሕልላፍ ይጠቓልል ኣቕሓ ወይ ከኣ ኣገልግሎታት ምስ ሓደ ሰብ ወይ ከኣ ኣካል ናብ ካልእ ሰብ, ብዙሕ ጊዜ ብለውጢ ናብ ገንዘብ. ስነ-ቍጠባዊ ምስክር ስርዓት ወይ መርበብ እቲ ከም ንግዲ ከም ዕዳጋ.

ችርቻረ ንግዲ ናይ ሽያጥ ይጠቓልል ኣቕሓ ኣቕሑ ንግድ ካብ ብጣዕሚ ቀዋሚ ቦታ (ከም ክፋል ክፍሊ ክዙን, ባዛር ወይ ኪዮስክ), ብመስመር ወይ ከኣ ቡስጣ, ብንእሽተይ ወይ ከኣ ብውልቀ-ሰብ ምሉእ ብቐጥታ ንምጥቃም ወይ ከኣ ኣህለኸ ብ ዓዳጊ. ጃምላ ንግዲ ተባሂሉ ሳዕስዒት ክ መራኸቢ ብ ኣቕሓ እቲ እዮም ተሸይጡ ከም ኣቕሑ ንግድ ናብ ቸርቻሪ, ወይ ከኣ ንኢንዱስትሪ, ንግዳዊ , ትካላዊ , ወይ ከኣ ካልኦት ሞያዊ ንግዲ ተጠቀምቲ, ወይ ከኣ ንኻልእ ጀማሊ ከምኡውን ኣዛመደ ተጸጋዒ ኣገልግሎት.




#Article 44: ሓበን ግርማ (519 words)


ሓበን ግርማ፡ ንኹሉ ባህርያውን ማሕበራውን መሰናኽላት ስዒራ ትሕንበብ ዘላ ኮኾብ መንእሰይ እያ። ኣብ 1988 ኣብ ግዜ ልደታ ዓይነ-ስውርትን ጸማምን ኮይና ኣብ ኦክላንድ ሕቡራት መንግስታት አመሪካ ካብ ኤርትራዊት ኣደን ኢትዮጵያዊ ኣቦን ዝተወልደት ሓበን፡ ከም’ቲ ንመስተብሃልስ “ነቲ ጸድፊ’ውን መደያይቦ ኣለዎ” ዝብል ብሂል ኣበው፡ ነቲ መፋጥርታ ዝኾነ ባህርያዊ ስንክልና ዝስዕር ባህርያዊ ትዕድልቲ ሒዛ እያ ኣብ’ዛ ዓለም ዝመጸት። ሓበን ተመሃሪት መባእታ ኣብ ዝነበረትሉ፡ ንግድላት ስንክልና ብዝልዓለ ንምብዳህ ጎኒ ጎኒ ስሩዕ ኣካዳምያዊ ትምህርታ ፍሉይ ናይ ብረይል ትምህርቲ ተኸታቲላ፡ ድጅታላዊ መሳርሒ ብረይል፡ ዕቑር ተውህቦኣ ብዝልዓለ ንኽተበራብር ብፍላይ ኣብ ትምህርቲ ዝያዳ ንኽተድምዕ ልዑል ኣበርክቶ ከም ዝገበረላ ድማ ትገልጽ። ንሳ ገና ንእሽቶ እንከላ ብዘይካ ኣብ ኣካዳሚ መሰል ስንኩላን ኣብ ምቅላሕ ክትነጥፍ ጀመረት። በዚ ድማ ጓል 15 ዓመት ምስ ኮነት ናብ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ማሊ ብምጓዓዝ ንዓይነ-ስውራን እተገልግል ቤት ትምህርቲ ኣብ ምህናጽ ብወለንታ ምስ ናይ ግብረ-ሰናይ ትካል ሰርሐት። ብድሕሪ’ዚ ኣብ ፖርትላንድ ኣመሪካ ኣብ ኮለጅ ብዓውዲ ስነ-ሰብን ማሕበረሰብን ናይ ቀዳማይ ዲግሪ መዓርግ ረኸበት። ሓበን ብዘለዋ ስንክልና፡ ጾታን ዓሌትን ምኽንያት የጋጥማ ንዝነበረ ተነጽሎ ንምብዳህ፡ ብዓውዲ ሕጊ ዝልዓለ ደረጃ ትምህርታ ክትቅጽል መረጸት፡ በዚ ድማ ኣብ 2013 ካብ ቤት ትምህርቲ ሕጊ ሃርቫርድ ብናይ ዶክትረይት ማዓርግ ዝተመረቐት ቀዳመይቲ ዓይነ-ስውርትን ጸማምን ኮነት።

ሓበን፡ ብዝገበረቶ ፍሉይ ጻዕሪ ከም ወናኒት ፍሉይ ሓይሊ ካብ ስሙያት ሰባት ዓቢ ምትብባዕን ኣፍልጦን ክትረክብ በቕዐት። ፕረዚደንታት ኣሜሪካ ባራክ ኦባማን ዊልያም ቢል ክሊንተንን ከም ናይ ክብሪ ዕድምቲ ናይ ዋይት ሃውስ ብፍሉይ ኣተባቢዖማ። ዓወታት ሓበን በዚ ጥራይ ኣየብቅዐን፥ ድሕሪ ምምራቓ ኣብ ሓደ ናይ ስንኩላን መሰል ዝጣበቕ ዘይመንግስታዊ ትካል ከም ጠበቓ ኮይና ሰርሐት። ሓበን ኣብ ምውሓስ ምዕሩይ መሰል ስንኩላን ብፍሉይ ወኒ እያ ትጽዕር፡ “ንዓለም ዝሓሸት መድረኽ ንምግባራ እዩ ጻዕረይ፡ እዚ  ኹዉን ንምግባር ብዙሕ መገድታት ኣሎና። ንኣስራሕቲ ትካላት፡ ስንኩላን ክብሪ ከም ዘለዎም ብምንቃሕ፡ መሳርሒ ብረይ ብምዝርጋሕ....ወዘተ” ድማ ትብል። ምዕሩይ መሰል ስንኩላን ኣብ ኩሉ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ንምውሓስ ብእትገብሮ ደረት ኣልቦ ጎስጓሳዊ ጻዕሪ ድማ፡ ሎሚ ዓመት፡ ውድብ ዓይነስውራን ኣሜሪካ AFB ብ4 ሚያዝያ 2018 ኣብ ዘዳለዎ ዓመታዊ ሽልማት ዓወታት ሄለን ከለር Helen Kel-ler Achievements Award፡ ኣብ ጎኒ ወከልቲ ትካላት ፌስቡክን ማይክሮሰፍትን ብምዃን ተሸላሚት ክትከውን ኣብቃዓ። ትካላት ፌስቡክን ማይክሮሰፍትን ህዝባዊ ኣገልግሎታተን ንስንኩላን፡ ዓይነ-ስዉራንን ጽሙማንን ክጥቀሙሉ ብዝምችእ ኣገባብ ከመሓሽኦ ብምኽኣለን እየን ተሸለምቲ ኽኾና በቒዐን።  

ሓበን፡ ኣብ ግዜ ሽልማታ ንተሳተፍቲ ናይ እቲ ምሸት ኣብ ዘስማዓቶ ቃል፡ “ኣብ ዘመነ ሄለን ከለር ሃርቫርድ ዩኒቨርስቲ ደቂ ተባዕትዮ ጥራይ እዩ ዝቕበል ኔሩ። በዚ ድማ ሄለን ብጾታኣ ይኹን ስንክልናኣ ኣብ ሃርባርድ ከጽንዕ ተኽእሎ ኣይነበረን፡ ሕጂ ግን ነዊሕ ተጓዒዝና ኢና፡ ሃርባርድ ንጾታ ይኹን ንሕብረ-ዓሌታዊ ተሳትፎ ማዕጽኡ ከፊቱ ኣሎ። እዚ ክንብል ከሎና ግን ኩሉ ተነጽሎታት ኣንጻር ስንክልና ኣብቂዑ ማለት ኣይኮነን፡ ኣብ ዓለምና ኣስታት 1.3 ሚልዮን ስንኩላን ኣለዉ፡ እዚኣቶም ሓደ ዓቢ ኮሚኒቲ እዮም ዘቑሙ። ምስ ኩነታት ስንክልንኦም ዝምችእ ኣገልግሎት ክረክቡ መሰል ኣለዎም። ግዝየይ፡ ስርሐይ ይኹን ዕድመይ ዓለምና ሓቛፍት ንምግባራ እዩ። ካብ ቤት ትምህርቲ ጀሚርካ ክሳብ ናይ ቴክኖሎጂ ትካላት ኣብ ዝህብኦ ኣገግሎት ይኹን ዘዳልውኦ ፕሮግራማት ንምቹእ ተጠቃምነት ስንኩላን ኣብ ግምት ክእዩ እዩ ጻዕረይ። ኩልኻትኩም ኣብ’ዚ ጻዕረይ ከም እትሓብሩኒ ድማ ትስፍውቲ እየ።”እላ።ብዙሓት መንእሰያት ምስ ምሉእ ህዋሳት ስምዒትናን ምስ ምሉእ ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ጥዕናን እና ሃለወና ንባህርያዊ ትዕድልትና ከይተጠቀምናሉ ዕድሜና ንኾንቱ ንሕልፎ። ገለ መንእሰያት ድማ ብባህሪ ይኹን ሰብ ዝሰርሖ ሓደጋ ንዘጋጥሞም ስንክልና ስዒሮም ኣብ ሂይወት ዓበይቲ ዓወታት የመዝግቡ። ሓበን ግና፡ በመፋጥርታ ዝኾነ ባህርያዊ ስንክልናን ማሕበራዊ ተነጽሎታትን ከተገትኤት፡ ኣብ ሂወት ዓቢ ዓወት ክተመዝግብ ዝበቕዐትን ዓለም ንምልዋጥ ኣብ ቀጻሊ ጻዕሪ ትርከብን ኣብነታዊት መንእሰይ እያ። በዚ ኣጋጣሚ ንሓበን ዮሃና እናበልና! መንእሰያት ድማ ኣብነታ ብምኽታል ዘሎና ዕቁር ጸጋ ብዝልዓለ ብምብርባር ስምናን ስም ሃገርናን እነስምየሉ ዕዮ ክንዓዪ ነዘኻኽር።




#Article 45: ሳሞአ (136 words)


ሳሞአ, ናይ ርፑብሊክ ኣብ ፖሊነይስ ኢያ። ኣብ ኦስያን ድማ ትርከብ። ደሴት ጥራይ ስለ ዝኾነት ድማ፣ ብማይ ጥራይ ተብኢባ ትርከብ። ኣብ ሳሞአ ልዕሊ 200.000 ሰባት ይቅመጥዋ። ኣብ ሳሞአ ቋንቋ ሳሞአኛ ይዛረቡ። ርእሲ ከተማ ናይ ሳሞአ ኣፕያ ትብሃል። ታላ ዝብሃል ባጤራ ድማ ይጥቀሙ። 99,7% ካብ ቶም ሰባት ድማ ክርስትና ሃይማኖት ኣለዎም።   

ሳሞአ ኣብ 1962 ካብ ኒው ዘይላንድ ነጻ ኮይና። ኣብዚ ግዜ ግን ሳሞአ ጠቅላላ ናጻ ኢያ።

ሳሞአ ኣብ 1962 ካብ ኒው ዘይላንድ ነጻ ኮይና። ኣብዚ ግዜ ግን ሳሞአ ጠቅላላ ናጻ ኢያ።

ኣብዛ ሰእሊ ብቁሩብ ናይ ሳሞአ ሰባት ምስሊ ትርኢ።

ኣብ ሳሞአ ኣስታት 98% ናይ ቶም ህዝቢ ክርስትና ሃይማኖ ትኣለዎም።

ፍሉጥ ሃገራዊ ስፖርት ናይ ሳሞአ ሩግብይ ኢዩ። ሳሞአ ዋላ'ኳ ንኡሽቶይ ሃር ከላ፣ ሩግብይ ግን ብዝለዓለ ነጥብታት ኢያ ትጽወት። እታ ሃገር ኩሉ ግዜ ኣብ ቶፕ 20 ካብተን ዓለምወረት ናይ ሩግብይ ፍልጥቲ ኢያ። ከምኡ ውን ኣብ ናይ ዓለም ቻምፕዮን ስዒራ ትርከብ። 




#Article 46: ጥንሲ (439 words)


ጥንሲ (pregnancy) ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ምስ እንቋቈሖ ጓል ኣንስተይቲ ካብ ዝተዋሃሃደሉ ኪሳብ ህጻን ዝወለደሉ ዘሎ ከባቢ 9 ኣዋርሕ ዘጣቓለለ እዩ።

ብሳምንታት እዩ ዝቑጸር፡፡ ጥንስቲ ክትኮንሉ እትኽእሊ እቲ ዝበለጸ ግዜ። ኣብ ፍርቂ ዑደተ-ጽግያት እዩ። እታ ዝጸግየት እንቋቑሖ ኣብ ማህጸን ክትምዕብል ካብ ዝጀመረትሉ ግዜ ጀሚሩ ክሳብ እቲ ቆልዓ ዝውለድ ዘሎ ንውሓት ግዜ ግዜ ጥንሲ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ጥንሲ ንኣስታት 9 ኣዋርሕ ወይ 40 ሳምንታት ይጸንሕ ። ካብታ ናይ መጀመርታ መዓልቲ ናይታ ዝሓለፈት ምፍሳስ ደም ጽግያት (እቲ ሓቀኛ ጥንሲ ቅድሚ ምግጣሙ ዘሎ ከባቢ ክልተ ሳምታት) ጀሚሩ ይቑጸር። ሕርሲ ክኣ ካብታ መወዳእታ ናይ ጽግያት ደም ዝተራእየሉ ግዜ ጀሚርካ ድሕሪ 40 ሳምንታት የጋጥም።
ብዙሓት ደቂኣንስትዮ ኣብ ግዜ ጥንሲ ከቢድ ጸገማት ከየጋጠመን። ጥዕና ነብሰንን ወላደንን ንምውሓስ እምብኣር እታ ኣደ እኹል ኣፍልጦ ክጸንሓ ኣገዳስነቱ ዕዙዝ እዩ።

ጓልኣንስተይቲ ጥንስቲ ምዃና ዘርኢ ምልክት ካብ ጓል ኣንስተይቲ ናብ ጓል ኣንስተይቲ እኳ ዝፈላለ እንተ ኾነ፡ ገለ ካብኡ ንምግላጽ ኣብተን ቀዳሞት ሰለስተ ኣዋርሕ ንግሆ ክትንስእ ከላ ዕወልወል ምባል ፡ ከምልሳ ምድላይ፡ ድኻም ምስማዕ ፡ ሽውሃታ ምዕጻው ወዘተ ክንዝርዝር ንኽእል። መብዛሕቱኡ ኣብ ኩለን ጥንሲ ከም ዘጋጥም እትፈልጥሉ ግን ግዜ ናይ ጽግያት (ናይ ኣዴታታ) ኣብ ግዝይኡ ምስዘይመጻ እዩ። ካልኦት ምልክታት ድማ ምቕንዛው ጡብ። ኣብ ከባቢ ጫፍ ጡብ ድማ ካብቲ ንቡር ንላዕሊ ኣዝዩ ዝጸለመ ሕብሪ ምህላው የጠቓልሉ፣ ካብ ኣርባዕተ ክሳዕ ሸውዓተ ወርሒ ዘሎ ጥንሲ። ንመብዛሕተን ደቂኣንስትዮ እቲ ዝመችአ ግዜ ኣብ መላእ ናይ ጥንሲ ግዚአን እዩ። ኣብዚ ግዜ እዚ ምሉእ ሓይሊ ዝስምዐን ብዙሓት ደቀንስትዮ ኣለዋ፣

ኣብ ምዕቡላት ሃገራት ኣብ ገዛ ኴንካ እትጥቀምሉ መመርመሪ ጥንሲ ካብ ፋርማሲ ክትዕድግ ትኽእል ኢኻ ወይ ድማ ውሑድ ሽንቲ ማይ ንመርመራ ናብ ዶክተር ክትወስድ ይከኣል እዩ።

ጥንስቲ ጓልኣንስተይቲ  ካብ ራብዓይ ወይ ሓምሻይ ወርሒ ጥንሳ ጀሚሩ እቲ ዕሸል ክንቀሳቐስ ከሎ ክትሰምዕ ትኽእል እያ። ዘይ ቦካር ጓልኣንስተይቲ እዚ ነገር እዚ ኣቐዲሙ ክስምዓ ተኽእሎታት ኣሎ። ምንቅስቓስ ዕሸል ኣብ ሰሙን ዝተወሰነ ግዜ ጥራይ ክስምዓ ይኽእል እዩ ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ግን መዓልታዊ ክስምዓ ይጅምር።
ዕሸል ሸውዓተ ወርሒ ኣብ ዝገበረሉ ግዜ ከባቢ 1 ኪ.ግ ይምዘን። ኣስታት 35 ሰ.ሜ ድማ ንውሓት ይህልዎ፣ እቲ ዕሸል። ኣብዚ ግዜ’ዚ ምሉእ ብምሉእ ይምዕብል፥ ካብዚ ግዜ’ዚ ንድሓር ሕርሲ ምስዘጋጥም። መብዛሕቱ ግዜ። እቲ ቆልዓ ብህይወት ይውለድ እዩ፣ ኮይኑ ግን። እዚ ግዜ እዚ ንሕርሲ ኣዝዩ ዝቐልጠፈ ግዜ እዩ፥ ጥንስቲ ጓልኣንስተይቲ ንገዛእ ርእሳ ጽቡቕ ክንክን ክትገብር ኣገዳሲ እዩ፣ ከቢድ ነገር ኣብ ምልዓልን ልዕሊ ግቡእ ምዝርጋሕ ኣካላት ኣብ ምግባርን ክትጥንቀቕ ይግባኣ፣ ኣብ መወዳእታ ናይ ጥንሲ ግዜን። ከብዳ ኣጸቢቑ ይዓቢ፣ እታ ጓልኣንስተይቲ። ክብደት ብቐጻሊ ትውስኽ፣ ትንፋስ እውን ሕጽር ሕጽር ክብላ ይኽእል፣ እዚ ድማ እቲ ዕሸል ኣንጻር ናታ ድያፍራም ስለዝደፍኣ እዩ፣

ዕሸል ኣብ መወዳእታ ናይ ጥንሲ ኣዋርሕ ኣዝዩ ይዓቢ፣ ኣብ መወዳእታ 8ይ ወርሒ። ከባቢ 3 ኪ.ግ ይምዘን፣ ቅድሚ ሕርሲ ዘሎ ናይ መወዳእታ ወርሒ። እቲ ዕሸል ቦታ ይቕይር፥ ርእሱ ድማ ናብ ጐሎ ጓልንስተይቲ ገጹ ይገብር፣ ኩሉ ነገር ድማ ንሕርሲ ድልው ይኸውን፣ ድሕሪ ኣስታት 40 ሳምንታት ድማ እቲ ቆልዓ ይውለድ፣ ኣብ ኖርወይ እቲ ገምጋማዊ ክብደት ቆልዑ ኣብ ግዜ ሕርሲ። 3.6 ኪ.ግ እዩ፣




#Article 47: ለበዳ ኮቪድ-19 (194 words)


ናይ 2019-2020 ኮሮናቫይረስ ለበዳ ከቢድ ድማ ህጹጽ ናይ ምስትንፋስ ኣካላት ሕማም ኣምጸአ ብኾነው ሳርስ-ኮቭ-2 (SARS-CoV-2) ቫይረስ ምኽንያት ናይ ተፈጥረ ናይ ኮሮናቫይረስ ሕማም ኮቪድ-19 (COVID-19) ለበዳ እዩ። ለበዳ ኣብ መጀመርታ ጊዜ ናይ ጸብጸበ ብቻይና፣ ዉሃን፣ ሁቤ ውሽጢ ብታሕሳስ 2019 ነበረ። ናይ ውድብ ጥዕና ዓለም ብመጋቢት 11 መዓልቲ 2020 ብሕማምውን ናይ ለበዳ ደረጃ ኣብ መድረሱን ኣወጀ። ብማእከል መጋቢት 19 መዓልቲ 2020 ክሳብ ህልው ሓበሬታ መሰረት ካብ244 ሽሕ ልዕሊ ናይ ኮቪድ-19 ጉዳያት ብ176 ሃገራት ውሽጢ ዝተመዝገበ። ብለብዒ ብቐዳምነት ዝትከተት ሃገራት መንጎ ቻይና፣ ኢጣልያ፣ ኢራን፣ ደቡብ ኮርያ ድማ ስፔን ይርከብ።

ንመብዛሕተኦም ሰባት ሰዓልን ረስንን ዘለዎ ባዕሉ ዝጠፍእ ቀሊል ሕማም ዝገብረሎም ኮይኑ ንገሊኦም ግና ጸገማት ምስትንፋስን ነድሪ ሳምቡእን (ኒሞንያን) ዘለዎ ብርቱዕ ሕማም ይገብረሎም። እቲ ቫይረስ ምስ ዝሓመመ ሰብ ቀረባ ምርኻባት ምስ ዝህሉ ወይ ብነጠብጠብታዊ ለብዒ ማለት እቲ ዝሓመመ ሰብ ምስዝስዕል ወይ ሕንጥሸው ምስዝብል ይመሓላለፍ። እቲ ምልክት ሕማም መብዛሕትኡ ግዜ ቀሊልን ሓደ ሰብ ምስተለኽፈ ድማ ድሕሪ ኣስታት 5 መዓልትታት ይረአ። እቶም ምልክታት ሕማም ግን ቅድሚ ወይ ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልትታት’ውን ክረአዩ ይኽእሉ እዮም።

ንገሊኦም ግን እቲ ሕማም ጽንኩር ስለ ዝኸውን ጸገማት ምስትንፋስን ነድሪ-ሳንቡእን(ኒሞንያን) ይገብረሎም። እቶም ጽንኩር ሕማም ዝገብረሎም ሰባት መብዛሕተኦም ኣረገውትን ልዕሊ 80 ዕድመ ኣለዎም። ወላ’ውን ሓዳሪ ሕማም ልብን ሓዳሪ ሕማም ሳምቡእን ወይ መንሽሮ ዘለዎም ሰባት ጽንኩር ዝኾነ ሕማም ይገብረሎም እዩ።




#Article 48: ኮሮናቫይረስ (184 words)


ኮሮና ቫይረስ (እንግሊዝኛ፡ Coronavirus) ክንብል ከለና፣ ኣብ 2019/2020 ዝተረኽበ ዓይነት ህማም (ቫይረስ) እዩ። ኣብ 2020 ሰብ ኣንቀጥቂጡ ዘሎ ህማም ድማ እዩ። ኮሮና ዋላ'ኳ ቀታሊ ዓይነት ቫይረስ እዩ እንተ በልናዮ፣ ወይ ካብ 80 ዓመት ንላዕሊ ኢኻ፣ ወይ ካልእ ሕማም ኣለካ። ንኣብነት፣- ሽኮርያ፣ ደም ዋህዲ፣ ደም ብዝሂ ወዘተ። ብዝተረፈ ግን፣ እንተ ተጠንቂክቃ፣ ዝሓዊ ሕማም እዩ። ከም በዓል ሕማም ቫይረስ ኢቦላ ግን ኣይኮነን። ብኸመይ መጽዩ፣ ብከመይ ክንከላከሎ ንክእል፣ ድማ ቀጺለ ክሕብረኩም እየ።

ኮሮና ቫይረስ፣ ቀንዲ መምጽኢኡ ኡኳ 100% ብከመይ ከም ዝመጸ አንት ደይ ተፈልጠ፣ 92% ግን ካብ መንካዕ ከም ዝኾነ፣ ተመራመርቲ ኣረጋጊጾም ኣለዉ። ቦታ መምጽኢኡ ድማ፣ ካብ ዉሃን ዝበሃል ቦታ ኣብ ቻይና ትርከብ ዓዲ ከም ዝመጸ ተረጋጊጹ ኣሎ። ኣብ ዉሃን፣ ዘይ ሕጋዊ ነገር ስለ ዝገብሩ፣ ንኣብነት ዘይ ግፈፍ ዓሳ ገፊፎም እንዳ በልዑ፣ ድማ ነዚ ቫይረስ ኣብ ዓለም ሕደገኛ ኮይኑ ከም ዘሎ ድማ ጌሮም። ኮሮና ቫይረስ፣ ድሕሪ ነዊሕ ምምርማር፣ ቅድሚ ሕጂ ውን ከምኡ ዓይነት ቫይረስ ከም ዝነበረ ተረጋጊጹ ኣሎ። እቲ ናይ ቀደም ቫይረስ ድማ ማራ ሓደገኛ ኔሩ። እቶም ክልተ ናይ ቀደም ቫይረስ ድማ፣ ሳርስ፣ መርስን ይበሃሉ። እዚ ናይ 2020 መጽዩ ዘሎ ኮሮናቫይረስ ድማ፣ ኮቪድ19 ተባሂሉ ይጽዋዕ። ንምንታይ ኮቪድ19 ይበሃል ዝብል ሕቶ እንተ'ለኩም፣ ኣብ 2019 ስለ ዝተረኽበ ሕማም እዩ።




#Article 49: ኪተ ካልአይ ደረጃ ትምህርቲ ቤት (291 words)


ኪተ ናይ ውንጌላዊ ቤተ ቤተ-ክርስትያንን ካልአይ ደረጃ ትምህርቲ ቤት ብምስራቅ ትርከብ። አብ ኪተ ማእከል ውሽጥይ ናይ ባዕሉ ጸጥ ዝበለ መናፈሻ ቦታ አሎ። ካብ ማእከል ኪተ ናብ ዮንሱ 70 ኪ, ሚ ርሕቀት (ንውሓት) አልወን ፣ ካብ ማእከል ኪተ ናብ  ድማኒ 400 ኪ,ሜ ርሕቀት አለወን፣ ካብ ማእከል ኪተ ናብ ሶርታቫን 100 ኪ,ሜ ርሕቀት አለወን፣ ካብ ማእከል ኪተ ናብ ናይ ድንበር ሞቃረጺ ነጠብጣብ ዞሎ ቫርትሲላ 40 ኪ,ሜ ርሕቀተ አሎወን።

ኪተ የኢቫንደሊካል አገልግሎት ናይ ደረጃ ትምህርቲ ትምህርቲ ቤት ድጋፍ ማሕበር ዝተቃወመሉ ብ 1943 እ,ኤ,አ ነይሩ። ኮለጅ ንመጀመርታ ጊዜ ዝተጀመረሩ ታሕሳስ ብ 1946 እ,ኤ,አ እዩ።

አብ ዝሰርሑሉ እዋን እዚ ኮሌጅ ዝተፈላለዩ ናይ መምሃሪ አቅርቦታት ክምስገኑ ዝግቡኡ እዮም። ካብ አከባቢያቶም እውን አበይቲ መማህር ኮይኖም እዮም። ኣብ ሕጂ እዋን እዚ ኮሌጅ ነዋሕ መሰመራት ውሽጢ እውን 2000 ንላዐሊ ብ ሓጺር ኮርስታት ውሽጢ ናብ 500 ተምሃሮታት ይማሃሩ።

ነዊሕ ኮርስታት (ናይ ትምህርቲ ዓመቲዊ - ነዊሕ መስመር)

ንሞያ ብቅዓት መዘጋጀይ ዝዘጋጀ

እዚ ኮሌጅ ንዝተከታተሉ ሞያዊ ዲግሪ ናይ ድርጁቱ ስምምዕ አለዎ።

ናይ ፎል 2 ይ ደረጃ ትምህርቲ ቤት ኮርስ ሰፊሕ እዩ ብተወሳኺ ብመማህራን ውሽጢ ዝተፈላለየ በዓል ሞያ አለዉ።ብጣዕሚ ዝፍለጡ ናይ ቀደም ናይ ቤዝቦል ተጻወቲ ፓሲ ፓሪንየን ብተወሳኺ እውን ናይ ሙዙቃ መምህር ፕሌን ዲሞቭ ዝብሃሉ በዓል በዓል ብዙሕ ክእለት ትምህርቲ መምህራን እዩሞ።ንኣብነት ፕሌን ዲሞቭ ኣምሃሪ እውን ናይ ድሕሪት ድጋፍ ንኣብነት ናይ ለይቲ ምኞት ኣቦ ተባሂሎም ይጽዉዐ። ኣብ ኩርናዕ ኣብ ላዕሊ ናይ ዝተመስረተ ናይ ሓጺን ባንዲ መጀመርታ ታራ ቱርየን እና ቱማስ ሆሎፔይንየን። ኣብ ሊውቪሽ ባሕሪ ቫዩሊን ተጻዊቱ እዩ ።

ኣገልገልቲ እና አገልግሎታት

አብዚ ኮሌጅ ንምጽናዕ፣ ንምምባር እውን ነጻ ጊዜን ንምጥቃም ሙቹው (ጽቡቅ) ቦታ አለዎ። መምሃሪ ክፍልታት በዝግባእ ኩሉ ዘማልእ እዩ ። ንተምሃሮ ናይ መመገቢ ኣዳራሽ አለው ከምኡ እውን ደብሪ ክፍሊቲት እውን መደቀሲ ክፍሊታትእውን መሰርሒ ምግቢ (ክሽኔ) አለዎ። ብተወሳኪ እዚ ኮሌጅ ሳውና ተወሳኪ ድማ ንእተይ መሐንበሲ እውን ናይ ግሊ ገዛ አሎ። አብዚ ኮሌጅ አብ ቀረባ አከባቢ በዙሕ ናይ እስፖርታ ቦታ አሎ ሓድሽ ናይ እስፖርታ መዘናግዒ አሎዎ።




#Article 50: ጉግል (332 words)


ጉግል ሓ.ዝ.ኩ (ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ኩባንያ) (ብእንግሊዝኛ፦ Google LLC)፣ ናይ ኣመሪካ ሕብረ-ሃገራዊ ኣልፋበት ዋና ህዝባዊ ኩባንያ እዩ። ናይ ንሱ ምውሕላል ካብ ኢንተርነት፣ ሶፍትዌር፣ ኤለክትሮናውያን መሳርሒታትን ካልኦት ሽጅአኬ ተክኖሎጂታትን ዝተራኪቦም ምህርትታትን ኣገልግሎታትን እዩ። ናይ ጉግል ዋና ምህርቲ ተመሳሳሊ ስም ዘሎ ናይ ኢንተርነት ትሕዝቶ መድለይ ማሺን እዩ፣ ምንም እንቋዕ ከም ጉግል ድራይቭ (Google Drive) ናይ ቤት-ጽሕፈት ኣቕሑ ናውቲ፣ ኢሜይል ጂሜይል (Gmail) ተባሂሉ፣ ጉግል ካርታታት (Google Maps)፣ ጉግል ኤርዝ (Google Earth)፣ ናይ ዩቱብ (YouTube) ቪድዮታት መርበብ ሓበሬታ ድማ ከም ጉግል መጻሕፍቲ (Google Books)፣ ጉግል ዜናን (Google News) ጉግል ትርጉምን (Google Translate) ከም ካልኦት ምህርትታትን ኣገልግሎታትን ዝህብ እንተኾነ'ውን።

ጉግል ኣብ 1998 ብላሪ ፐይጅን ሰርጊ ብሪን ዝተባህሉ ሰባት’ዩ ተመሰሪቱ። እዞም ክልተ መንእሰያት ኣብ ስታንድፎርድ ዩንቨርሲቲይ ተመሃሮ ፒኤችዲ ዲግሪ እንከለዉ’ዮም መስሪቶሞ። ላሪ ፐይጅን ሰርጊ ብሪን 14% እዚ ትካል ክውንኑ እንከለዉ፡ 56% ድማ ብ(ስቶክ ሆልደርስ)’ዩ ዝውነን።

ጉግል ኣብ 4 መስከረም 1998 ናብ ናይ ውልቂ ትካል ተሰጋገረ። ኣብ 19 ነሓሰ 2004፣ ናብ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈቱ ‘ካሊፎርንያ’ ዝገዓዘ ጉግል፣ ንፈለማ እዋን ናብ ህዝቢ ዝቐርብ፦ “ጉግል ፕለክስ” ዝብል ስም ተዋህቦ። ኣብ ነሓሰ 2015፣ ጉግል ነቲ ዝተፈላለየ ድሌታት ዘለዎ መደባቱ፣ ኣብ ሓደ ጠርኒፉ መደባቱ ከምዘተዓራሪ ንህዝቢ ኣፍለጠ።

ካብ ዝጠራነፍ ኣትሒዙ ቅልጡፍ ዕብየት ዘርኣየ ጉግል፣ ብሓንሳዕ’ዩ ዝተፈላለዩ መደባት ኣቕሪቡ። ዝተፈላለዩ ነገራት ደሊኻ ኣብ ጉግል ኣቲኻ ምርካብ፣ ንስራሕ ዘድልዪ ነገራት ኣገልግሎት ምሃብ፣ ፍርያት ጉግል ከም ወረቃቕቲ፣ ኢሜይል፣ ምስራዕ ምትዕርራይ መደባት፣ ማሕበራዊ መራኸቢ መስመራት፣ ብጽሑፍን ብቪዲዮን መልእኽቲ ምስዳድ፣ ቋንቋ ምቕያር፣ ካርታ ሃገራት ምሕባር፣ ዝተፈላለዩ ጽሑፋትን ኣገልግሎታትን የዳሉ።

ካብዚ ቀጺሉ ጉግል ኣብ ሞባይል ኣንድሮይድ፣ ጉግል ክሮም ዌብ ብሮውሰር፣ ክሮም ኦስን ኣብ ሞባይል ዝሰርሑ ዝተፈላለዩ ሶፍትዌራትን ኣተኣታትዩ’ዩ።

ጉግል ካብ 2010 ኣትሒዙ ክሳብ 2015 ዝተፈላለዩ ንብረት እዩ ኣፍሪዩ። እዚ ትካል ምስ ዝተፈላለየ ኤለክትሮኒካዊ ነገራት ዘፍርያ ትካላት ብምሕባር፡ ከም ሞባይልን መጉልሒ ድምጽን ኣብ ጥቅምቲ 2016 ኣቕሪቡ። ጉግል፣ ብተወሳኺ እቲ ቀንዲ ተሰካሚ ኢንተርነት ክኸውን ክኢሉ’ዩ።

ጉግል፣ ዩቱብን ብሎገርን ዝርከብዎ ኣብ ዓለም ካብቶም ዝያዳ ተጠቀምቲ ዘለዉዎ መስመራት ኢንተርነት ተባሂሉ ተጠቒሱ’ዩ። እዚ ትካል ምስቶም ፍሉጣትን ክቡራትን ትካላት ዓለምና’ዩ ዝስራዕ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ግን፣ ኣብ ውልቃዊ ጉዳያት፣ ምውጋድ ቀረጽ፣ ዘይእመን ሜማ ወይ ሰንሰር ኣብ ዝኣመሰሉ ክስታትን ኣገደስቲ ነቐፌታትን ይቐርቦ እዩ።

ዕላማ ጉግል፦ “ኣብ ዓለም ዘሎ ሓበሬታታት ብምዕራይ፣ ንኩሉ ብማዕረ ንኽበጽሕን ጠቓሚ ክኸውንን” ዝብል እዩ።




#Total Article count: 50
#Total Word count: 21014